ድለ

2021.10.14 Società Italiana di Farmaceutica Ospedaliera 2021.10.14 Società Italiana di Farmaceutica Ospedaliera 

ምንጻል ጽንሲ ቅትለት እዩ! ሕልናኻ ዘይፈቅዶ ክትገብር ምግዳድ ተጻይ ሕይወት ፍትሒ ምጒዳል እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይ ሃገረ ጣልያን ማሕበር ፋርማሲስት ሆስፒታላትን ኣገልግሎት ፋርማሲ ሓለፍቲ ጥዕናን ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም። እዞም ንሃገራዊ ኮንግረስ ኣብ ምስንዳእ ንዘለው ኣባላቶም ወኪሎም ምስ ር.ሊ.ጳ ዝተራኸቡ ካብቲ ንዓለምና ሸሚሙ ዘሎ ናይ ምጒሓፍ ደቂሰብ ክጥንቀቁ ሓደራ ከምዝበልዎም ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ዓለምና ወዲሰብ ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ነቲ ብቀዳሞት ክልተ ኣሕዋት ብምኽንያት ቅንኢ ዝተጣሕሰ ኣይትቅተል ዝብል ትእዛዝ እግዚአብሔር እናሻብ ብዝተፈላለየ መንገዲ እናፍረሰ እዩ። ሎሚ ከም ሎሚ ካብቲ ብውግእን ዓጸቦን ሕማምን ካልእ ጸገማትን ዚሃልቅ ሕይወት ደቂሰባት ብምንጻል ጽንሲ ዝጠፍእ ቈጺርካ ዘይውዳእ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቅዱስነቶም ነዞም ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ፍወሳን ቅመማ መድሓኒትን ዝርከብ ናይ ፋርማሲ ክኢላታት ሃገረ ጣልያን ወኪሎም ሃገራዊ ኮንግረስ ንምክያድ ኣብ ምስንዳእ ዝርከቡ ብመንገዲ ወከልቶም ኣብ ቤትጽሕፈቶም ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ብዘይ ቃል ዓለምን ሕብእብእን ‘ምንጻል ጽንሲ ቅትለት እዩ’ ድሕሪ ቢሎም እቶም ነዚ እከይ ተግባር ዝውዕል መድሓኒት ካብ ዘቃምሙ ጀሚርካ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብዚ ተግባር እዚ ዝሳተፉ ጽጹይ መርመራ ሕልና ክገብሩን ካብዚ ቅትለት ንጹሓን ሕጻናት ክቁጠቡን ኣዘኻኺሮም።

ሲፎ ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ዝለዓለ ማሕበር ፋርማሲስት ሃገረ ጣልያን ናይ ሆስፒታ ፋርማሲ ማሕበር ሃገረ ጣልያንን ኣገልግሎት ፋርማሲ ሰብ መዚ ጥዕናን ዝብል ኰይኑ ሎምዘመን መበል 42 ሃገራዊ ኮንግረስ ከካይድ ይሸባሸብ ኣብ ዘለወሉ ግዜ 150 ዝኾኑ ወከልቱ ሓሙስ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2021 ዓም ምስ ር.ሊ.ጳ ተራኺቦም። እቲ ኮንግረስ ‘ፋርማሲስት ኣደንፋዕን ተርጓምን ለውጥን ሕጹጽ ጉዳያትን መደባትን’ ብዝብል መሪሕ ተማ ካብ ዕለት 14 ክሳብ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2021 ዓም ኪካየድ ምዃኑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዋና መሕደር ኣጋይሽ ሕያዋይ ሳምራዊ!

