ፍራንቸስኮ ንኣርጀንቲናውያን ሰብ ትካላት፥ ንሰብ ክብሪ ዝህብ ስራሕ እዩ! ፍራንቸስኮ ንኣርጀንቲናውያን ሰብ ትካላት፥ ንሰብ ክብሪ ዝህብ ስራሕ እዩ! 

ፍራንቸስኮ ንኣርጀንቲናውያን ሰብ ትካላት፥ ንሰብ ክብሪ ዝህብ ስራሕ እዩ!

እቲ ናይ ሓቂ ወፍሪ ሃብቲ ገንዘብ ንስድራ ቤት ዝጥምት እዩ፥ ረድኤት ናብ ርእሰ ብቕዓት ዘሰንይ ግዝያዊ ኵነት እዩ ክኽውን ዘለዎ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ኣርጀንቲና ናብ ዝርከብ ተቕዋም ንግዳዊ - ትካላዊ ምዕባለ ናብ ዘካይዶ ዘሎ መበል 57 ዓመታዊ ጒባኤ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ኣብ መልእኽቶም፥ እቲ ናይ ሓቂ ወፍሪ ሃብቲ ገንዘብ ንስድራ ቤት ዝጥምት እዩ፥ ረድኤት ናብ ርእሰ ብቕዓት ዘሰንይ ግዝያዊ ኵነት እዩ ክኽውን ዘለዎ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ስራሕ ንሰብኣዊ ኽብረት ይገልጾን ይደልድሎን ነቲ ኣምላኽ ዝሃብዎ ክእለት ንኸማዕብል የኽእሎ ናይ ምልውዋጥ ሓባራውነት ንኽኣልምን ንሕድሕዳዊ ምድግጋፍ ይሕግዞ፥ ነዛ ዓለም እዚኣ ንኽከናኸናን ንኸማዕብላን ተሓባባሪ ኣምላኽ ምዃኑ ንኽስምዖ የኽእሎ ንማሕበርሰብን ነቶም ዘፍቅሮም ሰባትን ዝጠቅም ኰይኑ ከም ዝስምዖ ይገብር።” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ካብ ዕለት 14 ጥቅምቲ ክሳዕ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ዝካየድ ናይታ ሃገር ተቕዋም ምዕባለ ንግድ ናብ ዘዳለዎ መበል 57 ዓመታዊ ዓውደ ጒባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጐ ሰብ ትካላትን ሰራሕተይናታትን ኣገዳስነት ዘተ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ 1974 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ዓዓመት ንመራሕቲ ሃገራውን ኣህጉራውን ትካላትን ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣን ምሁራትን መራሕቲ ናይ መንግስቲ ትካላትን ናይ ዘይመንግስታውን ማሕበራት ሓላፍትን ዘሳትፍ ዘበገሶ መደብ ዓመታዊ ዓውደ ጒባኤ መሰረት፡ ኣብዛ ዓመት ኣዚኣ “ዘላቒት ኣርጀንቲና ንኸውን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ ዓውደ ጒባኤ ተጋባእያን፥ “ካብ ድኻምን ጸገማትን ሓሊፍና” ስራሕ “መገዲ ብስለት ነቲ ዝሓሸ ሕልምታት ኣኽናፍ ዝህብ ናይ ሰብ ፍጻመን እዩ” በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ “ኣብ መንጐ ሰብ ትካላትን ሰራሕተይናትትን ናይ ሓባር ዘተ ኣገዳሲ ዝኸውን” እዚ ዘተ እዚ ኣድላዪ ጥራይ ዘይኰነስ ፍረ ዘለዎ ተስፋ ዝህብ እውን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ንዅሉ ሰብ እተፈላለየ ናይ ስራሕ ምንጭታት ምቕራብ

“እቲ ሃብቲ ንምድላውን ምህርቲ ንምምሕያሽን ከምኡ እውን ስራሕ ንምቛም ዘኽእል ክቡር ሞያ ሰብ ትካላት” ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ብምዝኽኻር እቲ ቐንዲ ሸቶ “ኵሉ ሰብ ንመጻኢ ብረሃጹን ብብልሓቱን ንኽሃንጾ ዘክእሎ እተፈላለየ ምንጭታት ስራሕ ምሃብ - ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣር” ዝብም ምዃኑ ገሊጾም፡ “እቶም ስራሕ ዘይብሎ ዝጐደሎም ነገር ከምዘሎ የስተውዕሉ እዚ ኸኣ ንሰብ ስራሕ ዝህቦ ክብሪ ስለ ዝጐድሎም” እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናብ ኣባይቲ ስድራ ምጥማት

በዚ መዳይ እዚ እምበኣር “ሓደ ሰብ ብረድኤት ኪነብር ኣይክእል እዩ” ምኽንያቱ ረድኤት “ንግዚኡ ጥራይ እዩ ክሕግዘና ዚኽእል። ሕይወት ብዘይ ጻዕሪ ወይ ከኣ ናይ ስራሕ ባህሊ ዘሕስር . . . እዚ ንሓደ ከማይ ካብ ፒዮሞንተ ናብ ኣርጀንቲና ካብ እተሰደት ስድራ ቤት ዝተወለድኵ . . . ወለደይ ናብ ኣጀንቲና ዝተሰዱ ብረድኤት ንኽነብሩ ዘይኰነ እጀታቶም ዓጺፎም ንስድራ ቤቶም መጻኢ ክሃንጹ እያቶም” እንክብሉ ተዘክሮኦም ገሊጾም፡ . . . ሃብቲ ገንዘብ ኣባ ኣባይቲ ባንኪ ዘቐምጡ ብመኽሰብ ዝነብሩ ሰብ ትካላ  ዘይኮነስ ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ምፍጣር ዘውዕልዎ የድልዩና፡ ናብ ኣባይቲ ስድራ ነማዕድው ሓደራ” እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

16 October 2021, 09:41