ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝመክር ዋዕላ ውጽኢታዊ መልስን ጭቡጥ ተስፋን ይሃብ!

ኵላትና - ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ ብዘየገድስ - ነቲ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ለውጢ ኵነታት ኣየርን ምዝባዕ ናይ ሓባር ቤትና ዘሎና ምላሽ ኣብ ምቕያር እጃምና ከነበርከት ንኽልእ ኢና!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽኝያት እቲ ኣብ ግላስጐ ንኽካየድ ዝተወሰነ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝመክር ዋዕላ ብቢቢሲ ዝመሓላለፍ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣመሓላሊፎም። ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ቀንዲ ተስፋ ናይቲ ንደቅሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ናይ ሓባርን ንሓድሕዱ እተኣሳሰረን ቅልውላው ንኽንሰግሮ ዘኽእለና “ቀያዲ ምርጫታት” ንምግባር ሓድሽ ዓለም ለኻዊ ሓድነት ኣገዳሲ ምዃኑ ምዒዶም ንቕድሚት ኣብ ዅለንተናዊ ለውጢ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

“ፍጹም ህቦብላ” ንዓለም ይዕብልል ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ብሰንኪ ለውጢ ኵነታት ኣየር ዝመጽእ ህቦብላ ንማእስር ሕብረተሰብ ዘፍሽል ኮቪድ -19 ዝበሃል ለብዒ እዩ። እዚ እውን እተፈላለየ መዳያት ዘለዎ ከም ትዕና ኣካባቢያዊ መግቢ ቍጠባ ሕበራዊ ግብረ ሰናይ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ወጅሂ ዘለዎ ቅልውላው የምጽእ። ብዝብል ሓሳብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ካብ ዕለት 31 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 12 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ ስኮዚያ ከተማ ግላስጎው ናብ ዝካየድ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝመክር ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም እተጠልበ መበል 26 ዋዕላ ኣብ ግምት ብምእታዊ በቲ ቢቢሲ “ብዛዕባ እታ መዓልቲ ምሕሳብ” ብዝብል መድብ ፈነወ ዝመሓላለፍ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ ፍትሕን ምክፋልን ዝጸንዔ ሓድሽ ሓድነት

“ናይ ሓባር ቤትና መጻኢ” እንደገና ንኽሕሰበሉ “ራእይ መደብ ናይ ምግባር ተኽእሎ ከምኡ እውን ህጹጽ ትግባረ” ዝሓተቱ ቅዱስነቶም “ድሕንነትና ፈሪሱን ስልጣን ንምርካብ ዝብል ሸውሃትና ንምቍጽጻር ዘሎና ባህግን ይዳኸም ኣሎ” ስለዚ “ርእስኻ ምግላል ናይ ገዛእ ርእሰይ ምክልኻልን ምዝመዛን” ዝብል ኣረኣእያ ኣይፋል ብምባል ኣክንዳኡስ ነቲ “ናይ ሓቂ ኣጋጣሚ ለውጢ ናይ ምቕያር መሰረታዊ መርገጺ ደኣ እምበር እዚ ብመንፈሳዊ መዳይ ጥራሕ ዘይፍጽም ዓይነት ኣነብብራ ሕራይ ምባል” የድሊ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እዚ መገዲ እዚ ጥራሕ እዩ ናብ “ብርሃን ዘለዎ” ኣድማስ ዝመርሕ ሓድሽ ናይ ዓለም ሓባራዊ ሓላፍነት ኣብ ፍትሒ እተመስረተ ሓድሽ ሓድነት ሓባራዊ ጽሕፍቶ ኣብ ምክፋል ከምኡ እውን ሓድነት ሰብኣዊ ስድራ ቤት ማለት ኣምላኽ ንዓለም ዘውጽኦ መደብ ኣብ ምፍላጥ ጥራይ እዩ ክግበር ዝከኣል

ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሰብኣዊ ኽብረት ማእከል ምግባር

እምበኣር እዚ ሎሚ ንደቅሰብ ዘጋጥሞም ዝአሎ ናይ ሓቂ ብድሆ፥

ነቲ ሎሚ ኾነ ጽባሕ ክብሪ ዅሎም ደቅሰብ ኣብ ኵሉ ተግባራትና ዘተኰረ ሓባራዊ ጥቕሚ ከምኡ እውን ኣርኣእያ ምቕያር ናይ ስልጣነ ብድሆ እዩ፡

