2020.12.03 Via, luce nel bosco, cammino 2020.12.03 Via, luce nel bosco, cammino 

ንብዘሎ እቲ ብሑቅ ዘብሑቊ መባዂዕቲ ክንከውን ኣሎና! ር.ሊ.ጳ

ሶሙን ማሕበራውነት ብዝብል ብካቶሊካውያን ሃገረ ጣልያን ዝግበር ዋዕላ ንመበል 49 ግዜኡ ኣብ ታራንቶ ትበሃል ከተማ ይካየድ ኣሎ። ቅዱስነቶም ንተጋባእቲ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ከም ክርስትያን ኩልና መባዂዕቲ ብምዃን ንብዘሎ እቲ ብሑቕ ክነብኲዕ ኣሎና እንክብሉ ነቲ ብዛዕባ ከባብን ሥራሕን መጻኢ መነባብሮን ዝዝቲ እንብህጎ ዓለም ብዝብል ዝካየድ ጉባኤ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ነቲ ጐይታ ንተኸተልቱ ‘ብርሃን ዓለም ኢኩም፣ ጨው ምድሪ ኢኹም’ እንክብል ኣብ ዝነብርዎ ከባቢ ኩሉ መባዂዕትን መማቅርትን ኮይኖም ብመቀረት ክርስቶስ ንኩሉ ትርጉም ክህቡ ብምእዝዙ ኣባላት ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምስታፍ ኣበርክቶኦም ክገብሩ ትጽዕር። እዛ ሶሙን ማሕበራውነት ብቋንቋ ጣልያን ሰቲማና ሶሻለ ብዝብል ትፍለጥ ኰይና ምሥረታኣ ካብ ነዊሕ እዋን እኳ እንተኾነ ብዕሊ ከም ምንቅስቃስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝጀመረትሉ ግን ብር.ሊ.ጳ ቅዱስ ፕዮስ ዓሥራይ ዝኲስኰስ ዝነበረ ሕዝባዊ ምንቅስቃስ ካቶሊካውያን ብዘበገሥዎ ካብ 23 መስከረም ክሳብ 28 መስከረም 1907 ዓም ነበረ። ነቲ ኣብ መበል 18 ክፍለዘመን ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ልዮ መበል ዓሠርተው ሠለስተ ዝቀረበ ረሩም ኖቫሩም ሓደስቲ ነገራት ንእትብል ንማሕበራዊ ናብራ ዝምልከት ዝቀረበት ህብብቲ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ከም በዓል ፈረንሳን ካልኦትን ካቶሊካውያን ምእመናን ምናዳ ብማሕበር ሠራሕተኛታትን ካልእ ካቶሊካዊ ተግባራትን ዝጥርነፉ ዝነበሩ ካብ ደረጃ ቊምስና ክሳብ ሰበኻን ሃገርን ብምትእኽኻብ ብዛሕባ ማሕበራዊ ጉዳያት ከጽንዑን ክዝትዩን ጀሚሮም ነበሮም።

ኣብ ታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምናዳ ንፖሎቲካዊ ጒዳያት ሃገረ ጣልያንን መንግሥቲ ጣልያንን ድሕሪት ምልስ ቢልና እንተተምለከትና ብ1868 ዓም ቀቅድሚ ቀዳማይ ጉባኤ ቫቲካን ንፍሉይ ጉዳያት ቤተክርስትያን ትሓሊ ዝነበረት ማሕበር ብዕለት 30 ጥሪ ኖን ኤክፐዲት ኣይጥዕምን ወይውን ኣይምእምእን ብዝብል ኣዋጅ ካቶሊካውያን ኣብ ፖሎቲካዊ ምርጫ መንግሥቲ ጣልያን ከይሳተፉ ከልከለት። ድሕሪ ነዊሕ ክትዕ ግን ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ብ1919 ዓም ኣሰልሲሎሞ።

ሽሕ’ኳ እቲ ክትዕን መጽናዕትን ብዙሕ ኣሉታውን ኣዎንታውን ጐድንታት እንተለው ከም መጽናዕትን ንነገራት ኣዕሚቊካ ንምርኣይን ግደ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ማሕበረሰብን ፖሎቲካን ብዝምልከት ነቲ ብሶሻል ዶክትሪን ዝፍለጥ ኅብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብዙሕ ከምዘሀብተሞ ዘይከሓድ እዩ።

