ድለ

2021.09.29 ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ሓልዮ ከባቢ ኣየር፥ ብዛዕባ መሬት ብሓባር ጥበባዊ መፍትሒ ነለልይ! 2021.09.29 ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ሓልዮ ከባቢ ኣየር፥ ብዛዕባ መሬት ብሓባር ጥበባዊ መፍትሒ ነለልይ! 

ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ሓልዮ ከባቢ ኣየር፥ ብዛዕባ መሬት ብሓባር ጥበባዊ መፍትሒ ነለልይ!

እደ ጥበባውን ፖለቲካውን መፍትሒታት” እዅል ኣይኰነን፡ ከመይሲ “ብሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ ኣባል ከምኡ እውን በቲ ኣብ ሕውነትን ኣብ መንጐ ሰብን ኣካባብን ኣብ ዘሎ ኪዳንን ዘተኰረ ባህላዊ ኣገባብ ዕቤትን ዘላቕነትን ዚድግፍ ትምህርታዊ መስርሕ እንተ ዘይተደገፈ እዅል ኣይኰነን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ግላስጐ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንኽዝትይ ዝተጸውዐ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ንምድላው ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ዓውደ ኣኼባ ንዘካየዱ መንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ “ካብ እደ ጥበባውን ፖለቲካውን ፍታሕ ንላዕሊ ናይ ምክንኻን ባህሊ ከነደንፍዕ ኣሎና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንዓቢይ ዓቕሚ ኣዳም ንዝበጽሐ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ቅልውላው ከእቱ ዝኽእል ናይ መንእሰያት ራእይ” እዚ ትርጉም ናይቶም ኣብ ኣብ ኢጣሊያ ከተም ሚላኖ እቲ ኣብ ግላስጐው ዛዕባ ምዝባዕ ከባብ ኣየርን ኣብ ከባቢ ኣየር ዝወርድ ብከላ ምውጋድን” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኽመክር ዝተጸውዔ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ንምድላው ኢጣልያ ኣብ ዘዳለወቶ ኣብ ዘላቕነት ዘተኮረ ሕንጸት ንምንቕቓሕ ኣብ ዝኣመተ ዓውደ ኣኼባ መንእሰያት ሓልዮ ከባቢ ኣየር ምንቅስቓስ ናይ ዘካይድዎ ዘለዎ ዓውደ ኣኼባ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብዚ ናይ መንእሰያት ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ስለ እቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ኣኼባ ኣመስጊኖም፡ “ሕልምታትን ጽቡቕ ውጥናትን ሻቕሎትን ንሰብዊ ርክባትን ንኣካባብያዊ ክንክንን ጥራይ ዘይኮነ ብትዕግስቲ ምስማዕ ሃናጺ ምይይጥ ከምኡ እውን ሓባራዊ ምርድዳእን” ንምኽዋን ፍቓደይና ምዃን ኣገዳሲ ምዃኑ ዘርኢ ሓላፍነት ዝስምዖ ዓውደ ኣኼባ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንታሪኻዊ ለውጢ ዝወሃቦ ሓባራዊ ምላሽ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ነቶም መንእሰያት “መጻኢ ኢኻትኵም ተባሂሉ እዩ ዝንገር እንተዀነ ግን ኣብዚ ነገራት እዚ ንስኻትኵም ሎምን መጻእን ትሃንጹ ኣሎዅም” እንክብሉ ኣተባቢዖም “ሓይልታትኵም ነቲ ምግምማዕ ሰጊሩ ናብ ሰብኣዊ ሕይወት ዝምርሕ ወለዶ ኣብ ጽኑዕ ሰናይን ብሱልን ክሃንጽ ንዝኽእል ኣብ ናይ ሓባር ኪደት ኣውዕልዎ” ቢሎም፥ እዚ ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ መላእ ዓለም ክሰፍሕ ናይ ዘነቓቕሕዎ ዓለም ለኻዊ ናይ ትምህርቲ ውዕሊ ካብ ዘንበሮም ሸቶታት ሓደ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ እዚ ውዕሊ እዚ ኸኣ “ነቲ እቲ ተኽሲቱ ዘሎ ለብዕ ዝያዳ ንጹር ዝገበሮ ደቅሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ታሪኻዊ ለውጢ ሓባራዊ መልሲ ክወሃበሉ ዝዕድም እዩ።” ስለዚ “ናይ ምክንኻን ባህሊ” ከምኡ እውን “ናይ ሓባር ጸጋታት ንምክንኻንን ሓላፍነት ንምክፋልን ድኽነት ጸዓት ንምስጋርን ሓባራዊ ጥቕሚ ናይ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ፖለቲካ ማእከል ክኸውን ዝገብር ኪደት ኣገዳሲ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኵላትና ክፍሊ ስኒት ቆስሞዝ ኢና

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ “እደ ጥበባውን ፖለቲካውን መፍትሒታት” እዅል ኣይኰነን፡ ከመይሲ “ብሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ ኣባል ከምኡ እውን በቲ ኣብ ሕውነትን ኣብ መንጐ ሰብን ኣካባብን ኣብ ዘሎ ኪዳንን ዘተኰረ ባህላዊ ኣገባብ ዕቤትን ዘላቕነትን ዚድግፍ ትምህርታዊ መስርሕ እንተ ዘይተደገፈ እዅል ኣይኰነን። ኣብ መንጐ ሰባትን ሰብኡትን ኣስንትን ኣካባብን ስኒት ክህሉ ኣለዎ” ብምባል መልእኽቶም “ጸላእቲ ኣይኮናን ዘይግዱሳት እውን ኣይኮናን፡ ክፍሊ ናይቲ ኣብ ቆዝሞስ ዘሎ ስኒት ኢና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 Oct 2021, 18:52