ከም ደቂኣንስትዮን ዝተጠመቅክንን ኣባላት ኣብ ቤተክርስትያን ሕያው ግደ ኣሎክን! ር.ሊ.ጳ ንደናግል
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ድሕሪ ሰላምታን ሌላን ጸዋዕተኤን ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያን ዓቢ እጃም ከምዘለዎ ንምዝኽኻር ‘ከም ደቂ ኣንስትዮን ዝተጠመቅክንን ኣባላት ቤተ ክርስትያን ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያን ሕያውን መተካእታ ኣልቦን ግደ ኣሎክን’ እንክብሉ ነተን ብልኡካን ደናግል ፍቅሪ ዝፍለጣን ብማሕበር ቅድስት ጆቫና ኣንቲዳ ቱረ እትብሃል ፈረሳዊት ቅድስት ዝጽዋዓን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘን ኣብ ኲስኰሳን ትምህርትን መንእሰያት ከምኡ እውን ኣብ ኣገልግሎት ሕሙማትን እሱራትን ዝተጸምዳ ደናግል ኣመስጊኖም። ከምዚ ቢሎም ንከምስግኑ ዝደፋፍኦም ከኣ እቲ ንድኻታት ዘርእያኦ ሓልዮት ምዃኑ ምስ ገለጹ ምናዳ ከኣ ምስቲ ብመሥዋዕተ ቅዳሴን ኣስተንትኖን ዝኸፈትዎ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ምስቲ መበል 21 ብካፒቶል ዝፍለጥ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበረን ዘኪሮም። እዚ መበል 21 ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበርን ቅድሚ ዓመት ክግበር እኳ መደብ ተታሒዝሉ እንተነበረ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ንሎምዘመን ተሰጋጊሩ። ምስ ሲኖዶስ ምግጣሙ ከኣ ጽቡቅ ዕድል ምዃኑ ብምዝኽኻር ‘እቲ ከም ቤተክርስትያን ነፍስወከፍ ክርስትያን ብመንገዲ ሲኖዶስ ብሓባር እናተጐዓዝካ ንምዕባይ ቤተክርስትያን እንስከሞ ሓላፍነት ንተቊዋማት ውፉይ ሕይወት እውን መነቃቅሒ እዩ’ ኢሎም።
አበርክቶ ደናግል!
ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ብዝተፈላለይ ኣስማት ዝጽውዓ ኣብ ኣገልግሎት ድኻታትን ሕሙማትን ንዘበርክታኦ ምስ ኢየሱስ ኣብ መንገድታት ገሊላልን ሰማርያን ይሁዳ ዝገብሮ ምስ ዝነበረ ብምንጽጻር ‘ምሳኡ ሓዋርያት ከምዝነበሩ ከማኡ እውን ብዙሓት ደቂኣነስትዮ ኣስማተን ከይተረፈ እንፈልጠን ነረን’ እንክብሉ ኣገልግሎትን ተልእኮን ደቂኣንስትዮ ኣብ ማሕበረ ክርስትያን ካብታ ኢየሱስ ብሓዋርያት ዝመሥረታ ንእሽቶ ማሕበር ሓዋርያት ከምዝጅምር ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ሎሚ ህልው ኩነታት ምልስ ይብሉ እሞ ሎሚ ከም ሎሚ ደናግል ደቂ ፍቅሪ ዘበርክታኦ ደገፍ ኣየናይ ኮን ይኸውን! ኣብ ናይ ሎሚ ጒዕዞ ቤተክርስትያን እንታይ ፍሉይ ኣበርክቶ ኣለወን! እትህባኦ ፍሉይ ሓዲስ ኣበርክቶ ኣየን ኮን ይኸውን ኢሎም ይሓቱ እሞ! ነዘን ሕቶታት እዚአን ውዱእ መልስ ወይውን ኣቀዲመ ዝተሰናደወ መደብ ኣየድልን ከመይ ኩሉ በቲ ጐይታ ዝህቦን ዘብርሆን ስለዝግበር ኣቀዲምካ ዘሰናዶኻዮ መልሲ ዝበለጸ መልሲ ክኸውን ኣይክእልን` እንክብሉ ኣበርክቶአን ብክፉት መንፈስ ከወፍያ ኣዘኻኺሮም። ከመይ ምንጪ ኩሉ ኣገልግሎተንን ኣበርክቶአንን ምሥጢረ ጥምቀት እዩ ኢሎም።
ምሥጢረ ጥምቀት፦ምንጪ ኩሉ!
