ጸሎት ሕመረት ተልእኮ ስብከተወንጌል ቤተክርስትያን እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
150 ዓመት ይገብር ኣብ ሃገረ ብራዚል ‘ሓዋርያነት ጸሎት’ ብዝብል ተልእኮ ሥራሑ ዝጀመረ ምንቅስቃስ ሎሚ ኣብ ኩሉ ኲርናዓት እታ ሃገር ካብ ዝተሓተ መጋበሪ ክሳብ ናይ ሎሚ መራኸቢ ብዙሓን ብምጥቃም ኣገልግሎት ጸሎት የወፊ ኣሎ። ንዝኽሪ መበል 150 ዓመቱ ከኣ ኣብ ኢቱ ትበሃል ክፍለ ሃገር ሳን ፓውሎ እትርከብ ከተማ ተጋቢኦም ብጸሎት ኣብ ዘመስግኑሉ ግዜ እዩ ቅዱስነቶም ብመንፈስ ምሳኦም ከምዝለው ብምግላጽ ኣድላይነትን ኣድማዕነትን ጸሎት ብምዝኽኻር ምስጋናኦም ዝገለጹ።
ስለ ቅድስት ቤተክርስትያን ስለ ግድነት ዘመደ ኣዳምን ብዘይምቊራጽ ብምጽላይ ምስቲ ዓለምለኸ መርበብ ጸሎትና ብምስታፍ ንእትህብዎ ምስክርነት ንኩልኹም አመስግነኩም። እዚ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት እዚ መሠረታዊ እዩ ምኽንያቱ ከኣ ጸሎት ልቢ ተልእኮ ቤተክርስትያን ጸሎት እዩ ኢሎም።
ብሓድነት እናሠመርኩም ጸልዩ!
ድሕሪ ሰላምታን ምስጋናን ቅዱስነቶም ኣድላይነት ጸሎትን ምስ ተልእኮ ቤተክርስትያን ዘለዎ ምትእስሳርን ንምግላጽ ‘ብዘይ ጸሎት ተልእኮ የለ ምስክርነት የለ ዋላ ኣብ ኣካል ቤተክርስትያን ሓድነት የለን። ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ከኣ ነቲ ዘመደ ኣዳም መልሲ ክህበሉ ዝግድድ ብዙሕ ግድላት ክትስዕር እዚ ሓድነት እዚ መሠረታዊ እዩ’ እንክብሉ ብከመይ ክጽልዩ ከምዘለዎም ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ምስ ልቢ ኢየሱስን ልቢ ማርያምን ተወሃሂድና ጸሎትና ንቀጽል በዚ ከኣ ንግድላት ሕይወት ክነሸንፍ ኢና ንታሕጓስን ተስፋን ወንጌል ከኣ ኣብ ዝተረኽብናሉ ክነስፋሕፍሕ ኢና፣ ልቢ ኢየሱስን ልቢ ማርያምን ይሓልውኹም ይከላኸሉልኩም ኣብ ፍቅርን ምሕረትን ከም እትዓብዩ ይግበሩኹም ኢሎም።
ሓጺር ታሪኽ ዓለምለኸ መርበብ ጸሎት!
ብሓፈሻ እንክረኤ ጸሎትን ቤተክርስትያንን ዘይፈላለዩ ወትሩ ካብ ምሥረታ ተሓባቢሮም ዝጐዓዙ እኳ እንተኾነ ስለ ኩሉ ግድነታት ቤተክርስትያን ዝጽልዩ ዝተፈላለያ ማሕበራትን ምንቅስቃሳትን ነዊሕ ታሪኽ ከምዘለወን ዝዝከር ኰይን ብዓለምለኸ ደረጃ ንኩሉ ዝተሓባብር ሓደ መርበብ ካብ ዝፍጠር ግን 175 ዓመት ኣቢሉ እዩ። እዚ ብሓውርያነት ጸሎት ዝፍለጥ ዓለምለኸ መርበብ ጸሎት ኣብ ቫል ዝበሃል ዓዲ ፈረንሳ ብ3 ታሕሳስ 1844 ዓም ኣብ ዝኽሪ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘሳቨርዮ ኣብ ሓደ ገዳም ዘርኣ ክህነት ኢየሱሳውያን እዩ ተጀሚሩ። ናይቲ ሽዑ ተማሃሮ ዘርኣ ክህነት ነቲ ካብ ርሑቅ ምሥራቅ በዓል ህንዲ ካብ ልኡካነ ወንጌል ደቂማሕበሮም ዝመጾም ዝነበረ መልእኽታት ብምንባብ ብዙሕ ይሰሓቡ ነሮም ንሶም እውን ኣብ ድሕነት ነፍሳት ብዝኾነ መንገዲ ክሳተፉ እጃሞም ከበርክቱ ይደልዩ ነሮም። ኣበነፍስ ናይቲ ዘርኣ ክህነት ከኣ ነዚ ብዝምልከት መንፈስ ቅዱስ ንዘብርሃሉ ነቶም መንእሰያት ነገሮም።
ሓዋርያነት ጸሎት ብቅድስት መንበር ይጸድቅ!
እዚ ብ1844 ዓም ኣብ ሓንቲ ገዳም ዘርኣ ክህነት ኢየሱሳውያን ዝጀመረ ሓዋርያነት ጸሎት ድሕሪ ብዙሕ መጽናዕትን ምስንዳው ሰነዳትን ብ1866 ዓም ብር.ሊ.ጳ ብፁዕ ፕዮስ ታሽዓይ ከም ቅዱስ ሠራዊት ቅንኣት ነፍሳትን ጸሎትን ኣጽደቅዎ። ካብ ሃገረ ፈረንሳ ናብ ሃገረ ጣልያን ተዘርገሔ ከምኡ እናበለ ናብ ብዙሕ ኩርናዓት ዓለም በጽሔ።
ዓለምለኸ መርበብ ጸሎት ሠለስተ ኣገደስቲ መደባት ኣለዋኦ። ብቀዳምነት ዕለት ዕለት ዝቀርብ ወፈያ ካልኣይ ብምልኣት ናብኡ ዝግበር ወፈያ ብሳልሳይ ደረጃ ኸኣ ስለ ካሕሳ ኩሉ በደላትን ምርኻስን ዝግበር ወፈያ እየን። ካብ 2020 ዓም ከኣ ር.ሊ.ጳ ከም ናይ ቫቲካን ተቊዋም ብምቅባል ሓዲስ ቅዋም እውን ብምእዋጅ ንመሪሕነቱ ንኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ ብምሻም ነቲ ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎቶም እውን ብቪድዮ ዝዝርግሖ እዚ ኣካል እዚ ክኸውን ወሲኖም ወርሒ መጸ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት የቅርብ ኣሎ።