ር.ሊ.ጳ. ነቶም ብኣእምሮ ስንክልና ዝሳቐዩ ንበይኖም ኣይንሕደጎም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ነቶም ኣብቲ ጸሎት ዝሓበሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ መእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ዕለቱ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ስንክልና ኣእምሮ ምዃኑ ብምዝኽኻር ነዞም ብዙሓት መንእሰያት ዝርከብዎም ብኣእምሮ ስንክልና ዝሳቐዩ ኣሓትናን ኣሓትናን ብፍሉይ ከምዝሓሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ፍራንቸስኮ ደድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መላኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘቕረብዎ ቃለ ሰላምታ “ዕለት 9 ጥቅምቲ ኣብ ናፖሊ ዕለት 10 ጥቅምቲ ኣብ ካላብሪያ ብጽዕና ዝተኣወጀሎም እተን ቀዳመይቲ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ስድራን ማሪያ ሎረንዛ ሎንጎ ኣብ መበል 16 ክፍሊ ዘመን ዝነበት ኣብ 1519 ዓ.ም. ድሕሪ ዕረፍት በዓል ቤተን ኣብ ናፖሊ ነቶም መድሓኒት ብዝይተረኸበሉ ሕማም ንዝጥቅዑ መእለዪን ክላሪሰ ማሕበር ደናግል ካፑቺን ዝመስረተት “በዓልቲ ዓቢይ እምነትን ጽዑቕ ናይ ጸሎት ህይወት ዝነበረት፡ ንድኻታትን ኣብ መከራን ዝርከቡ ኣብ ምእላይ ትግህቲ” እንክብሉ ዘኪሮም እግዚኣብሔር ሓዳስ ብጽዕቲ ስለ ዝሃበና ነመስግኖ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኣባ ፍራንቸስኮ ሞቶላ
ብዛዕባ እቶም ኣብ ካላብሪያ ብጽዕና ዝተኣወጀሎም መስራቲ ማህበር ካህናትን ደናግልን ውፉያን ንቕድስ ልቢ መስራቲ ኣብ 1969 ዓ.ም. ዝዓረፉ ኣባ ፍራንቸስኮ ሞቶላ “ቀናእ ጓሳ ዘይሕለል ኣብሳሪ ወንጌል ኣብ ግብረ ሰናይን ምስትንታንን ናይ ዝተነብረ ክህነት ኣብነታዊ ምስክር” እንክብሉ ከምዝዘከረዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣብ ልዕሊ ስንኵላን ኣእምሮ ኣድልዎ ኣይገበር
ዕለት 10 ጥቅምቲ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዝዝከረሉ ዕለት ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ “ምእንቲ እቶም ብኣእምሮ ስንክልና ዝተጠቕዑን ከምኡ እውን ነቶም መብዛሕቲኡ ግዜ ግዳያት ርእሰ ቕትለት ዝዀኑ መንእሰያት ሓደራ ንዘክሮም” ምእንታኦምን ምእንቲ ኣባይቲ ስድራኦም ክንጽልይ ሓደራ እብል፡ በይኖም ምእንቲ ከይሕደጉ ወይ ኣድልዎ ምእንቲ ከይግበረሎም የገዳስ ሓንጎፋይ ቢልና ምእንቲ ክንቅበሎምን ክንድግፎን እዩ ዝግባእ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።
ዝኽሪ እናቴ በርናደት ዘንጽሕቲ ድንግል ማርያም
ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ምእመናን ሰላምታ ሂቦም ኣብ ሕንጻ ላተራነንሰ ኣብ ዝርከብ ቤተ ዕርቂ ብሰበኻ ሮማ ነተን ኣብ 2019 ዓ.ም. ብጽእና ንኽእወጀለን ዘድሊ ኪደት ንዝተበገሰለን እናቴ ማሪያ በርናደታ ዘንጽሕቲ ድንግል ማርያም ምእንቲ ቅልጡፍ ኣዋጅ ብጽዕናአን ንጸሊ” እንክብሉ ከምዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።