2021.10.18 Università Campus Biomedico 2021.10.18 Università Campus Biomedico 

ክብረት ሕሙም ቅድሚ ሕማምን መኽሰብን ይስራዕ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ባዮመዲካል ካምፓስ ዪኒቨርሲቲ ሆስፒታል ልኡኻት ተቀቢሎም ከምዘዘራረቡን ንሓለዋ ጥዕና ብዝምልከት ክርስትያናዊ ኣቊዋም ብምትንታን ክብረት ሕሙም ክንዮ ዝኾነ ሕማምን መኽሰብን ስለዝኾነ ቅድምያ ይወሃቦ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

 ምስ ቅዱስነቶም ዝተራኸቡ ልኡካን ኩሎም ኣብ ሓለዋ ጥዕና ዝተዋፈሩ ካቶሊካውያን ምዃኖም እንክምልከት ቀንዲ ውራዮም ሓለዋ ጥዕና እኳ እንተኾነ ሕይወት ወዲሰብ ክሳብ ክንደይ ክቡር ምዃኖን ግርማ ወዲሰብ ብምንም ተኣምር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከይወርድ ዝኾነት ሕይወት ዓቢ ዋጋ ስለዘለዋ ሌላ ጉሌላ ከይገብሩ ስለ ክብሪ ሕይወት ክጋደሉ ምናዳ ኣደዳ መኽሰብ ኰይኖም ከይፈላልዩ ሓደራ ኢሎምዎም። ዝኾነ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና ምናዳ ኸኣ ብክርስትያናዊ መንፈስ ዝንቀሳቀስ ነቲ ሓገዝ ጥዕና ዘድልዮ ሰብ ቅድሚ ዝኣገረ ‘ኣብዚ ቦታዚ ሕሙማትን ሓካይምን ጥራይ ኣይኮንካን እትዕዘብ እንታይ ደኣ ነንሕድሕዶም ሃንጐፋይ ኢሎም ብክፉት ልቢ ዝቅበሉን ዝደጋገፉን ኢኻ ትርኢ። ኣብዚ ክብሪ ሰብኣውነት ከመይ ዝበለ ክንክንን ክብረትን ከምዝረክብ ክትዕዘብ ኢኻ’ ዝብል መልእኽቲ ከምዝቅበል ግበሩ እንክብሉ ቅድምያ ንዝወሃቦ ቅድምያ ክህቡ ሓደራ ኢሎም።

እዚ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ባዮመዲካል ካምፓስ ዪኒቨርሲቲ ሆስፒታል ብኣገልጋሊ እግዚአብሔር አቡነ ኣልቫሮ ደል ፖርቲዮ ዝበሃሉ እስጳኛው ጳጳስ ኣባል ማሕበር ኦፑስ ደይ ዝተመሥረቲ ትካል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እዩ።   ቅዱስነቶም ንመሥራቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣገልጋሊ እግዚአብሔር አቡነ ደል ፖርቲዮ ዘኪሮም ንኩሎም እቶም ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዘገልግሉ ኣባላት ቅድሚ ሕማም ወትሩ እቲ ሕሙም ከምዝኾነ ዘኪሮም ቅድምያ ክህቡ ከምዘተባብዖም እዚ ኣብ ዝኾነ ዓውዲ ሕክምናን ሓለዋ ጥዕናን መሠረታዊ ጒዳይ ኰይኑ እዚ ኣገባብ እዚ ንኩሉ ዘጠቃልልን ሰብኣውን ኣገባብ ኣገልግሎት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ሳይንስን ምርምርን

ቅዱስነቶም ዘሥመረሉ ካልእ ጉዳይ ኣብ ጉዳይ መድሓኒትን ሕክምናን ኣድላይነት ሳይንስን ምርምርን ኰይኑ ‘ሓለዋን ክንክንን ጥዕና ብዘይ ሳይንስ ከንቱ እዩ  ከምኡ እውን ሳይንስ ብዘይ ሓለዋን ክንክንን ጥዕና መኻን ይኸውን’ እንክብሉ ኣብ መንጎኦም ንዘሎ ምትእስሳር ገሊጾም። ሳይንስ ምርምርን ብሓባር ንሓለዋን ክንክንን ጥዕና ሓደ ጥበብ ይገብሮ እዚ ከኣ ብምልኣት ልብን ኣእምሮን ዝስራሕ ኰይኑ ፍልጠትን ርሕራሔን ውሕሉልነት ሞያን ለውሃትን ብቅዓትን ተደናጋጽነትን ኣወሃሂዱ ከምዝጐዓዝ ገሊጾም።

