ድለ

ከይተወልዱ ንዝተቈጽዩ ናጽላታት ዝድወል ደወላት ወንጌል ሕይወት የበስር! ር.ሊ.ጳ

ሮቡዕ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2021 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ፍጻሜ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ካብ ሃገረ ፖላንድ ንምክልኻል ሕይወት መንፈሳዊ ንግደት ንዝፍጽሙን ስለእቶም ኣብ ማሕጸን ኣደታቶም እንከለው ብምንጻል ጽንሲ ሕይወቶም ዝስእኑ ናጽላታት ዝእውጅ ‘ድምጺ ዘይተወልዱ’ ዝብል ስም ዝተለጠፎ ዓበይቲ ደወላት ቤተክርስትያን እውን ባሪኾም። እዘን ደወላት እዚአን ናብ ኤካዶርን ኡክራይናን ክለኣኻ ምዃነን እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

‘ካብ ፅንሲ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ሕይወት ወዲሰብ ይተሓሎ’ ብዝብል መሪሕ ቤተክርስትያን ኣብታ ወላዲት ቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዝኾነት ሃገረ ፖላንድ ዝተፈላለየ ምንቅስቃሳት ካብ ዝካየድ ነዊሕ ኰይኑ። ኣብዘን መጨረሽታ ዓመታት ከኣ ድምጺ ናይቶም ድምጾም ገና ኣብ ገጽ ምድሪ ከይበጽሐ ዝተቈጽየ ናጽላታት ኣብ ሕልናኦም ኰይኑ ዘጽመሞም ሓደ ክልት ትጉሃት ምንቅስቃሳት ‘ድምጺ ናይቶም ገና ዘይተወልዱ’ ብዝብል ስም ዓበይቲ ደወላት ቤተክርስትያን እናሰርሑ ናብ መላእ ዓለም ክልእኩ ምስ ጀመሩ ካብ ካልእ ዓለማት እውን ነዚ ቅዱስ ኣብነት ዝኽተሉ ብዙሓት ከምዘለው ይምልከት።

እዚኦም ካብ ሃገር ፖላንድ ነቂሎም ስለዚ ቅዱስ ሓሳብ መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ምግባር ዝርከቡ ንእግረ መንገዶም ናብ ሃገረ ኤኳዶርን ሃገር ኡክራይናን ዝስደድ ደወላት ኣብ ዙርያኡ ‘ድምጺ ናይቶም ገና ዘይተወልዱ’ ዝብል ስም ዝተወቅሮ ሒዞም ናብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ብምዃድ ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅዱስነቶም ንምቅባልን ትምህርቶም ንምስማዕን እንክብሉ ኣብ ፍጻሜ እቲ ትምህርቲ ቅዱስነቶም ፍሉይ ሰላምታ ነዚኦም ጒጅለ ነጋድያን ኣብ ዘቅረቡሉ ከምዚ ክብሉ  ምስጋናኦም ገሊጾ።

ነዘን እዘን ደወላት ዝስደደለን ሃገራትስ ይኹን ንካልኦት ኩለን ሃገራት እዚ ምልክት እዚ ንሕይወት ሰብ ካብ ጽንሲ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ንምክልኻል ዘደንፍዕን ሓላፍነት ዘሰክምን ምልክት ይኹን።  ድምጺ ናይዘን ደወላት ንሕይወት ወንጌል ንመላእ ዓለም ንምስባኽ ንሕልንታት ኩሎም ደቂሰብ ዘነቃቅሕን ንድምጺ ናይቶም ገና ዘይተወልዱን ዘዘኻኽር ይኹን። ንዝጽነስ ነፍስወከፍ ሕጻን ኣብ ጸሎትኩም ኣማዕቁብ ከመይ ህይወት ነፍሲወከፍ ዝተጸንሰ ሕጻን ቅድስትን ዘይትገሃስን እያ። ብምሉእ ልበይ እባርኸኩም ኢሎም።

ሕልናታት ንምንቃሕ!

እዚ ብድምጺ ናይቶም ገና ዘተወልዱ ሕጻናት ዝብል ደወላት ናብ መላእ ዓለም ክዝርግሕ ኣብ ዝጀመረሉ ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 23 መስከረም 2020 ከምዚ ናይ ትማሊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘቅረቡሉ ነዚ ምንቅስቃስ ኣመልኪቶም ናብ ኣረቀቅቲ ሕጊ ‘ድምጺ ናይዘን ደወላትን ናይዚ ምንቅስቃስን ንሕልና ሓገግቲ ኣካላትን መላእ ሰብ ጽቡቅ ድላይን ናይ ሃገረ ፖላንድን ምሉእ ዓለምን የነቃቅሕ` እንክብሉ ጻውዒት ኣቅሪቦም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ድምጺ ናይቶም ገና ዘይተወልዱ ሕጻናት ዝብል ምንቅስቃስ ነቲ ናይታ ብዘይ ኣዳም ሓጢኣት ዝተጸንሰት ብፅዕት እኖና ድንግል ማይ ‘እሺ ሕራይ ንሕይወት’ ዝብል ምንቅስቃስ ሃገረ ፖላንድ ዝተወልደ ኰይኑ ኣብ ምክልኻል ናይቶም ገና ዘይተወልዱ ሕጻናት ዝዓለመ እዩ። ኣብተን ዝዝርግሕወን ደወል ኣብ ክንዮ እታ ድምጺ ናይቶም ገና ዘይተወልዱ ዕሸላት እትብል ጥቅሲ ብፁዕ ጀርዚ ፕፕየሉሽኮ ‘ሕይወት ሓደ ሕጻን ኣብ ትሕቲ ልቢ ኣዲኡ ይጅምር’ ዝብል ከምኡ እውን ‘ኣይትቅተል ዝብል ሓሙሻይ ትእዛዝ ይውቀጥ። እዘን ሎሚ ዝተባረኻ ደወላት ናብ ቊምስና ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ልቪቭ ሃገረ ኡክራይን ከምኡ እውን ናብ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ጉዋያኪል ሃገረ ኤኳዶር ክለኣኻ ምዃነን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
29 Oct 2021, 14:12