ሢመተ ኤጲስቆጶስ ናይ ኣገልግሎት ስም እምበር ናይ ክብሪ መዓርግ ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 17 ጥቅምቲ 2021 ዓም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ሥርዓት ሢመተ ጵጵስና ኣባ ጒዶ ማሪኒን ኣባ ኣንድረ ጋብርየል ፍራዳ ሞረይራን እንክፍጽሙ ‘ጵጵስና ዝለዓለ ሓላፍነት ቤተክርስትያን ኰይን ሓደ አቡን ኰይኑ ዚሽየም ከገልግል እምበር ክጒይትት ኣይኮነን! ቅርበቱ ብቀዳምነት ናብ እግዚአብሔር ቀጺሉ ምስ ካልኦት አቡናትን ካህናትን ምስ ሕዝቡን ክኸውን ኣለዎ’ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነቲ ጐይታ ‘ዓቢ ክኸውን ዝደሊ ዝነኣሰ ይኹን! ከመሓድር ዝደሊ ኣገልጋሊ ይኹን’ ንዝበሎ ደጋጊሞም ንተሰየምትን ተሳተፊት እቲ ሥርዓትን እንክገልጹ እዚ ከኣ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃሮ ቅድሚ ምምሃሩ ከኣ ብግብሪ ኣርእዩ ኣብነቱ ክንከተል ሓደራ ዝበለና ምዃኑ ኣብሪሆም።

እዞም ሓደስቲ ጳጳሳት እዚኦም አቡነ ጒዶ ማሪኒ ናይ ቶርቶና ሰበኻ ጳጳስ ኰይኖም ዝተሾሙ ከምኡ እውን አቡነ ኣንድረ ጋብርየል ፈራዳ ሞረይራ ካብ ዕለት 1 ጥቅምቲ ጀሚሮም ንካህናት ናይ እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዝተሾሙ እዮም። ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም ኣብዞም ሓደስቲ ኣቡናት እቲ ዘለዓለማዊ ሊቀ ካህናት ዝኾነ ጐይታ ብዓንዱ ርእሱ ምሳኦም ኰይኑ ስብከተ ወንጌሉ ብኣኦምን ምሳኦምን ብምቅጻል ንድሕነት ምእመናንን ንቅድስናኦምን ይሰርሕ። ብኣቦነት እዞም ሓደስቲ ጳጳሳቱ ገቢሩ ከኣ ሕዳሴ ሰውነቱ ማለት ቤተክርስትያኑ የዕቢ። ብጥበብን ጥንቃቄን ሓደ አቡን ገቢሩ ንሕዝበ እግዚአብሔር ኣብዚ ምድራዊ ጒዕዞ መንፈሳዊ ንግደት ክሳብ እቲ ዘለዓለማዊ ታሕጓስ ዝመርሕ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ ኢሎም።

ልዑል ሓላፍነት ኣገልግሎት!

ቅዱስነቶም ንዕቤት መዓርገ ጵጵስና ዝለዓለ ሓላፍነት ኣገልግሎት ምዃኑ ንከብርሁ ምንጪ ኩሉ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣቦ ንወዲ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዘመደ ኣዳም ንምድሓን ለኣኸ! ኢየሱስ ብግዲኡ 12 ሓዋርያት መሪጹ ብሓሊ መንፈስ ቅዱስ መሊኦም ንኩሎም ዘመደ ኣዳም ወንጌል ንምስባኽን ኣብ ትሕቲ ሓደ መጓሰ ንከወሃህድዎምን ንክቅድስዎምን ናብ ድሕነት ንከብጽሕዎምን ናብ ዓለም ለአኾም። ንሶም እውን ብግዲኦም ንኤጲስቆጶሳት ለኣኹ ድሕሪ ቢሎም እዚ ምልኣኽ እዝን ንኣኡ ምሩጽ ምዃንን ትርጉሙ ኣሕጽር ኣቢሎም ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

