ድለ

ር.ሊ.ጳ. ዝማዕበላ ሃገራት ኣብ ጐደና ምዕባለ ንዝርከባን ንድኻታት ሃገራትን ኣቃልቦ ክገብራ! ር.ሊ.ጳ. ዝማዕበላ ሃገራት ኣብ ጐደና ምዕባለ ንዝርከባን ንድኻታት ሃገራትን ኣቃልቦ ክገብራ! 

ር.ሊ.ጳ. ዝማዕበላ ሃገራት ኣብ ጐደና ምዕባለ ንዝርከባን ንድኻታት ሃገራትን ኣቃልቦ ክገብራ!

“ኣብ ርእሲ እዚ እውን ካብ ቃላት ናብ ተግባር እንሰጋገረሉ እዋኑ ሕጂ እዩ!” ብምባል ካብቲ ለብዒ ብሓንሳብ ኴይንና ኢና እንወጽእ እንክብሉ ዳግም ኣጒልሖ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ምስ ናይ ኣርጀንቲና ተላም እተሰምየ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ለብዕን ካብዚ ለብዒ እዚ ንምልቓቕ ዝግበር ጻዕርን ከምኡ እውን ዝቕጽሉ ሓዋርያዊ መገሻታቶምን ንዝብሉ ኣርእስታት ከምዝተንከፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 30 ክሳብ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. እቲ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ምዕቡላት ዝበሃላ 19 ሃገራት ዝሓቑፍ ብጂ20 ናይ ዝጽዋዕ ሃገራት ዋዕላ ኣብ ሮማ ክካየድ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እዚ ዓውደ ኣኼባ እዚ ኣብ መንጐ ዘይማዕበላን ዝማዕበላን ሃገራት ዘሎ ርክብ ኣርዚኑ ክሓስበሉ ኣለዎ” ከምኡ እውን ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ብዝሓሸ መገዲ ንምስናፍ ንኣብነት ክንክን ጥዕና መሰል ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይምቅዳው ኣፍልጦ ክህበሉ ኣለዎ ቢሎም፡ ኣስዒቦም ምስቲ ተልማ እተሰምየ ናይ ኣርጀንቲና ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “እቲ ናይ ሮማ ዋዕላ “እቲ ኣብ ዓለም እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ንምውጋድን ናብ ዓመጽ ዝመርሕ ወጥሪ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ንኽንክን ኣብ ምውጋድን ዓቢይ ግደ ክህልዎ ተስፋ እገብር” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ግጥም ሕጂ እዩ!

“ኣብ ርእሲ እዚ እውን ካብ ቃላት ናብ ተግባር እንሰጋገረሉ እዋኑ ሕጂ እዩ!” ብምባል ካብቲ ለብዒ ብሓንሳብ ኴይንና ኢና እንወጽእ እንክብሉ ዳግም ኣጒልሖም፡ ስለዚ ደቅሰብ ድሕሪ ለብዒ ኬጋጥሞም ዘለዎ ጸገማት ሓፈሻ ዘይኮነ ብጥልቂ ብምልላይ ነፍሲ ወከፍ ጸገም መንቀሊኡን እንታይ ዓይነት ምዃናውነቱን ፈሊኻ ምፍላጥ የድሊ፡ እቲ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ናይ ከባቢ ኣየር ንብረት ኣብ ግላስጐ ንኽመክር ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንዕለት 12 ሕዳር 2021 ዓ.ም. እተጸውዐ ዓውደ ጉባኤ እውን ዘኪሮም፥ “ድሕሪ እቲ ዋዕላ ምልኵት ዝዀኑ ብድሆታት ንምግጣም ስንድዋት ምዃን የድሊ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ቀረባ እዋን ዘሎ መደባት ሓዋርያዊ መገሻታቶም

ብመደብ ዝተተሓዘ ሓዋርያዊ መገሻታቶም ዘማእከለ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ “ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ግሪኽን ቀጵሮስን ሓርያዊ መገሻ ከካይድ መደብ ኣሎ” ከምኡ እውን ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዝተሰጋገረ “ኣብ ሃንጋርን ኮንጐን ከካይዶ ዝደልይ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ኣእምሮይ እዩ ዘሎ፡  ከምኡ እውን ናብ ፓፑዋ ኒው ጊኒን ኢስት ቲሞርን”። ንመላእ ዓለም ብዝያዳ ንክትርእያን ንኸተስተውዕላን ካብ ደጋዊ መልክዓ ምድርን ህልውናን ምርኣይ የድሊን እዚ ኸኣ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተልእኾይ ብግብሪ ዝራእኽዎ ሓቒ እዩ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንለዮ መሲ ምስጋና የመሓላልፉ

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ፈረንሳ ፓሪስ ሳን ጅርማይ ጋንታ እግሪ ኵዕሶ ተጻዋታይ ኰይኑ ንዘሎ ወዲ ዓዶም ኰዀብ ተጻዋታይ እግሪ ኵዕሶ ለዮ መሲ ናይ ፈረንሳ መራሔ መግንስቲ ዣን ካስተር ንወግዓዊ ምብጻሕ ናብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝመጽሉ እዋን ብኣኦም ገይሩ ዝለኣኸሎም ክታሙ ዘንበረሉ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መዘከርታ ዝለኣኸሎም ገጸ በረኸት ዘኪሮም “ስለ ቅርበቱን ነቶም ርእስና ክብ ክብ ከነብል እንደልይ ሰባት ብሓቂ ናይ ትሕትና ኣብነት ብምዃኑ ድማ አመስግኖ፡ ኣምላኽ ይባርኽካ ብኣይ ተኣማመን ኣብ ጸሎትይ ዝኵር ኢኻ” ዝብል መልእኽቲ ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የመሓላልፉ።

26 October 2021, 08:16