ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኣርመኒያ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኣርመኒያ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኣርመኒያ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ

ርእሰ ብሔር ኣርመን ሳርኪስያ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነየ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ኣርመንያ ርእሰ ብሔር ኣርመን ሳርኪሲያን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ፖለቲካ ጒዳይ ዝመኸረ ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ዝጸንሔ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ኣርመን ዘደልደል ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ርእሰ ብሔር ኣርመን ሳርኪስያ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነየ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኣርመኒያ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኣርመኒያ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ

ኣብቲ ኣርብዓ ደቓይቕ ኣቢሉ ዝወሰደ ዝርርባት “ኣርመን ጥንታዊ ክርስትያናዊ ባህላ” ከምእተዘከረን ከምኡ እውን ብዛዕባ “ኣህጉራውን ዞባውን ፖለቲካ” ኣቃልቦ ዝገበረ ምንባሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ብሔር ኣርመንያ ሳርኪሲያን ንቕዱስ ኣቦና ናይ ኣርመንያ ባህላዊ መግለጺ ዝኾነ ምንጻፍ ባይታ ገጸ በረኸት ከምዘቕረቡሎምን ቅድስነቶም እውን ብወገኖም ናይ 2021 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላም መልእኽትን ናይ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳናትን ዓዋድያን መልእኽትን ብሓደ ዝጠርነፈ መጽሓፍን ዝዕምብብ ምድረ በዳ ዘርእስቲ ቅብኢ ገጸ በረኸት ከምዘቕረቡሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኣርመኒያ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ
12 October 2021, 15:50