ካብ ሰባት ንሰባት ዝተመርጽኩምን ኣብ ጒዳያት እግዚአብሔር ንክትዋስኡ ዝቆምኩምን ኢኹም። ንገዛእ ርእስኹም ዘይኮነ ንካልኦት ኢኹም ተጸዊዕኩም። ኤጲስቆጶስ ከም ሓቁ ስም ኣገልግሎት እምበር ከምቲ ሓዋርያት ሃረር ዝብልዎ ዝነበሩ ሓደ ብየማን ጐይታ እቲ ካልእ ከኣ ብጸጋም ጐይታ ኰፍ እትብለሉ ናይ ክብሪ ሲመት ኣይኮነን። ብዘይ ኣገልግሎት ኤጲስጶስነት የለን። ከም ትእዛዝ መምህሩ ከኣ ሓደ አቡን ኰይኑ ዚሽየም ከገልግል እምበር ክጒይትት ኣይኮነን! ‘ኣብ መንጎኹም ዓቢ ዝኾነ ከምቲ ዝነኣሰ ይኹን! እቲ ዘመሓድር ከኣ ከም ኣገልጋሊ ይኹን’። ምግልጋልከስ እዚ እዩ። በዚ ኣገልግሎት እዚ ጥራይ ኢኹም ጸዋዕታኹም ክትሕልውን እሙናትን ሓቀኛታት ጓሶት ኣብ ኣገልግሎት እምበር ኣብ ክብርን ሥልጣንን ሓይልን ኣይኮነን። ምግልጋል ወትሩ ምግልጋል ኢሎም።

ስብከተወንጌልን መጽናዕትን!

ቅድሚ ዝኣገረ ናይ ሓደ ተኸታሊ ሓዋርያትን ኢየሱስ ክርስቶስን ዝኾነ ጳጳስ ሥራሕ ምስባኽ ቃል ኣምላኽ ክኸውን ነዚ ከኣ ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣብ ዝጥዕምስ ይኹን ኣብ ዘይጥዕም ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ሓደራ ዝብሎ ‘ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዑ፡ ክትገንሑ፡ ክትቀጽዑ፡ ክትምዕዱ’ ኣሎኩም እንክብሉ ንሓደስቲ ጳጳሳት ምስ ኣዘኻኸሩ እታ ዝበለጸት መጋበሪት ናይዚ ከኣ ወትሩ መጽናዕቶም ክቅጽሉ ነዚ ዘደልድል ከማ እቲ ስለ ሕዝቦም ዘዕርግዎ ጸሎትን መሥዋዕተ ቅዳሴን ምዃኑ ብምርዳእ ካብቲ ብዙሕ መግለጺ ዘለዎ ሃብቲ መለኮታዊ ጸጋ ክርስቶስ ቅድስና ክቀድሑ ኣዘኻኺሮም።

ዋጋ ቅርበት!

ከምቲ ኣብ መእተዊ ብሓጺሩ ዝገለጽናዮ ነዚ ዝተባህለ ጸሎትን መጽናዕትን ብሥራት ቃል ኣምላኽን ዘይነጽፍ ምንጪ ዝኸውን ምስ እግዚአብሔር ብዘሎ ቅርበት ብምዃኑ ሓደስቲ ጳጳሳት ኣብ ተልእኮኦም ሓለውቲ እምነትን ኣገልግሎትን ምግባረሠናይ ቤተክርስትያንን ስለዝኾኑ እታ እንኮ ክሕዝዋ ዘለዎም መራኸቢት ቅርበት ናብ ኣምላኽ ኰይና መለለዪቶም እውን ንሳ ምዃና ምስ ገለጹ እንተ ብወገን እግዚአብሔር ከምቲ ኣብ ዘዳግም ሕዝቢ እስራኤል ዝበሎ ‘ኣየናይ ሕዝቢ ኮን ይኸው እግዚአብሔር ክሳብ ከምዚ ናትና ቀረባኡ ዝኾነ ኣምላኽ ዘለዎ’ እዩ ነገሩ። ነዚ ቅርበት እዚ ምሉእ ብምሉኡ ተጠቂሞም ንሶም እውን ብግዲኦም ንላዕልን ንታሕትን ከስፍሕዎ ከምዚ ክብሉ ገለጹ። ጳጳስ ማለት ብጸሎት ናብ እግዚአብሔር ዝቀረበ ሰብ ኰይኑ ከምቲ ሓዋርያት ኣብ ምርጫ ዲያቆናት ዝበልዎ ኣቡን ኣብ ጸሎትን ስብከት ቃል ኣምላኽን ክጽመድ ከምዘሎዎ እውን ኣዘኻኺሮም።

