ድለ

2021.10.07 Pontificia Universita' Lateranense 2021.10.07 Pontificia Universita' Lateranense 

ንመሬት ካብቲ ድሮ ንሕይወት ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ዘሎ ርኡይ ሓደጋ ነድሕን! ር.ሊ.ጳ

ኣብ ጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ላተራን ከተማ ሮማ ንኣከባብን ብኤኮሎጂ ዝፍለጥ ኣብ ልምድታት ህይወታውያን ምስ ከባቢኦም ኣብ ዘለዎም ዝምድና ዘተኰረ ጨንፈር ሥነ-ሕይወት ዝመራመር ሓዲሽ ክፍሊ ወይውን ፋካልቲ ብምጅማሩ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ብዕሊ ከምዝኽፈትዎ እንክምልከት፣ ቅዱስን ብፁዕን ፓትርያርክ በርጠለሜዎስ ቀዳማይን ናይ ዩነስኮ ኣመሓዳሪት ኦድረ ኣዙለን ከምዝተረኽቡን ‘ንፍጥረት ዘሎና ፍቅሪ ንምብሳር ዘሎና ግድነት ንካፈል’ ክብሉ ሓባራዊ ጻውዒት ከምዘቅረቡን ተገሊጹ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ከምቲ ደጋጊሞም ዝገለጽዎ ኣብ ርእሲ እዛ ሓባራዊት ገዛና ዝበልዋ መሬት ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ምናዳ ኸኣ ብኣና ብደቂ ሰባት ዝፍጸም ኣዕነውቲ ተግባራት ‘ግብረ እከይ’ ክብሉ እቲ ወዲሰብ ከይተረድኦን ፈሊጡ ኮነ ኢሉ ሸውሃት ስስዕቱ ከርዊ ኣብ ልዕሊ መሬትን ከባብን ዘውርዶ ዘሎ ሰፍ ዘይብል ክፍኣት ኣብ ምጒዳአ ክሊማን ማይን ሓመድን ከይተሓጽረ ነታ ምእንታኣ ኩሉ ፍጡር ዝቃለሰላ ሕይወት ብዓንዲ ርእሳ ካብ ገጽ ምድሪ ከየጽንታ ዘለዎም ስግኣት ‘ሕይወት ኣብ ሓደጋ ወዲቃ ኣላ’ እንክብሉ ነቲ እናረኣየን ከምዘይረኣየ ኰይኑ ገና ነቲ ኣዕናዊ ተግባር ኣብ ልዕሊ መሬትን ከባብን ዘውርድ ዘሎ ዘመደ ኣዳም ጻውዒቶም ኣቅሪቦም።

መማህራንን ተመሃሮን ጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ላተራን ዓመት መጸ ኣብዚ ግዝያት እዚ ዕላዊ መኽፈቲ ዓመት ትምህርቲ ንምግባር ኣብ ዝተጋብኡሉ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሓዲስ ጨንፈር ናይቲ ዪኒቨርሲቲ ንምምራቅን ብዕሊ ምኽፋት ዓመት ትምህርቲ ንምፍጻምን ቅዱስነቶም ኣብ ማአከሎም ተረኺቦም ብቀንዱ ነቲ ‘ምክንኻን ሓባራዊ ገዛና ዝኾነት ዓለምናን ደገፍ ፍጡርን’ ንምድንፋዕ ዝጅመር ዘሎ ሓዲስ ዙርያ ትምህርቲ ንምምራቅ ነበረ።

ቅዱስነቶም ንመማህራንን ተመሃሮን ከም መነቃቅሕቲ ኅብረተሰብ ኣብ ዘረባን ዝተባህለ ምድጋምን ዘይኮነ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ነፍስወከፍ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ሓላፍነቱ ለቢሱ ገለ ክገብር ክብገስ እንተዘየሎ ኣብ መንጎ እቲ ብዙሕ ዝዝረበሉን ዝጽንዓሉን መካነ ጥበብ ብቀንዱ ሕቶ ህላዌ ኣብ ጸገም ዘእቱ ቅልውላው ከባብን ናይዛ ሓባራዊት ገዛና እንብላ ንኩላ እተንብር ዓለምና ጉዳይ ወዓል ሕደር ዘይድልዮ ስለዝኾነ ህጹጽ ስጉምታት ክወስዱ ከምዘለዎም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

