ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ማሕበር “ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ”፥ ሕውነት ማእከል ግበሩ!

“ሓድሽ ግዜ ኣብ ምሕናጽ ንድምጺ ድኻታት ዘስተውዕሉ” ከምኡ እውን “ኣብ ሕንጸት ሓባራዊ መጻኢ” ንምእታው ገዛእ ርሶም ዘወፍዩ ኵኑ። ምኽንያቱ ሎሚ “ኣብ ውሽጢ ትካላት ኣቢያተ ትምህርቲ ቤት ዕዮን ኣባይቲ ባንክን ኣብ ውሽጢ ዕዳጋታትን ወንጌል ዝነብሩ ሓድሽ ወለዶ ቝጠባ ዘጽንዑ ክኢላታት” የድልዩ

ናብቲ ብቅዱስነቶም ዝተበገሰ መንእሰያት ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ሰብ ትካላትን ሰራሕቲ ለውጥን ንብርሁ መጻኢ ብሓባር ክዓዩ ዝብል ድላይ “ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ” ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ጒባኤ ካብታ ናይቲ ቅዱስ ከተማ ዝኾነት ኣሲዚ ነቒሉ ምስ ዝተፈላለየ ሃገራት ዘራኸበ ብዛዕባ እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ድኽነትን ቝጠባን ማሓድሮን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ናብ ዝመክር ካልኣይ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጒባኤ፥ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘምጽኦ መዓት ዝያዳ ቅኑዕን ዘላቕን ምትሕብባርን ብዘማእከለ ኣገባብ ቝጠባ ንምሕዳስ ዘብቅዕ ሓድሽ መገዲ” ከናድዩ ዝብል ነቲ ዘለዎም ዕማም ዘዘኻኽር እዩ ዝብል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንዓኻትኵም መንእሰያት ንሓድነት ኣብ ማእከል ቍጠባ ምግባር - ብፍቕሪ ወንጌል ዝምራሕ” ካብቲ ኣብ ዓለም እንርእዮ እተፈልየ ቍጠባ ኣሎ” ከምኡ እውን ዝያዳ ፍትሓዊ ዘላቕን ደገፍን ዝብል ባህሊ ልሙድ ክኸውን ናይ ምርኣይ ዕማም ከምዘኵም አዘኽኽር” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘይማዕርነት ዝገለጸን ክሰፍሕን ገይሩ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ብዛዕባ እቲ ብሓባር ዝሃነጽክምዎ ተመክሮታትን ተበግሶታትን” ከምዝሰምዑ ገሊጾም ነቶም መንእሰያት ከኣ ንቝጠባ ሓድሽ ነፍሲ ናይ ምዝራእ ተልእኾኦም ብውዕዉዕ ስምዒት ከምዝፍጽምዎ ብምግላጽ ኣበጊሶም፥ እቲ ዝተኸስተ ለብዒ ኮቪድ - 19 ነቲ ንማሕበረሰብና ዝዝርጐ ኢማዕርነት ጥራይ ዘመላኽት ዘይኮነስ ከም ዘስፍሕ እውን እዩ ዘመላኽተና። ዓብዪ ወሰኽ ስእነት ስራሕን ድኽነትን ዘይማዕርነት ጥሜትን” ከምኡ እውን ብዙሓት ሰባት ካብ ኣድላዪ ክንክን ጥዕና ክንጸሉ ይገብር ኣሎ” እንክብሉ፥

ሒደት ሰባት ነዚ ለብዒ እዚ ተጠቂሞም ንገዛእ ርእሶም ከም ዘሀብተሙን ንገዛእ ርእሶም ከም ዝዓጸዉን ኣይንረስዕ። እዚ ዅሉ መከራ ኣብቶም ዝደኸዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እዩ ዚወድቕ”።

ነቲ ኣብ መንጐናን ምስ ተፈጥሮን ዘሎና ሕድሕዳዊ ሰናይ ርክብ ተረሲዕናዮ

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ኣብዚ ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ለብዒ “ኣብ ምክንኻንን ቤትን ሓባራዊ ስድራ ቤትን ዘጋጠመ ፍሽለት” ኣዘኻኺሮም “ኣገዳስነት ሰብኣዊ ምትሕብባርን ዓለም ለኻዊ ሓድነትን መብዛሕቲኡ ግዜ ንርስዖ ኢና” ከምኡ እውን “ኣብ መንጐናን ኣብ መንጐ ተፈጥሮን ሓላፍነት ዝስምዓና ምሳታቶም ርክብ ምህላዉ ንርእስዕ” እንክብሉ ነዚ ኵነት እዚ ወቒሶም፥

ሓለውቲ ደኣ እምበር ጐይቶት ፍጥረት ኣይኮንናን

መሬት ቅድመና እተፈጥርት ከም ዝኾነትን ከም እተወሃበትናን ኣዘኻኺሮም “ንሕና ኣመሓደርቲ ደኣ እምበር ጐይቶት ኣይኮናን” የግዳስ “እቲ ካብቲ መሬት ንጥቕምናን ንዕቤትናን ክንምዝምዞ ዝድርኸና ዋናታት ፍጥረት ኢና ካብ ዝብል ግምት ዝነቅል ዝሓመመ ቍጠባ እዩ ዝቐትል”፥

እዚ ለብዒ እዚ ብዛዕባ እቲ ዘሎና ሕድሕዳዊ ጥልቂ ተራኻብነት ኣዘኻኪሩና እዩ። ነቲ ፍጥረት ንዅሉ ዝህቦ ጸጋታት ኽንሕሉ ከም እተጸዋዕና የዘኻኽረና። ዋላ ሓደ ምእንቲ ክይንጸል ንኹሉ ንኸባጻሕን ክንዓዪ ግዴታ ከም ዘሎና የዘኻኽረና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ሓባራዊ ባሕሪ ብምጥሓል ሓድሽ ሕብረትሰብ ከም ዘድልየና ክንቅበሎ ከም ዘሎና የዘኻኽረና!