ቀንዲ ውራይ ወይውን ቀንዲ ዕዮ ገዛ ሓደ ኣቡን ምጽላይ እዩ። ነዚ ግን ከም ሓደ ሕንጻይ ደጋጊሙ ብምልፍላፍ ዘይኮነ ብልቢ ክጽሊ ኣለዎ። ንጸሎት ግዜ የብለይን ዝብል ኣቡን ክህሉ የብሉን። ንኩሉ ነገራት ክትገድፍዎ ትኽእሉ ንጸሎት ግን ብምንም ተኣምር። ቀዳማይ ዕዮ ገዛ ሓደ ኣቡን ቅርበት ናብ እግዚአብሔር ነዚ ከኣ ብጸሎት እዩ ዝገብሮ ኢሎም።

እዚ ቅርበት እዚ ደረጃታት ኣሎ። ብካልኣይ ደረጃ ምስ ኣሕዋቱ ጳጳሳት ቅርበትን ውህደትን ክህልዎ የድሊ እምበር ከም ጉጅለታት ፖሎቲካ ምስቲ ሓራይ ምስቲ ካልእ ኣይፋል ዝብል ፈጺሙ ክህሉ የብሉን።

“ጳጳሳት ኢኹም። ርግጽ ኣብ መንጎኹም ክትዕ ክህሉ እዩ። ነዚ ግን ከም ኣሕዋት ከም ቀረባ ሰባት ይኹን። እንተዘየለ ብዛዕባ ኣሕዋትኩም ጳጳሳት ሕማቅ ክትዛረቡ ፈጺሙ ኣይፍቀድን። ስለዚ ካልኣይ ቅርበት ምስ ኣካል ኤጲስቆጶስ ክኸውን የድሊ።”

ብሳልሳይ ደረጃ ናብቶም የማናይ ኢድኩም መሳርሕትኹም ዝኾኑ ካህናት ይኹን። በጃኻትኩ እቶም ዝቀረቡ መሳርሕትኹም ካህናት ምዃኖም ኣይትረስዑ። ብዙሓት ኣቡናት መርሓ ግብሮም መሊኡ ክትርእዮ ንካህኖም ዝረኽቡሉ ግን ንእሽቶይ ቦታ ዘይምርኣይ ብጣዕሚ የሕዝን ኢሎም።

ሓደ ካህን ደዊሉ ከምዝሰኣነካ ምስ እትምልከት ዝገደፍካ ገዲፍካ ኣብታ ዕለት እቲኣ ደውለሉ። እቲ ካህን በዛ ተግባር እዚኣ ኣቦ ከምዘለዎ ክፈልጥ እዩ። ስለዚ ቅርበት ምስ ካህናትኩም። እንተዘይመጺኦምኹም ኪድዎም ቅረብዎም ኢሎም።

እታ ራብዐይቲ ቅርበት ከኣ ኣብ ጐድኒ ቅዱስ ሕዝበ እግዚአብሔር ምዃን እዩ። ኣብዚ እውን ቅዱስነቶም ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ‘ኣደኻን ኣደዓባይካን ዘክር.’ እናበለ ዘዘኻኽርዎ ቅዱስነቶም እውን ነቶም ሓደስቲ ጳጳሳት መበቆሎም ክዝክሩ ካብቲ ሕዝቢ ከምዝመጹ እምበር ኣቡን ንክትከውን ፍሉይ ትምህርትን ሊቅነትን ካብ ዘለዎም ፍሉይ ማሕበር ዘይኮነ እቲ ቅዱስ ሕዝበ እግዚአብሔር ከምዝኾነ ምንጮም ክዝክሩ ሓደራ ኢሎም።

እግዚአብሔር በዚ መንገዲ ቅርበት ንከዕብዮም ድንግል ማርያም ከኣ ንክትሕልዎም ዘለዎም ሠንያ ምንዮት ብምግላጽ ስብከቶም ምስ ዛዘሙ ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ሓደስቲ ኣቡናት እውን ምስጋናኦም ከምዝገለጹ ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
18 October 2021, 15:12