ቅዱስነቶም ነቶም ወከልቲ ተቀቢሎም ሰላምታ ምስ ኣቅረቡ ንጉዳይ ሓለዋ ጥዕና ምስ ምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ ነቶም ኣገልግሎት ዝተጸምዱ ከኣ ከምቲ ነቲ ጽጉም ዝረድኤ ሕያዋይ ሳምራራዊ ሓደራ ዝበሎ ዋና መሕደር ኣጋይሽ ብምቅራብ ኩሉ ኩሉ ኣሰራርሓ ሓለዋ ጥዕና ሃገረ ጥልያንስ ይኹን ናይ ካልእ ሃገራት ብቀንዱ ንሠናይ ነገር ናይ ኩሉን ንማሕበራዊ ዕብየት ሃገርን ከምዝሰርሕ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ኣብዚ ለበዳ ኮቪድ 19 ንኩሉ ኣምበርኪኽሉ ኣብ ዘሎ እዋን ንኩሉ እቲ ዝነበረ ኣገባብን ምሕደራን ጥዕናን ሓለዋ ጥዕናን ለዊጥሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኣድላይነቱ ገሊጾም።

ናብቲ ምሳሌ ዋና መሕደር ኣጋይሽ ምልስ ኢሎም ከኣ ፋርማሲስት ኣብ መዕቁብ ሕሙማን ማለት ሆስፒታል ዘወፍይዎ ግሁድን ስቱርን ኣገልግሎት ዕለት ዕለት ዝድገም ኣብ ርእሲ ምዃኑ ጥንቃቄ ትዕግስቲ ጽንዓትን ትኽክለኛተን ከምዘድልዮ ገሊጾም። ነዚ ግን ከምቲ ዋና መሕደር ኣጋይሽ ብዙሕ ከይተራእየ ሓላፍነቱ ብጽፈት ዝገብር ፋርማሲስት እውን ነቲ ዕለታዊ ቅድስና ሕይወት እንብሎ ብጸሎትን ብፍቅርን ክነብር ከምዝኽእል ገሊጾም።

ምሳኡ ኣተሓሒዞም ከኣ ከም ካልኣይ ነጥቢ ኣብ ሆስፒታል ዘገልግል ፋርማሲስት ብቀጥታ ምስቶም ሕሙማት ስለዝራኸብ ነቲ ኣብ ከውሊ ናይ ምዃን ባህርዩ ከይጠፍኤ ነፍስወከፍ ተሓካሚ ዘድልዮ ኣገልግሎት ከምዝረክብ ክገብርን ነዚ ከኣ ብፍቅሪ ብጻይ ብዝተሰነየ ሠናይ ድልየት ብልዑል ተወፋይነት ክፍጽሞ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም። እንተኾነ ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ሕልና ዝበሃል ስለዘሎ ተጻይ ሕልናኡ ዝኾነ ነገር ክገብር ከምዘይብሉ ክግንዘብ ነቲ ሕልናዊ ንጽገት ዝብል ኣምር ብግቡእ ክጥቀመሉ ሓደራ ኢሎም።

ሕልናዊ ንጽገት!

ኣብ ሞራላዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያንስ ይኹን ኣብ ሕብረትሰብኣዊ ትምህርቲ ሕልናዊ ንጽገት ዝበሃል ኣምር ብሕልናኻ ንዘይትቅበሎ ነገር ክትገብር ዝግድደካ ማንም ከምዘየሎ ዝገልጽ ነጻነት ሕልና ዝሕሉ ኣምር ኣሎ። ንኣብነት ንዝኾነ ንሕይወት ሰብ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጉዳይ ዋላ ንምክልኻል ሃገርን ካልእ ልዑል ዕላማን ይኹን ኣነ ንሕይወት ሰብ ዝጐድእ ነገር ክገብር ሕልናይ ኣየፍቅደለይን እዩ ቢልካ ካብቲ ተልእኮስ ይኹን ሥራሕ ደው ንክትብልን ካልእ ምስ ሕልናኻ ዘይጻረር ሥራሕ ክትገብርን ነጻነት ሕልና ዘፍቅድ ሕልናዊ ንጽገት ዝበህላ ኣምር ማለት ኣነ ነዚ ጉዳይ ብሕልናይ ኣይድግፎን እየ ተጻይ ሕልናይ እዩ ኢልካ ንክተቋርጽ ዘፍቅድ መንገዲ ኣሎ።