እቲ ተቊዋም ካብ ዝምሥረት ኣትሒዙ ንሰብኣዊ ምዕባሌ ኣብ ዝገበሮ ምርምር ብዙሕ ኣበርክቶ ብምግባሩ ቅዱስነቶም ነቶም ልኡኻት ምስጋና ኣቅሪቦም። እንተኾነ ብኩነታት ዓለም ተጸሊኻ ሓንሳእ ሓንሳእ ፈተና ናይ መኽሰብ ስለዘይሰኣን ንግድነታት ሕሙማት ምናዳ ኸኣ ንእቶም ምስ ሓደስቲ ሕማማትን ካልእ ጸገማትን ብቀሊሉ ዘጥቕዖም ዝሸምገሉ ሰባት ሸለል ከብል ስለዝኽእል ንክጥንቀቁ ኣተሓሳሲቦም።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ኣብቲ ካምፓስ ሓገዝ ደልዮም ዝመጹ ምናዳ ኸኣ ነቲ ዝሕተት ገንዘብ ክኸፍሉ ንዝጽገሙ ፍሉይ ቈላሕታ ክገብሩ ሓደራ ምስ በሉ ስለቲ ኣብዚ ዘመን ለበዳ ኮቪድ 19 ነቲ ሕማም ንምቊጽጻር ፍሉይ ማእከል ኮቪድ ምቋሞምን ናይ ህጹጽ ረድኤትን መቀበሊ ሕሙማትን ብዝገበርዎ ኣመስጊኖም።

መርበባዊ ርክብ ምትእስሳር!

ሽሕ’ኳ እቲ ተቊዋም ብባህርዩ ክፉትን ምስ ኩሉ ምትእስሳር ዘለዎን ክኸውን እንተነበሮ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዘስዓቦ ነቲ ብሓባር ክግበር ዝነበሮ ጉዳያት ኣባዂሩ ንኣድላይነት ምትሕብባርን ሓባራዊ ጸገማት ብሓባር ናይ ምምልካትን ጉድያት ዳግም ክበራበሩ ከምዘለዎም ኣመልኪቶም። ካቶሊካዊ ተቊዋማት ሓለዋን ክንክንን ጥዕና ኣብ ነንሕድሕደን ክተኣሳሰራ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣገልግሎት ፍቅረን ግብረ ሠናይን ክኾና ከምዘለውን ንምዝኽኻር ከኣ ‘ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ልግሲ ይሓትት ንዘሎካ ኩሉ ምክፋል ማለት ፍልጠትስ ይኹን ዓቅሚ ከምኡ እውን ሳይንስ ብቀንዱ ኣብ ኩሎም ክባጻሓን ናይ ኩሎም ሱታፌን የድልዮ` ኢሎም።

ንመሠረታዊ ምኽንያታት ዓጊትካ ምኽኣል!

ንደቂሰባት ሳይንስን ውጽኢት ሳይንስን በይኑ ምውፋይ መሸፈኒ ቊስሊ ዝኸውን ፈውስን ጨርቅን ከም ምውፋይ እዩ። እንተኾነ ነቲ ቊስሊ ጥራይ ምሽፋን ነቲ መሠረታዊ ምኽንያት ቊስሊ ኣይኣልዮን ብዕምቈት ከኣ ኣይፍውሶን። እዚ ኣብነት እዚ ንክትባት ብዝምልከት ንጹር እዩ። ነተን ቁሩብ ቁራቦ ወይውን ምንም ዘይብለን ሃገራት ሓገዝ ክግበር ኣለዎ። እዚ ግን ንርሑቅ ዝዓለመ ንመጻኢ ዝምልከት መደብ ክህልዎ የድሊ። ከመይ መድሓኒት ክዕደል እንከሎ ንክብረ ግርማ ወዲሰብ ኣብ ግምት ዘእተወ እንበር እናቈንጠርካ ዝወሃብ ክኸውን የብሉን ኢሎም።

ኣብ ምዝዛም ቃሎም ካምፓስ ባዮመዲካል ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ሮማ በዚ ዝበልዎ መሪሕ ሓሳባት ንቅድሚት ክግስግስን ንሓደስቲ ግልጸታት መንፈስ ቅዱስ ክፉታት ኰይኖም ምስ ዝራኸብዎም ኩሎም ቅርበትን ርሕራሔን ከርእዩ ሓደራ ብማለት ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
19 October 2021, 12:34