ካብታ ንመጀመርያ ግዜ ብ1907 ዓም ዝተገብረት ሶሙን ማሕበራውነትን በብግዜኡ ኣብ ውሽጢ 3-5 ዓመት እናተገብረት ሎምዘመን ንመበል 49 ግዜኣ እንክትካየድ መበል 48 ዝሓለፈ 2017 ዓም ካብ ዕለት 26-29 መስከረም ኣብ ከተማ ካልያሪ ከምዝተኻየደን ብዛዕባ እንደልዮ ሥራሕን ባህርያቱን ዝብል ኣርእስቲ ከምዝዘተየ ዝዝከር እዩ።

ናይ ሎምዘመን መበል 49 ሶሙን ማሕበራውነት ካቶሊክ ኢጣልያ ካብ ዕለት  21 – 24 ጥቅምቲ 2021 ዓም ኣብ ከተማ ታራንቶ ኰይኑ ከም ተማ መሪጾሞ ዘለው ከኣ ‘እንትስፈዋ ዓለም፣ ኣከባቢ ሥራሕ መጻኢ መነባብሮ። ኩሉ ዝተታሓሓዘ እዩ’ ዝብል እዩ። ቅዱስነቶም ኣብዚ ሠናይ ተበግሶን መጽናዕትን ናይቲ ምንቅስቃስ ተመርኲሶም ሕዝቢ ኩሎም ናይ ብጾቶም ገዓር ጽን ቢሎም እናሰብዑ ንዝበለጸ መጻእን ንሓባራዊ ሠናይ ነገርን ኣድላዪ እንተዀይኑ መኣዝን ብምቅያርን ምስ ኩነታት ብምልዛብን ንማሕበረሰብናን ዓለምናን ዝበለጹ ንክገብርዎም ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም። ነዚ ንምግባር ከኣ ብቀዳምነት ለውጢ ልቢ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም።

ለውጢ! 

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም እዚ ጉባኤ እዚ ካበይ ይብገስ ከምዘሎ ንምዝኽኻር ካብቲ ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝተኸስተ ኩነታት ጥዕናን ማሕበራዊ ቅልውላውን ምዃኑ ነዚ ከኣ ዝከኣለና ክነበርክት ከምዘሎና ከምዚ ክብሉ ምዒዶም። ‘ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ኣደራዕ ብመስኮት ተቀሊቂልና ክንዕዘብ ከምኡ እውን ከምዘይጉዳይናን ከምዘይምልከትናን ጉዳይ ነፍሰይ እዩ ዝዓጠኒ ኢልና ንካልኦትን ንማሕበርሰብን ዝምልከት ንእሽቶ ሓላፍነት ከይተሰመዓና ሸለል ክንብል ኣይንኽእልን። መባዂዕቲ ክንከውን እሞ ንብዘሎ እቲ ብሑቊ ክነብኲዕ ዝተጸዋዕና ኢና’ ኢሎምዎም።

ቅዱስነቶም ነቲ ንኩሉ ግሁድ ዝኾነ ዝዓበየ ትምህርቲ ለበዳ ኮቪድ 19 ምልስ ይብሉ እሞ ሓደ ካብ ተመኲሮ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝመሃረና ነቲ ኩሉ ኣብ ኢድናን ንኩሉ እንኽእልን ገቢርና ንርእስና እንህቦ ዝነበርና ከኣሊ ኩሉነትን ኣብ ደስ ዝበለና ኲርናዕ ዓለም ከድና ክንነብር ንኽእል ዝብል ሕልምና ድዋዕዋዕ ኣቢሉ ደረትና ከም እንፈልጥ ገሩና። ነዚ ኩነት እዚ ከም ሃለፍታ ወይውን ሃውታቲ ሕልሚ ኢሎም ይገልጽዎ እሞ ሕጂ ንኩሉ ካብ ተዓዘብና እታ ቀንዲ ተድሊ ለውጢ ካብ ግለሰብ ጀሚርካ ብዓቢኡ ማሕበራዊ ለውጢ የድሊ። ስለዚ ተጋባእቲ ሶሙን ማሕበራውነት ካቶሊክ ጣልያን ልብኹም ንመንፈስ ቅዱስ ክፈቱ እሞ ንሥቃይ ድኻታትን ትሕቲ ኩሎም ዝኾኑን ተስፋ ዝቈረጹን ኣብ ዝተበከለ ከባቢ ምንባር ዘድከሞም ሥድራቤታትን ብብዙሕ መንገዲ ዝምዝመዙ ዘለውን ናብ ምድረበዳነት ዝተቀየሩ ክፍልታት መሬትን ብብልሽውናን ሕስነትን ዝዓነው ሰባትን ጽን ኢልኩም ስምዑ። ኣብዚ ጐዳና ተስፋ እትብልዎ ዘለኹም ቅነ ናብራ ደቂሰባት ንክሕግዘኩም ሠለስተ ምልክታት አቅርበልኩም። ንሰን ከኣ ቀዳማይ ኣብ ቀራና መንገዲ ንሕዝቢ ኣስተውዕል! ካልኣይ ወትሩ ኣብ ጒዕዞ! ሳልሰይትን መወዳእታን ከኣ ስለሓባራዊ ሠናይ ነገር መንገዲ ጒዕዞ ምቅያር! ዝብላ እየን።