ቅዱስነቶም ናብ መሪሕ ቃል ናይቲ ሓፈሻዊ ጉብኤ ምልስ ይብሉ እሞ፡ እቲ ንጉባኤ ዝተመርጸ ተማ ‘ካብቲ ናይ ማርታ ኣገልግሎትን ኣስተንትኖ ማርያምን ካብ ቢታንያ ዳግም ምብጋስ’ የዘኻኽሩ። ቅድሚ ዝኣገረ እዚ ክፍሊ ወንጌል እዚ ህላዌ ደቂኣንስትዮ ኣብ ኣገልግሎትን ተልእኮ ኢየሱስ ክሳብ ክንደይ ኣድላዪ ከምዝነበረ እንከመልክት እዚ ከኣ ብሃሰሰ ለባም ዘይኮነ ኣስማተን ጠቂሱ ማርያን ማርታን ብማለት ይገልጾ። እዘን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ እዚኤን ክልተ ሓዋርያት ኢየሱስ ኰይነን ምስ ኢየሱስስ ይኹን ምስቶም 12 ሓዋርያት ፍሉይ ቦታ ከምዝነበረን ኣብ ወንጌል ብሰፊሑ ተገሊጹ ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም።
እዚ ዘረጋግጾ ጉድያ እንተልዩ ከም ደቂኣንስትዮን ከምዝተጠመቅክንን መጠን ማለት ሓዋርያት ኢየሱስ ከም ምዃንክን መጠን ንስኽን ሕያው ህላዌ ኣብ ቤተክርስትያን ኣልዪክን ኣብ ውህደትን ተልእኮን ቤተክርስትያን ትሳተፋ ኢሎምወን።
መሠረት ናይ ኩሉ ከኣ ምሥጢረ ጥምቀት ኰይኑ ምንጪ ናይ ኩሉ ጸጋታትን ተልእኮን ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ካብዚ ሡር መሠረት ብምብጋስ እግዚአብሔር ኣብአን ነታ ተኽእሊ ውፉይ ሕይወት ከም ካሪዝም ማለት ውህበት ቅድስት ጆቫን ኣንቲዳ ከም እትዓብን ገበራ ኢሎም።
ደገፍ ምብርካትን ጽን ቢልካ ምስማዕን!
ቅዱስነቶም ኣብ ትሕዝቶ ኣስተንትኖ ናይቲ ጉባኤኤን ምልስ ይብሉ እሞ ካብቲ ብዙሕ ኣርእስታት ንድኻታት ምድጋፍን ጽን ቢል ምስማዕን ዝብላ ክፍልታት ምስታ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ንሓባራዊ ጒዕዞ ሲኖዶስ ዝመርጽወን ቃላት ከምዝሰማማዓ ብምምልካት ነዚ ጉዳይ እዚ ንሰን ብሕይወት ስለዝነብራኦ መማህራን ምዃነን ገለጹለን።
መማህራን ኢኽን! እዚ ግን ብቃላት ዘይኮነ ብተግባር ብታሪኽ እተን ሕይወተን ነዚ ተልእኮ እዚ ዘወፈያ ብዙሓት ኣሕዋትክን ከምኡ እውን በቲ ንብዙሓት ዝሸምገሉን ዝሓመመኑ ዝተሰዱን እተበርክታኦ ደገፍን ጽን ቢልካ ምስማዕን ከማኡ እውን ንናኣሽቱን ነቶም ብማሕበረሰብ ዝተገሉሉ ትሑታትን ኣብ መወዳእታ ጽፍሒ መነባብሮ ዝርከቡ ድኻታትን እተርእይዎ ሓልዮትን ርሕራሔን እግዚአብሔር ዝዓሰሎ ቅርበት ምስክር እዩ። እዚ ንቤተክርስትያን ይሃንጽ! ኣብታ መንገዲ ፍቅሪ ዝኾነት መንገዲ ክርስቶስ ከም እትምርሽ ይገብራ ኢሎም።
ቅርበት ርሕራሔ ሓልዮት!
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነቲ ቀሪቦሞ ዝነበሩ ጽሑፍ ገዲፎም ስለእቲ እተን ደናግል ኣብ ዕለታዊ ሕይወተን ዘወፍያኦ ምስክርነት ብምምስጋን ‘እዚ ምስክርነት እዚ ነቶም ዝተሓቱ ክፍሊ ሕብረሰብና ብዘርእያኦ ሓልዮትን ርሕራሔን እዩ። ናይ እግዚአብሔር ኣገባብ እውን እዚ እዩ ቅርበት ርሕራሔ ሓልዮት’ ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነተን ከም ሓዳስ ሓላፊት ማሕበር ዝተመርጻ ቅሳነት ዝመልኦን ፍርያምን ኣገልግሎት ክገብረለን ነተን ግቡአን ፈጺመን ስልጣን ዘረከባ እውን ምስ መማርኽርተን ብምምስጋን ምናዳ ከኣ እተን ሥልጣን ዘረክባ ‘ኣገግሎት መርሕነት ወዲኤ ሕጂ ኣብ ጐደናታት ተመሊሰ ናይ ቀደም ኣገልግልተይ ክጅምር እየ ዝበላዕ ብጣዕሚ ጽቡቅ ከምዝኾነ ኣብ ኣገልግሎት ሕዝብኻ ኣብ ጐደናታት ክትምለስ ብጣዕሚ ጽቡቕ እዩ’ እንክብሉ ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትወን።