ር.ሊ.ጳ. ነቲ ወትሩ ህልው ዝኾነ ጐደና ዓመጽ ኣይፋል ንበል! ር.ሊ.ጳ. ነቲ ወትሩ ህልው ዝኾነ ጐደና ዓመጽ ኣይፋል ንበል! 

ር.ሊ.ጳ. ነቲ ወትሩ ህልው ዝኾነ ጐደና ዓመጽ ኣይፋል ንበል!

ነቶም በቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ኣብ ስቓይን ሓዘንን ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ቅርበተይ እገልጽ። በጃኵም ነታ ወትሩ ትእምርቲ ተሳዓርነት ዝኾነት መገዲ ዓመጽ ጠንጥንዋ። መገዲ ዓመጽ ስዕረት ኵሉ እዩ፥ ዓመጽ ዓመጽ ከምዝወልድ ኣይንረስዕ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ነቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመታት ብምሕሳብ ነቶም ግዳያት ፍሉዩ ቈላሕታ ብምግባር ምእንቲ ግዳያት ዓመጽ ከምዝጸለዩን ነቲ ኣብ ኖርውይን ኣፍጋኒስታንን እንግልጣርን ዘጋጠመ ከቢድ ፍጻሜታት ከምዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝኾነ ይኹን ዓመጽ ዓወት ኣይኰነ መፍትሒ እውን ኣየምጽእን። ብንጻሩ እኳ ደኣስ ካልእ ዓመጽ እዩ ዝወልድ። ቅዱስነቶም ነዚ ዝበሉ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብቲ ጸሎት ንዝሓበሩ ኵሉ ሰላምእታኦም እንቐርቡ ክኸውንእንከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ኖርወይን ኣፍጋኒስታንን ከምኡ እውን ኣብ እንግልጣርን ዘጋጠመ ሞትን መጉዳእትን ኣብ ኣባይቲ ስድራ ዝፈጠሮ ሓዘንን ስቓይን እንክገልጹ፥

ነቶም በቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ኣብ ስቓይን ሓዘንን ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ቅርበተይ እገልጽ። በጃኵም ነታ ወትሩ ትእምርቲ ተሳዓርነት ዝኾነት መገዲ ዓመጽ ጠንጥንዋ። መገዲ ዓመጽ ስዕረት ኵሉ እዩ፥ ዓመጽ ዓመጽ ከምዝወልድ ኣይንረስዕ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ ኖርወይን ኣፍጋኒስታንን እንግልጣርን ዘጋጠመ ጒዳይ

እቲ ዕለት 13 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ኖርወይ ምሸት ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኮንግስበርግ ቀስትን ፍላጻን ዝተዓጥቀ ዜጋ ኣብ ልዕሊ ኣብታ ከተማ መንገድታት ዝጓዓዙ ዝነበሩ ዜጋታት ብዘውረዶ መጥቓዕቲ፥ ሓደ ኣዛዚ ሓለዋ ጸጥታ ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሰባት ንሞት ከምዝዳረጉን እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት ሽበራዊ ዘይኮነስ ምስ ኣእምሮ ምዝንባል እተተሓሓዘ ከምዝመስልን ከምኡ እውን ኣብታ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዛ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ጣሊባን ዝወደቐት ሃገረ ኣፍጋኒስታን፡ እቲ ኣብ መንጐ ተመሃሮ ቍርዓንን ዳዒሽን ሱር እናሰደደ ዝኸይድ ዘሎ ምስሕሓብ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ይወልድ ከምዘሎን፡ ካንድሃር ኣብ እትርከብ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሺዓዊት መስጊድ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 40 ሰባት ንሞት ካልኦት 70 ሰባት እውን ንማህሰይቲ ሓደጋ ከምእተቓልዑን እዚ ግብረ ሽበራ እዚ ዕለት 15 ጥቅምቲ ኣብ ክንዱዝ ድሕሪ ዝተፈጸመ ኣስታት ሰማንያ ዝግመቱ ሰባት ግዳያት ዝገብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ስዒቡ ዝተፈጽመ ከምዝኾነን እታ ሃገር በቲ ማሕበረሰብ ዓለም ቅልጡፍ ምላሽ ዘይህበሉ ናብ ዘሎ ዘሰንብድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተንቆልቍል  ምህላዋ ይንገር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ እንግልጣር ሶማልያዊ መበቈል ዘለዎ ብሪጣንያዊ ወዲ 25 ዓመት ዓሊ ሓሪብ ዓሊ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ዴቪድ ኣሜስ ዝስሞም ኣባል ህዝባዊ ባይቶ ጥቓ ሳውዘንድ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መቕተልቲ ተሓታት ብዝብል ጥርጠራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓለን ዓሊ ሓሪብ ዓሊ በቲ ናይቲ ከባቢ ጸረ ግብረ ሽበራ ሓይሊ ክትትል ካብ ዝግበረሎም ሓደ ከምዝነበረን ምስቶም ካብ መሰንገል ዓልቃይዳ እተወልዱን ኣብ ሶማሊያን ከንያን ግብረ ሽበራ ዝፍጽሙ ጒጅለ ኣሸበርቲ ኣል ሽባብ ርክብ ዘለዎ ክኸውም ይኽእል ዝብል ጥርጠራ በቲ ናይቲ ከባቢ ጸረ ኣሸበርቲ ፍሉይ ሓይሊ ጸጥታ ይጻረ ከምዘሎ ይንገር።

በቲ ዝተፈጸም ግብረ ቅትለት ምኽንያት ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ጃስቲን ወልባይን ናይ እንግልጣርን ወይለስን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ቪንሰንት ኒኮላስን ዝተሰምዖን ሓዘን ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 October 2021, 09:12