ቅዱስነቶም ከም ሳልሳይ ነጥቢ ዘቅረብዎ እዚ ኣምር እዚ እንክኸውን ቀንዲ ውራይ ሓደ ፋርማሲስት ‘ሕይወት ምድሓን’ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ምስ ሕይወት ንዝጻረር ነገር ሕልናዊ ንጽገት እንክገብሩ ንእምነቶም ንዝጻረር ነገር እምበር ዘይተኣማንነት ነቲ ዝልእኮም ከምዘይኮነ ገሊጾም።

እዚ ኣምር እዚ ብሞራልን ናይ ሥራሕ ኤቲክስን ንሕልና ዝምልከት ስለዝኾነ ማንም ክትንክፎ ዘይክእል ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይወርድ መሰል ኩሉ ኰይኑ ኣብ ኩሉ ጽፍሒ ሥራሕ ክኽበር ዘለዎ ምዃኑ ገሊጾም።

ምንጻል ጽንሲ ቅትለት እዩ!

ሕልናዊ ንጽገት ንዝኾነ ፍትሒ ምጒዳል ምናዳ ኣብ ልዕሊ ንጹሓንን ንገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ንዘይክእሉ ንዝጻረርን ንዝጐድእን ዓመጻት ምቅላዕን ምኽሳስን ምሳኦም ዘይምትሕብባርን የጠቃልል ዝበሉ ቅዱሰንቶም፡ ምናዳ ንምንጻል ጽንሲ ኣመልኪቶም ‘ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ንጹር መርገጺ ከምዘሎኒ ትፈልጡ ኢኹም ምቅታል እዩ ብዝኾነ መንገዲ ኣብኡ ኢድካ ምሕዋስ ከኣ ተሓባባሪ ይገብረካ። ስለዚ ነቲ ኩነታት ብቀረባ ክትምልከትዎ ምናዳ ኸኣ ኣብ ጐድኒ ደቂ ኣንስትዮ ኰና ክንሕግዝ ሓላፍነትና ብምዃና ነተን ንምንጻል ጽንሲ ከም ፍታሕ ዝርእያ ንደግፍ ከመይ ከም ሓቁ ምንጻል ጽንሲ ፍታሕ ዘይኮነስ ቅትለት እዩ` ኢሎም።

ባህሊ ምጒሓፍ!

ቃል ብቃሉ እኳ እቲ ምጒሓፍ ዝብል ጥዑም እንተዘይኮነ እንዕዘቦ ናብራ ቊጠባን ሞራልን ዓለምና ግን ንፍትሕን ሓባራዊ ሠናይ ነገር ናይ ኩሉን ዝጻረር ነቲ ተኣፋፊ ክፍሊ ሕብረሰብና ዝኾነ ብዓይኒ እቶትን መኽሰብን ንክትከናኾኖ ዝግበር ወጻኢን ተመልኪትካ ኣብዚ መስመር እዚ ጥቅሚ ንዘይህብ ምውጋድ ምግላል ዳርጋ ነቲ ክቡር ብኣርኣያ ሥላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ምጉሓፍ ስለዝኾነ ሕይወት ወዲሰብ ካብ ጽንሲ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክብረትን መሰልን ስለዝውንን ካብ ባህሊ ምጒሓፍ ክሕለው ምናዳ ኣብቲ ዘበርክትዎ ኣገልግሎት ጽልዋ ከየሕድረሎም ሓደራ ኢሎም። እዚ ባህሊ እዚ ኣብ ገሊኡ ግዝያት ንሕወት ደቂሰባት ንምሕጻር ካብ ዝወሃብ መድሓኒታት ክጥንቀቁ ብምዝኽኻር ንሥራሖምን ምሕደራኡን ብዓይኒ ቁጠባ ጥራይ ዘይኮነ ብዓይኒ ሰብኣውነት ክጥምቱ በዚ ከኣ ነፍሲወከፍ ሕልናኦም በዚ ኤቲካዊ ፕሮቶኮል ክመርሑ ብመንገዲ ሳይንስን ሕልናን ክምርሑ ብምዝኻኻር ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
15 October 2021, 13:58