ንፍትሓውን ዘላቕን “ናይ ሓባር” ቍጠባ

ቅዱስነቶም ነቶም መንእሰያት፥ እዋኑ ዕቤት ህዝብታትን ምድርን ልዕሊ ዅሉ ኣብ ሓባራዊ ጸጋታት ስለ ዝምርኰስ ኣብ ዓለም ሓላፍነት ከምዘሎና ክስምዓና ምሹእ እዋን እዩ እንክብሉ

ስለዚ ኸኣ እቲ ቝጠባ ዝያዳ ቅኑዕን ዘላቕን ደገፍን ዝብል ኣገባብ ዝኽተል ክኸውን ኣብቲ ድሕሪ ኮቪድ - 19  ዘሎ መዋዕል ቝጠባ ንምሕዳስ ሓድሽ መገድታት ከነናድይ ኣሎና!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንስኻትኵም ንምድሪ ከተድሕኑ እትኽእሉ ናይ ምወዳእታ ወለዶ ኢኻትኵም

ቅድስቶም ነቶም ናይ ቍጠባ ሊቃውንትን ሰብ ትካላትን ነጋዶን ሓደስቲ ወለዶ፥ “ምስ ምድሪ ዘሎና ርክብ ኣኽብሩ፥ ሓድሽ ዘይንጽል ኣገባብ” የድልየና እዩ። እቶም መንእሰያት ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ እውን ነዚ እዩ ዘሳልጡ፡  ስለዚህ ድሕሪ ደጊም ብዙሕ ግዜ ኣይህልወናን እዩ - “ሎሚ ኣደና መሬት ብስቓይ ትግዕርን ናብ ዝኸፍኤ ኵነት ነብል ከምዘሎና ተጠንቅቐና ኣላ፡ ንስኻኵም ምናልባት ኬድሕኑና እትኽእሉ ናይ ምወአዳእታ ወለዶ ኢዅም እንተበልኵ ምግናን ኣይኰነን፡ ነቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ንምዕራይን ናብቲ ዝያዳ ደገፍን ዘላቕን ንዅሉ ዝሓቍፍን ሓድሽ ቝጠባ ንምርግጋጽ ናይ ምምሃዝ ክእለትኵምን ተጻዋርነትኵም” የድልየና እዩ፡ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሕውነት ሕመረት ናይቲ ሓድሽ ቍጠባ ይዅን

ናብ ኢየሱስ ኣተድኣ ጠሚትና ሓዱሽ ዓለም ንኽንጸንስ ንምትብባዕን ናብ ዝሓሸ መጻኢ ንኸነብል ትብዓትን መንፈስን ክንረክብ ኢና፥”

ኣቱም መንእሰያት ሕውነት ሕመረት ቍጠባ ኣብ ምግባር ዕማም ዘለኵም ሓላፍነት እተሓስበኩም። ካብዚ እዋን እዚ ንላዕሊ ብመጽናዕትን ብተግባርን እተፈልየ ቝጠባ ከም ዘሎ ዚፈልጡ መንእሰያት ከም ዘድልዩና ዝሕብር እዋን ከምዘይተራአየ እዩ ዝስምዓና!

ዝበሉ ቅዱስነቶም ነቶም መንእሰያት፥

ኣብ ትካላትን ዕዳጋታትን ወንጌል ዝነብሩ ናይ ቝጠባ ሊቃውንቲ

“ሓድሽ ግዜ ኣብ ምሕናጽ ንድምጺ ድኻታት ዘስተውዕሉ” ከምኡ እውን “ኣብ ሕንጸት ሓባራዊ መጻኢ” ንምእታው ገዛእ ርሶም ዘወፍዩ ኵኑ። ምኽንያቱ ሎሚ “ኣብ ውሽጢ ትካላት ኣቢያተ ትምህርቲ ቤት ዕዮን ኣባይቲ ባንክን ኣብ ውሽጢ ዕዳጋታትን ወንጌል ዝነብሩ ሓድሽ ወለዶ ቝጠባ ዘጽንዑ ክኢላታት” የድልዩ ኣለዉ። “ንስካትኩም ኣዕሪኽትን ደገፍትን መንግስቱ ኢዅም እሞ ንኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደሱ ዝሰጐኵም ኣይኮንኵምን።” ናብ ዓለም ናብ ቤተ ክርስቲያን ከምኡ እውን ናብ ካልኦት መንእሰያትን “ትንቢትን ጽባቐን እተብጽሑ ኢኻትኵም፥

ንስኻትኩም መጻኢ ዘይኮነስ ህላወ ኢኻትኩም፡ ህያብ ዝኾንኵም ህላወ ኢኻትኵም፡ ዓለም ትብዓትኵም የድልያ - ሕጂ!

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 Oct 2021, 09:29