ድለ

ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ኵነታት ናይ ደቀባት ሕቶ ምኽንያት ናብ ካናዳ ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ኵነታት ናይ ደቀባት ሕቶ ምኽንያት ናብ ካናዳ 

ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ኵነታት ናይ ደቀባት ሕቶ ምኽንያት ናብ ካናዳ

እቲ ዘሕዝን ርኽበት ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ስቓይን መከራን ንዘሎ ግንዛበ ክብ ዘብልን ናይ ካናዳ ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን ሰበ ስልጣናትን ነቲ ዘሕዝን ታሪኽ ንምብራህ ከምኡ እውን ብትሕትና ኣብ ናይ ዕርቅን ምሕዋይን መገዲ ንኽርከቡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ምስ ደቀባት ኣብ ምትዕራቕ እተጸምደ ኤጲስቆጶስ ናይታ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እትርከብ ሃገር ዘቕረቦ ናይ ይብጽሑና ዕድመ ክቕበልዎ ፍቓደይና ምዃኖም ከምዝገለጹን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ድማ እቲ ምብጻሕ መዓስ ከምዝካየድን ዝርዝር መደባቱን ብወግዒ ክሕበር ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 6 ሰነ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘዕረግሉ ሰንበት ነቲ ቕድሚ ሒደት ሰሙናት ዘኣጠመ ዘሰምብድን ዘይንጹርን ዜና እዚ ኸኣ ኣብ ሃገረ ካናዳ ኣብ ዝርከብ ጥቓ ካምሉፕስ ኢንዲያን መንበርን ቤት ትምህርትን ማኣከል ልዕሊ 200 ሬሳታት ደቀባት ካናዳውያን ዝሓዘ ጃምላዊ መቓብር ከምእንተረኽበን እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብተደጋጋሚ እተፈጸመ ጭካነ ዘርኢ ናይ ራዕዲ ማእከል ተባሂሉ ዝንገረሉን ዝፈጠረሎም ሓዘን ገሊጾም፥ እቲ ዘሕዝን ርኽበት ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ስቓይን መከራን ንዘሎ ግንዛበ ክብ ዘብልን ናይ ካናዳ ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን ሰበ ስልጣናትን ነቲ ዘሕዝን ታሪኽ ንምብራህ ከምኡ እውን ብትሕትና ኣብ ናይ ዕርቅን ምሕዋይን መገዲ ንኽርከቡ መታን ኣበርቲዖም ክዓዩ ይግባእ። እዚ ኣጸጋሚ እዋን እዚ ኵላትና ካብዚ ሎሚ ዘሎ ዓብላሊ ኣገባብን ካብ መግዛእቲ ፖለቲካዊ ጽንሰ ሓሳብ ክንርሕቕን ከምኡውን ብምምይያጥን ብምትሕብባርን ንባህላዊ መሰላትን ስነ ምግባራዊ ስርዓትን ናይ ኵሎም ካናዳውያን ኣፍልጦ ንምሃብ ብሓባር ክንዓዪ ሓያል ጻውዒት የቕርበልና ከምዝበሉ  ክዝከር እንከሎ። እቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከብ ኤጲስቆጶስ ብኡንብኡ “ብኽፍኣተይን” ቢሉ ናይ ዕርቅን ምሕረትን ኪደት ንምምብጋስ ኣሚቱ ንማሕበረሰብ ደቀባት ንምድጋፍ ዝተፈላለዩ መደባት ከሳልጥ ምዃኑ ኣፍሊጡ ከምዝነበረን በዚ ምኽንያት እዚ ብጹዓን ጳጳሳት ካናዳ ቅዱስነቶም ኣብ ሃገሮም ምብጻሕ ንኸካይዱ ዘቕረቦ ዕድመ ቅዱስነቶም ከምእተቐበልዎን መዓዝ ከምዝፍጸምዎን ናይቲ ምብጻሕ መደባትን ኵሉ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከምዝሕበር ዕለት 27 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ዝወጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዘስካሕክሕ ዓመጻ

ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት እተፈጸመ እተፈላለየ ዓመጻ ዚገልጽ ዛንታ ከምዘሎን፡ ከም ኣብነት ካብቶም ካብ መወዳእታ 1800 ክሳዕ መወዳእታ ስሳታት ኣብኡ እተኣከቡ ብገምጋም ካብ ኣርባዕተ ሺሕ ክሳብ 150 ሺሕ ዝኾኑ ደቀባት ቈልዑ ካብ ኣባይቲ ስድራኦም ተፈልዮም ኣብቲ “ካብ ቋንቆኦምን ባህሎም ክርሕቝን ነቲ ሓድሽ ኣብታ ሃገር ብመጻእተይናታት ሓያላን ዝተኣታተወ ቋንቋን ባህልን ክፈልጡ” ኣብ ዝብል ናይ ትምህርቲ መደብ ንኽሳተፉ ተገዲዶም ዝነብርሉን ንኻልእ ዝተፈላለየ ዓመጽ እውን ዝቃልዑሉ  ዝነበረ ኣብ 1978 ዓ.ም. ምሉእ ብምሉእ ዝተዓጽወ ቤት ትምህርቲ ይጥቀስ። ድሮ ሽማግለ ሓቅን ዕርቅን ካናዳ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ዓሚቝ መርመራ ብቐዳምነት በቲ ፈድራላዊ መንግስቲ ዘውጽኦ ስርዓተ ሕጊ መሰረት ንዘፈላለየ ዓመጽ፡ ንስእነት ዝተመጣጠነ መግብን ንኻልእ ዝተፈላለየ ዓመጽን ይቓልዑ ከምዝነበሩ ዝሕብር ሰነድ ወግዓዊ ከምዝገበረ ይዝከር።

ካብ በሰላ ናብ ተስፋ

ኣብ ርእስቲ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ናይ ጃምላው መቓብር ሕንጻታት ገለ ገለ ካብኡ ካናዳ ናይ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ንብረት ዝኾነ ሕንጻታት ዝርከብዎን ድሕርዚ ኣብ ጥቓ ማርቨል ኢንዲያን መንበርን ቤት ትምህርትን ሕንጻ ዝተረኽበ ኣስማቶም ናይ ዘይተነብሮ ናይ 715 ቘልሖ መቓብር ምስ ተረኽበ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ካናዳ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ደቀባት ብዘጋጠመ ግፍዕን ሞትን ዝተሰምዖ “ጣዕሳ” ገሊጹ “ነቲ ታሪኻዊ በሰላ” ኣፍልጦ ብምሃብ እቶም ደቀባት ናይቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ስቓይን ብድሆታትን ሎሚ እውን ገና ኣየብቀዔን” ቢሉ ንማሕበረሰብ ደቀባት ቅዉም ነገር ዘለዎ መብጽዓታት ከምዝኣተወን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ካናዳ መገልጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ነዊሕ ጒዕዞ

ብፍላይ ምስ እተፈላለየ ተበግሶታት ዕርቂ መሳለጢ ዝውዕል ብሃገራዊ ደረጃ ንሓሙሽተ ዓመት 30 ሚሊዮን ዶላር ከምእተመደበን ብዛዕባ እዚ ጒዳይ እዚ እውን መንግስትን ደቀባትን ከምዝመያጠጡን ኣብዚ መደብ እዚ እውን ቁምስናታትን ኤቅለስያውያን ተቕዋማትን ከምዝሳተፋን ከምቲ ናይ ረጂና ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ዶናልድ ቦለን ኣብ ናይ ካናዳ ተለቪዥን ቀሪቦም “ነዊሕ ጉዕዞ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ፡ ፍትሒ ክርከብ ምስቶም ደቀባት ብሓባር ምጒዓዝ የድሊ፥ ፍትሕን ዕርቅን ንምርካብ ቅዉም ነገር ዘለዎ ስጒምትታት ክቕጽል ኣለዎ።

30 Oct 2021, 09:44