ካብቲ ቅልውላው በይንና ኣይንወጽእን ብሓባር ምሕናጽ የድሊ

ስለዚህ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ካብ ቅልውላው በይንኻ ምውጻእ ስለ ዘይከኣል” ከምእ እውን “ሓደ ሰብ ኪሕብኣሉ ዚኽእል ዶባት ፖለቲካዊ መናድቕ” ስለ ዘየለ “ብሓባር ምሕናጽ” ዝብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ድሕሪ እዚ ዕለት ኣርባዕተ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ብሓባር ምስ ናይ ሃይማኖት መራሕትን ተመራመርትን ስነ ፍልጠት ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ጻውዒት ሰነድ ዝተነብረ “ነቲ ኣብ መጻኢ ወለዶታት “ኣብታ ሰብ ዘይነብረላ ዓለም ክነብሩ እንፈቅድ ኣይንዅን” ዝብል ሓሳብ ዘኪሮም፥

እቲ ሓባራዊ ናይ ጻውዒት ሰነድ “ዘርኢ ግጭታት ዘይምግዳስ ድንቍርና ፍርሂ ምጒዳል ፍትሒ ሻቕሎት ከምኡ እውን ዓመጽ” ንምውጋድ ብምጽዓር ነቲ ናይ ሓባር ቤትናን ናይ ገዛእ ርእስናን “ባህሊ ኽንክን” ንምድጋፍ ሓላፍነት ክስምዓና ከም ዘለዎ የዘኻኽረና፡

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ኵሉ ዕማም የድልየና

“ከምዚ ዝኣመሰለ ህጹጽ ለጢ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዕማም - ቃል ኪዳን” ከም ዝሓትት ቅዱስነቶም ኣጒሊሖም፡ እዚ ኸኣ “ብናይ ገዛእ ርእስኻ እምነትን መንፈሳውነትን ክድልድልን ክተባባዕን ኣለዎ፡” ምኽንያቱ እቶም ኣብ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝመክር ዋዕላ ዝሳተፉ ፖለቲከይናታት “ነቲ እነብረሎ ዘሎና ማሓድሮኣዊ ቅልውላው ውጽኢታዊ ምላሽ ክህብሉን ከምኡ እውን “ንመጻኢ ወለዶታት ቅኑዕን ጭቡጥን ተስፋ” ከቕርቡ ዝተጸውዑ እያቶም”፥ እቲ ሓላፍነት እውን ዓለም ለኻዊ ምዃኑ ሓቂ እዩ።

ኵላትና - ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ ብዘየገድስ - ነቲ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ለውጢ ኵነታት ኣየርን ምዝባዕ ናይ ሓባር ቤትና ዘሎና ምላሽ ኣብ ምቕያር እጃምና ከነበርከት ንኽልእ ኢና!

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ከምዘጠናቐቑ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ወርሒ ሕዳር መባእታ 2020 ዓ.ም. ንኽካየድ ተወሲኑ ዝነበረ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ዓውደ ጉባኤ ብሰንኪ እቲ ለብዒ ናብ 2021 ዓ.ም. ዝተሰጋገረ ክኸውን እንከሎ። ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ምወዳእታ እቲ ኣብ ፓሪስ እተኻየደ መበል 21 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሙቐት ናብ 1.5 ዲግሪ ሰንት ግረድ ምቕያር ዝብል ውሳኔ ከምዘመሓላለፈን ብተወሳኺ እውን ሃገራት ነቲ ለውጢ ኵነታት ኣየር ዜምጽኦ ሳዕቤን ንምድራት ዝብሉ ሸቶታት ንምውቃዕ ዜድሊ ገንዘብ ከኣ ክንቀሳቐሳ ከምእተመባጽዓን እዚ ኸኣ ሃገራዊ ወፈያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ እቲ ከባቢ ኣየር ዝብክል ዝፍኖ ጋዛት ክሳዕ ክንደይ ከም ዚነከየ ዝሕብር ሃገራዊ መደብ ክህልወን እዚ መደብ እዚ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ናብ ዝበለጸ ምምሕያሽ ከብል ኣለዎ ዝብል ናይ ሓባር ውሳኔ ዘንበረ እዩ። ኣብቲ ካብ ዕለት 31 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 12 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ ግላስጎው ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ናይ ሃገረ ቫቲካን ልኡካን መሪሖም ዝሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምዝዀኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

30 Oct 2021, 09:53