ኣብ ቀራና መንገዲ ንሕዝቢ ኣስተውዕል!

እታ ቀዳመይቲ ኣብ ጒዕዞ ሕይወት ብጐዳና ሕይወት እንክንምርሽ ኣብ መንገዲ ንዘጓንፉና ሰባት ምናዳ ኸኣ እቶም ማንም ዘየስተውዕለሎም ኣብ ቀራናታት መንገዲ ዘወን ዝብሉ ተስፋ ቊርጸት ዘሻቅሎም ሃገሮም ራሕሪሖም ክስደዱ ዝተገደዱ ሥራሕ ዘይብሎም ብካልኦት ዝምዝመዙ ኣስተውዕሉሎም። ከምኡ ኣውን ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ሥራሐን ዝሰኣና ድቀኢ ኣንስትዮ ኣብ መንጎ ሥራሐንን ኣደ ምዃንን ክመርጻ ዝተገደዳ ኣደኣታት ዕድል ሥራሕ ዘይረኸቡ ሠራሕተኛታት ብኅብረተሰብ ተቀባልነት ዘይረኸቡ ድኻታትን ስደተኛታትን ብሰቦም ዝተጐስዩን ብሕትውና ዘሳቅዮም ሽማግለታትን ብልቃሕን ሓረጣን ተዋሒጠን ዘለዋ ስድራቤታት ከምኡ እውን ኣደዳ ጠላዕን ብልሽውናን ኰይኖም ዘለው፡ ብማፍያ ተዓፊኖም ዘለው ናብራ ጨጓር ከልቢ ዝነብሩ ዘለው ኣውፈርቲ ርእሰ ማል ብባርዕ ሓዊ ዘለዎም ኩሉ ዘጥፍኡ ከባቢታት ኣስተውዕሉሎም።  ከምኡ እውን ብዙሓት ዓበይትን ናኣሽቱን ብሕማም ዝሳቀዩን ኣብ ክትጻወሮ ዘይከኣል ኩነታት ግድነት ኰይኖም ብርቱዕ ስራሕ ንክሰርሑ ዝግደዱ ሰራሕተኛታት ኣስተውዕሉሎም። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ኣፍ ኣውጺኡ ዚዛረብ ድኽነትን ግፍዕን እንታይ ገደሰኒ ብዝብል ሸለልትነት ኣእዳውና ኣጣሚርና ክንጥምት ኣይንኽእልን። እዚኦም ምስ ጐይታ ተሰቂሎም ትንሣኤ ዝጽበዩ ዘለው ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስለዝኾኑ ሸለል ክንብሎም የብልናን። መንፈስ ቅዱስ ንልቢ ኩልና ኣንቀሳቂሱ ናይዞም ግዳያት እዚኦም ተስፋ ክውን ንምግባር ዘይተፈንቀለ እምኒ ከይተርፍ ዝከኣለና ክነበርክት ይሓግዘና ኢሎም።

ወትሩ ኣብ ጒዕዞ!

