ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዋ ኣንገላ መርከል ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዋ ኣንገላ መርከል 

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዋ ኣንገላ መርከል

ናይ ፈደራላዊት ጀርመን መራሒት መንግስቲ ኣንገላ መርከል ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሰናቢተን ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓል ሪቻርድ ጋለገር ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸባ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዋ ናይ ፈደራላዊት ጀርመን መራሒት መንግስቲ ኣንገላ መርከል ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ዛዕባ ለብዒ ኮቪድ - 19ን ከምኡ እውን ጸኣት ስደተይናትትን ዝብሉ ኣርእስታት ዘማእከለ ምይይጥ ምክያዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ፈደራላዊት ጀርመን መራሒት መንግስቲ ኣንገላ መርከል ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሰናቢተን ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓል ሪቻርድ ጋለገር ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸባ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ በቲ ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ጽቡቕ ክሌኣዊ ርክብ ዘዕግብ ምዃኑን ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ጀርመንን ዘሎ ምትሕብባር ፍርያም ምዃኑ ከምእተረጋገጸን፥ ብዛዕባ ኣህጉራውን ዞባውን ጒዳያትን ሓባራዊ ተገዳስነት ኣብ ዘለዎ ጒዳያት ዘተኰረን ህጹጽ ኩነታት ጥዕናን ጸኣት ስደተይናታትን ዘምጽኦ ሳዕቤን ብምጥቓስ ነቲ ዝፈጥሮ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ምትሕብባር ብዝበለጸ ንምብርታዕ ዝድርኽ ኣጋጠሚ ምዃኑ ብኽልቲኤን ሃገራት ብኣጽንዖት ከምእተመልከተ ኣፍሊጡ።

ገጸ - በረኸት

ናይ ጀርመን መራሒት መንግስቲ ኣንገላ መርከል ካብ ቅድስቲ መንበር ቅድሚ ምፍናወን ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብነሓስ እተቐርጸ ቅዱስ በሪ ዝውክል ምስልን ከምኡ እውን ናይ 2021 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላም ሰነድን ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ገጸ በረኸት ከምዝቐረበለንን መራሒት መንግስቲ ጀርመን እውን ብወገነን ንቕዱስነቶም ሰለስተ ተኸታታሊ መጻሕፍት ናይ ሰናብቲ ምንባባት ወንጌል ትንታነን ብዛዕባ ሚከላንጀሎ እትዛረብ መጽሓፍን እተወሰነ ናይ ጀርመን ፍርያት መግብን ገጸ በረኸት ከም ዘቕረባሎም ኣፍሊጡ።

10 Oct 2021, 14:49