ነዛ ሓባራዊት ገዛና ዝኾነት መሬት ክንሕልዋን ክንከናኸናን ኣሎና፣ ካብቲ ንጥቅሚ ውሑዳን ቅልጡፍ ውጽኢት ንምርካብ ምስ ፖሎቲካን ቊጠባን ዝተኣሳሰረ  ኣዕናዊ ግብረ እከን ክንቊጠብ ኣሎና ኢሎም።

ንፍጡር ኣብ ምክንኻን ዝግበር ጻዕሪ ሓንቲ መብራህቲ! ፓትርያርክ በርጠለሜዎስ

ንቅዱስነቶም ኣሰንዮም ኣብቲ ዓቢይ ኣደራሽ ዓውደ ጉባኤ መካነ ጥበብ ዝተረኽቡን ብናይቲ መካነ ጥበብ ኣቦ መንበር ህየንተ ቅዱስነቶም ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ርእሰ መምህር ቪንቸሶ ቦንዎሞን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩ ሰላምታ ዝቀረበሎምን ናይ ዩነስኮ ማለት ሕቡራት ሃገራት ትምህርትን ሳይንስን ባህልን ውድብ ዋና ዳይረክተር ኦድረ ኣዙለን ቅዱስነቶም ክቡር ሓው ኢሎም ዝጽውዕዎም ናይ ቊስጥንጥናያ ፓትርያርክ ብፁዕን ቅዱስን በርጠለሜዎስ ቀዳማይን ነበሩ።

ቅዱስነቶም ምስ ክቡር ሓው ዝበልዎም በርጠለሜዎስ ‘ንፍጡር ክህሉ ዘለዎ ፍቅርን ንሓለዋኡ ዘድሊ ሓላፍነት ብሓባር ናይ ምእዋጅ ግድነት ንካፈል’ ምስ በሉ፣ ነቲ ኣብ ላውዳቶ ሲ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ዝበልዎ ‘ካብ በርጠለሜዎስን ካብ ቤተክርስትያን ቊስጥንጥንያን ዝመጽእ ብርሃን ሓያል ነበረ። ቅድሚ ኩለን ኣብያተ ክርስትያን ብ1989 ዓም ዕለት 1 መስከረም ንሓለዋ ፍጡር ትኹን ካብ ዝበሉ ምንባሮምን ከምቲ ኣብ 2003 በርጠለሜዎስ ዝበልዎ ከኣ ሓለዋ ፍጡር ካብቲ ኣነ ዝደልዮ ዝብል ኣምር ናብቲ ዓለምና ካብ እግዚኣብሔር ዝደልዮ ጉዳይ ስግር ብምባል ንዓለምና ካብ ፍርህን ህርፋንን ተጸጋዕነትን ሓራ ምውጻእ የድሊ ኢሎም።

ክፉትን ሥሩዕን ዘተ!

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቃላቶም ‘ገዓር መሬትን ገዓር ድኻታትን’ ብቅልጡፍ ጽን ቢልና ሰሚዕና መልሲ ክንህቦም ዝግበኣና ምዃኖም ንዝገልጽዎ ዳግም ብምዝኽኻር መካነ ጥበብ ላተራን ዝጅምሮ ዘሎ ሓዲስ ክፍሊ ትምህርቲ ከባብን ኤኮሎጆን ከም ቀንዲ ዕማሙ ‘ኣብ መሠረት ክፉትን ሥሩዕን ዘተ ብምንባር ምስ ኩሎም ብምዝታይ ንድምጺ ሓባራዊት ገዛና ዝኾነት መሬት ብከመይ ከም እንሰምዖን ከም እንርድኦን ዘኽእል ይኹን’ ኢሎም። እዚ ድምጺ እዚ ናይ ሸለልትነት መናድቅ ኣፍሪሱ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ፍልጠትን ምርምርን ኣትዩ ምሳኦም ዘትዩ ሰፊሕ ናይ ዘተ ዓውድታት ከፊቱ ነቲ ካብ ነንሕድሕዱ ተራሓሒቁ ዘሎ ሓባራዊ ጥቅምታት ከቀራርብን ከወሃህድን ኣለዎ ኢሎም። እቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ሳልስቲ ምስ በርጠለሜዎስን ናይ ኣንግሊካውያን ሊቀጳጳስ ጃስቲን ወልብዪን ካልኦት ዓበይቲ መራሕትን ብሓባር ከቲሞም ናብቲ ኣብ ግላስጎ ዚካየድ ብኮፕ 26 ዝፍለጥ ንከባብን መሬትን ዝምልከት ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝለኣኽዎ ጽሑፍ እውን ነዚ እዩ ዘንጸባርቅ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ንሃብቲ ዓለምና ነንሕድሕዱ ብዝደጋገፉሉ መንገዲ ከመሓድሩ ዝጽውዕ ነበረ።

መካነ ጥበብ ቦታ ኲስኰሳ ኤኮሎጂካዊ ሕልና ይኹን!