እታ ካልአይቲ ምልክት ‘ደው ኣይበሃልን’ እትብል ኰይና ሓንሳእ ጒዕዞ ምስ ጀመርካ ክሳብ ኣብ መዓርፎኻ እትበጽሕ እንተስ ብድኻም እንተስ ብትህኪት ደው ምባል የለን። ንዝዀነ ዝጓነፈካ ፈተናስ ይኹን ዕንቅፋት ንወንጌልን መልእኽቱን ዘዳብን ኩሉ ክትሰግሮ የድሊ። ብመንጽር እዚ እቲ ወትሩ ደው ከይበልና ንቅድሚት ከምእንግስግስ ዝገብረና ፍቅሪ ኣምላኽ ወትሩ ኣብ ምንቅስቃስ ኰይኑ ምሳና እዩ። ተስፋ ኩሉ ግዜ ምስ ተንቀሳቀሰ እዩ። ሃየኸስ ኣብ ሳክርስቲ ተሃቢእና ከይንተርፍ ንገዛእ ርእሶም ከም ዝበለጹ ገቢሮም ብምቊጻር ኣብ ገዛእ ርእሶም ተዓጽዮም ዝተርፉ ጉጅለታት ካብ ምፍጣር ንተሓሎ ኢሎም።

ኣብ ጽንዓት ክርስትያን ብምትኳር ከኣ ክርስትያን ዘቦኡ ላንጋ ላንጋ ኰይኑ ኣብ ፍርቂ መንገዲ ደው ብምባል ክፉእ ካብ ምግባር ርእሰይ እንተገቲኤ እኹል እዩ ቢሉ ናይ ድሕነት መርበባት ንምውዳድ ሓላፍነት ካብ ምውሳድ ዚሃድም ክኸውን የብሉን። ዝለዓለ መነባብሮ ዝበለጸት ዓለምን ከማዕብል ዘይክእል ተክኖሎጂካውን ቁጠባውን ግስጋሴ ምዕባሌ ክበሃል የብሉን። ዘይሕጋውነት ንምቅላዕ ክንፈርህ የብልናን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ሠናይ ነገር ካብ ምዝራእ ክንፈርህ የብልናን ኢሎም።

ስለሓባራዊ ሠናይ ነገር መንገዲ ጒዕዞ ምቅያር!

ኣብ መወዳእታ ከም ሳልሰይቲ ምልክት ዘቅርበዋኣ ተጠወ ተመለስ ዝብል ምልክት ኰይኑ ኣብ ጒዕዞ ተስፋ ወትሩ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን መንገዲ ጒዕዞ ክንቅይር ጸገማትን ግድላትን ክንፈትሕ የድሊ። ነዚ ንምግባር ዓሚቊ ለውጢ ምግባር የድሊ! እዚ ከኣ ንብከላ ከባቢ ዝምልከት ከምኡ እውን ንብከኣል ሰብኣውነት ዝምልከት ጸገማት እንከጓንፍ ንልብና ካብ ብከላ ክንሕሉ የድሊ። ስለዚ ኤኮሎጂ ከባቢ ኤኮሎጂ ሰብኣውነት ኤኮሎጂ ልቢ እናበልና ሓለዋና ክነደልድል የድሊ። ነጥበ መቀይሮ ዝመጸሉ ቀሊል መፍትሒ ክትረክብ ኢልካ ዕጥይ ዕጥይ ካብ ምባል ወጺእካ ንጒዳያት ብሕልና መርሚርካ ነባርን ውሑስ ዝኾነን ፍታሕ ንምርካብ ምስ እትውስን እዩ። እዚ ከኣ ንገዛእ ርእስኻ ጥራይ ዘይኮነ ንጥቅሚ መጻኢ ወለዶ ዘውሕስ ነባሪ ለውጢ ክኸውን ኣለዎ።

እዚ ጉዳያት እዚ ብግቡእ ምስ ዝትግበር ነታ እንብህጋን እንሓልማን ሃረር እንብላን ዓለም ክንፈጥር ኢና። ባህሊ ዘተን ሰላምን ዓሲሉ ሓዲስ ዕለት እትርእየላ ክብሪ ወዲሰብን ፍጥረትን ዝሕለወላ ብባህሊ ዝተረሓሓቁ ዓለማት ዝተሓዋወሱላ ሳህሮ ሓባራዊ ሠናይ ነገር ዝኩስኩሳ ዓለም ክትህልወና እያ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
22 October 2021, 13:59