ድሕሪ ደጊም ንብዓት ኣይሃሉ! ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንፍቅርቲ ሃገረ ምያንማር
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እቲ ንሃገር ምያንማር ዘሳቂ ዘሎ መወዳእታ ኣልቦን ዝተጠናነገን ስቃይን ሞትን ንክቀውም ጸሎቶም ናብ እግዚኣብሔር እንከዕርጉ ነበርቲ እታ ሃገር ከኣ ብሓባር ስለሰላም ክሰርሑ ሓደራ ኢሎም።
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ምስቶም ኣብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ዝነበሩ ም እመናንን ነጋድያንን ዝተፈላለዩ ጉጅለታትን ጸሎተ መል አከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ሰላምታ ምስ ኣቅረቡ ኣብ ሃገረ ምያንማር ዝፍጸም ዘሎ ግፍ ዕን ዓመጽን ደው ክብል ጸሎቶም ናብ እግዚኣብሔር እንደገና ከምዘቅርቡ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፤
ኣብ ምያንማር ሰላም የለን!
ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ባሕቲ ወርሒ ለካቲት ዘጋጠመ ግምጠላ መንግሥቲ እነሆ ንሾመንተ ወርሒ ምስ መመላእታ ካብ ሃገረ ምያንማር ዝወጹ ዜናታት በቲ ወተሃደራዊ ሥልጣን ሒዙ ብዘሎ ሥር ዓት ኣብል ል ዕሊ ሕዝቢ ብዝወርድ ወደር ኣልቦ ጭቆና ከማኡ እውን ኣብ ልዕሊ እቶም ዓመጽ ደው ይበል ክብሉ ኣብ ቅርዓታት ዝወጹ ዝወርድ ኣደራዕን ኣብ ል ዕሊ ዓዳትን ቅሾታትን ብሄሊኮፕተራትን መዳፍ ዕን ዝግበር ደብዳብን ዘጋውሕ እዩ። በዚ ከኣ እዮም ቅዱስነቶም ስለሰላም ምንያንማር ዝጽልዩን ኩሎም ደቂ እታ ሃገር ሰላም ክገብሩን ዝምሕጸኑ ዘለው።
04 Oct 2021, 14:17