መካነ ጥበባት ወይውን ዩኒቨርሲታት ከምቲ ዝተዋህቦም ተልእኮ ክቡር ቦታ ኲስኰሳን ምስንዳውን ኰይኑ ነዚ ኣብነት ናይ ላተራን ጳጳሳዊ ዪኒቨርሲቲ ተኸቲለን ንዝተፈላለዩ ዓውድታት ፍልጠት ብምውህሃድ ተማህሮን መማህራንን ብሓባር ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ብምስትንታንን ብምዝታይን  ክሰዓብ ዘለዎ ሓደስቲ ጐዳናታት ፍልጠት ከዋድዱ ኣለዎም ዝበሉ ቅዱስነቶም፣ ካብ ነፍሲወከፍ ዪኒቨርሲቲ ‘ነዛ ሓባራዊት ገዛና ዝኾነት መሬትና ንምድጋፍ ፍረ ዘለዎ ሃሰሳ ንምክያድን ኤኮሎጂካዊ ሕላን ክዂስኩስ ኣሎኒ’ ኣብ ዝብል ሓላፍነታውን ተግባራውን ደረጃ ክሰጋገሩ ኣዘኻኺሮም።

“ንጥፈት ኣካዳሚ ንኩሉ ዘተሓባብር ኤኮሎጂካዊ ዘተ ከደንፍዕን ንጽባቄ ተፈጥሮ ንምዕቃብ ብዝበለጸ ከኣ ኣብ መንጎ ባህርያውን ኅብተረሰብኣውን ሳይንስ ማለት ናቹራል ኣንድ ሶሻል ሳይንስ ዘሎ ርክብ ንባበ መለኮታውን ፍልስፍናውን ሞራላውን ኣስተንትኖ ብምቅራብ ሕጋውን ጥዑይን ራእይ ቁጠባ ንዓለምና ከወፊ ኣለዎ ኢሎም።”

በዚ መንፍስ እዚ ከኣ እቲ በዚ ክፍሊ ትምህርቲ ማለት ፋኩልቲ ናይ ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲ ላተራን ዝቀርብ ንኤኮሎጅን ኣከባብን ዘጠቃልል መጽናዕታትን መደባት ትምህርትን ከሰናዱ ነዚ ከኣ በቲ ዩነስኮ ዘቅረቦ ኣተኲሮ ክግበር ከምዘለዎ ብምዝኽኻር ንዩነስኮ በቲ ዘቅረቦ ፍሉይ ኣተኲሮ ኣብ ልዕሊ ከባቢ ኣመስጊኖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ን2030 ከም ራእይ ዝተቀመጠ ዘርፈ ብዙሕ ዕላማታት ካብ ድኽነት ምውጋድ ጀሚርካ ክሳብ ጥዕናን ካልእ ሠናይ ነገር ደቂሰባትን ዝምልከት እቲ ግዜ እናጐየየ ስለዝኾነ ዝብጽሑ ኣይመስሉን ኣለው እሞ ነስተውዕል ዝብል ዘለዎ መልእክቲ ዝሓዘ ሓሳብ እውን ወስ ኣቢሎም።

ኣብ መወዳእታ ፓትርያርክ ቊስጥንጥንያ ብፁዕና ቅዱስን በርጠለሜዎስ ቀዳማይ እውን ናይዚ ስጉምቲ እዚ ኣድላይነት ድሕሪ ምግላጽ ናብ ትምህርትን ኲስኰሳን ምልስ ኢሎም ከኣ ‘ትምርህርቲ ሓያል መንቀሳቀሲ ምዕባሌ’ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ቅዱስነቶም ንመርሓ ግብር ናይቲ ትምህርቲ ማለት ካሪክለም ናይቲ ፋክልቲ በብሓደ ተመልኪቶም ክታሞም ከምዘንበሩሉ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
07 October 2021, 13:17