አቡነ ድየጎ ራቨሊ ሓዲስ መምህር ሥርዓተ ሊጢርጊያ ር.ሊ.ጳ ኮይኖም!
ዜና ቫቲካን!
ሥርዓተ ማልኾን ቀሺ ገበዝ ናይ ቅድስት መንበር ምዃንን ክልተ ብርቱዓት ኣገልግሎታት እኳ እንተኾና ኣቡነ ድየጎ ራቨሊ ግን ኣብ ክልቲኤን ብቚዕ ኣገልግሎት ከወፍዩ ብምኽኣሎም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብቲ ዝነበርዎ ኣገልግሎት ሓላፍነት መባእ ሓዋርያዊ መንበር ናብ ኣገልግሎት ምሥራዕ ሊጢርግያ ከምኡ እውን ሓላፍነት ናይታ ኣብ ዓበይቲ በዓላትን ፍጻሜታትን ንቅዳሴታትን ጸሎታትን ር.ሊ.ጳ ብመንፈሳዊ መዛሙር ዘሰኒ ጳጳሳዊ ቤተመቅደስ መዛሙር ከምዝሃብዎም እንክምልከት ነዚ ግን ኣቡነ ድየጎ ራቨሊ ዝፈጸምዎ ነዊሕ ጒዕዞ መጽናዕትን ኣገልግሎትን ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝኾነ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ገሊጹ።
ነዊሕ ጒዕዞ መጽናዕትና ኣገልግሎትን!
ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ኣቡነ ድየጎ ራቫሊ ምስ እንምልከት ብዕለት 1 ሕዳር 1965 ዓም ላዛተ ኣብ እትበሃል ክፍለሃገር ሞንዛን ብርያንዛን ተወሊዶም ብ1991 ዓም መዓርገ ክህነት ተቀቢሎም። መጀመርያ ኣብ መካነ ጥበብ ሳለዛውያን ብኲስኰሳ ትምህርቲ ዲፕሎማ ጸኒሖም ከኣ ኣብ ጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ቅዱስ ኣንሰልሞ ብሊጢርግያ ዶክተረይት ኣቢሎም።
ካብ 1998 ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት መባእ ከገልግሉ ጀሚሮም ቀጺሎም ብ2013 ሓላፉኡ ኰይኖም። ድሮ ምስ ኣገልግሎት ሥርዓተ ሊጢርጊያ ይተሓባበሩ ስለዝነበሩ ብ2006 ሓጋዚ ኰይኖም ተሸይሞም ነበሩ። ሎሚ ከኣ ቦታ ናይቶም ሰበኻ ቶርቶና ኰይኖም ብምሻም ድሕሪ 14 ዓመት ዝልወጡ ዘለዉ ኣቡነ ጒዶ ማሪኒ ተኪኦም ተሾሙ።
ምሳኦም እውን ከም ተሓጋግዚኦም ኣብ ቅድስት መንበር ክፍሊ ሓፈሻዊ ጉዳያት ጸሓፊ ኣገልግሎት ኑንጽዮታት ኰይኖም ዘገልግሉ ጥቀ ክቡር ኣባ ክርስትያኖ ኣንቶንየቲ ከምዝተሾሙ ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።