ር.ሊ.ጳ.፥ ሞንተሶሪ ናይ ስነ ምምህርና ሊቅ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለም በዓልቲ ዓቢይ ግደ ር.ሊ.ጳ.፥ ሞንተሶሪ ናይ ስነ ምምህርና ሊቅ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለም በዓልቲ ዓቢይ ግደ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ሞንተሶሪ ናይ ስነ ምምህርና ሊቅ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለም በዓልቲ ዓቢይ ግደ

. . . ተሓባበርትን ንዘተን እንገዳን ርህዋት ዝኾኑ ዜጋታት ዓለም ንምሕናጽ ዓቢይ ግደ ዘለዎ ናይ ስነ ምምህርና ባህሊ ዘመላኸታ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ናብ ኣህጉራዊ ዓውደ ጉባኤ ሃገራዊ ዕዮ ሞንተሶሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ሞንተሶሪ ተሓባበርትን ደገፍትን ንዘተን ንምእንጋድን ክፉታትን ድሉዋትን ዜጋታት ዓለም ክንክነውን ኣብነታ የተባብዓና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ታሪኽ ስነ ምምህርና ብዛዕባ እተን ቅድሚ 150 ዓመት ይገብር ዕለት 31 ታሕሳስ 1870 ዓ.ም. ኣብ ዞባ ኣንኮና ኣብ እትርከብ ከተማ ክያራቫለ እተወልዳ ማሪያ ሞንተሶሪ የዘኻኽረና። እታ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ብዙሓት ኣባይቲ ትምህርቲ ናይ ትምህርቲ ሜላ ዝፈጠራ ኣብ ኢጣሊያ ብስነ ሕክምና ዝተመረቓ ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ሞንተሶሪ ዘመሓላለፈኦ ስነ ምምህርና ዝሓልይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ናይ ዘዳለዎ ዓውደ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ቅዱስነቶም ናብቲ ዕለት 24 ጥቅምቲ ዝዛዘም ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ሞንተሶሪ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ባህሊ ናይ መበል ዕስራ ዘመን ውሪያት ሰባት ዝኾነት ኣብ ዓውዲ ትምህርትን ኣብ ብምሉኡ ሕብረተሰብን ዓሚቕ ጽልዋ ዝገደፈት ውርይቲ ናይ ስነ ምምህርና ሊቅ” እንክብሉ ከምዝገለጽወን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ንሓድሽ ወለዶታት ዚድግፍ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ብሔራዊ ማሕበር ሞንተሶሪ ኣቦ መንበር ፕሮፈሰር በነደቶ ስኮፖላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ሞንተሶሪ ዝያዳ ሕውነትን ሰላምን ዘለዎ ዓለም ንምህናጽ” ዝገበረቶ ቘራጽነት ዘኪሮም ኣብ ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ልደታ ድማ “ንሓድሽ ወለዶታት ዝጠቅም ልግሲ ዝመላኦ ወፈያ” ከም ዝህልዎ ዘለዎም ተስፋ ከምዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

. . . ተሓባበርትን ንዘተን እንገዳን ርህዋት ዝኾኑ ዜጋታት ዓለም ንምሕናጽ ዓቢይ ግደ ዘለዎ ናይ ስነ ምምህርና ባህሊ ዘመላኸታ

እንክብሉ ከምዝገለጽወን ኣብ መወዳእታ፥ ነቶም ኣብቲ “ሞንተሶሪ ኣብ መንጐ ታሪኽን ህልው ፍጻሜታትን፥ ኣብ ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ውልደትን እቲ ዘቖመኦም ዘመሓላለፈኦን ስነ ምምህርና ኣብ ኢጣሊያ ተቐባልነቱ ዝርጋሔኡን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ ዝሳትፉን ኣዳለውትን ቡራኬኦም ከምዘመሓላለፉ ኣፍሊጡ።

26 October 2021, 08:47