ድለ

ኵለን ዝተፈላለያ እምነታት ብሓባር ንምክንኻን ዓለም፥ መጻኢ ንኽህልወና ኣገዳስነት ኣንፈት ምቕያር ኵለን ዝተፈላለያ እምነታት ብሓባር ንምክንኻን ዓለም፥ መጻኢ ንኽህልወና ኣገዳስነት ኣንፈት ምቕያር 

ኵለን ዝተፈላለያ እምነታት ብሓባር ንምክንኻን ዓለም፥ መጻኢ ንኽህልወና ኣገዳስነት ኣንፈት ምቕያር

መሬት - ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ወሪስና ንደቅና ምድረ በዳ ኽንሓድገሎም የብልናን። እዘን ቃላት እዚኣተን ዘንበረ ጻውዒት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብድሆታት “ነታ ጽብቕቲ ሓባራዊ ቤትና ኣብ ሓደጋ ከም ዘእትዋ” ብንጹር ዘርኢ ምዃኑ ኣብቲ ብሓባር ክታትሞም ዘንበርሉ ሰነድ ብኣጽንዖት ዝተመልከተ ሓሳብ እዩ

ድሕሪ ክታም ምንባርን ናይ ጽሞና ጸሎትን ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከምኡ እውን ሓንቲ መንእሰይ ተሳታፊት ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ መንእሰያት ንሓልዮ ከባቢ ኣየር ምንቅስቓስን ዕስራን ክልተን ተወከልቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣብቲ “እምነትን ስነ ፍልጠትን፥ ናብ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር” ኣብ ዝብል ዓውደ ጒባኤ ዝሳተፉ ዘለዉን ካብ ዓቢይ መምህር ኣልጣይብ ክሳዕ ሊቀ ጳጳሳት ዌልባይን ፓትሪያርን ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ናይ ኣይሁድን ቡድሃን ሃይማኖታት መራሕትን ዘስምዕዎ መደረን ዘንገደ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ናይ ሓባር ዋዕላ ከምእተኻየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ካብ መጀመርታ ዓመት ኣትሒዞም ዘቕረብዎ ጻውዒት ክታሞም ንምንባርን ነፍሲ ወከፎም ከከም እምነቶም ብህእባር ንምጽላይ ብፍላይ ነቶም ዝደኸዩ ብቐዳምነት ብሰንኪ ለውጢ ኵነታት ኣየር ዝጉድኡ ኣብ ልቦም ገይሮም ንምድሪ ሓባራዊ ቤትና ንምድሓን እተገብረ ቈራጽ ውሳኔ ንምግላጽ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝትከል ኣውልዕ ኣብ ዝሓዘ ሳርማ ልሙኦ ሓመድ ከምዘንበሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብቲ ሰኑይ ንጐሆ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን “እምነትን ስነ ፍልጠትን ናብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝከታተል መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ብምምዕዳው” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠን መራሕቲ ሃይማኖትን ኰዮኖም ዓለም ብእተኻእለ መጠን ነቲ ከባቢ ኣየር ዝብክል ዝፍኖ ጋዝ ከወግድን ነተን ድኻታት ሃገራት እውን ኣብዚ መዳይ ክዋስኣ ዘኽእለን ሓገዝ ክግበረልን ዝሓትት ናይ ሓባር ሰነድ ከምዝኸተሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መሬት - ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ወሪስና ንደቅና ምድረ በዳ ኽንሓድገሎም የብልናን። እዘን ቃላት እዚኣተን ዘንበረ ጻውዒት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብድሆታት “ነታ ጽብቕቲ ሓባራዊ ቤትና ኣብ ሓደጋ ከም ዘእትዋ” ብንጹር ዘርኢ ምዃኑ ኣብቲ ብሓባር ክታትሞም ዘንበርሉ ሰነድ ብኣጽንዖት ዝተመልከተ ሓሳብ እዩ።

ከባቢ ኣየር ዝብክል ጋዝ ናብ ዜሮ ምውራድ
ከባቢ ኣየር ዝብክል ጋዝ ናብ ዜሮ ምውራድ

ህብረ - ጸገማት

“ንደቅሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ብዙሓ ቅልውላው ኣብ መወዳእትኡ ምስ ስነ ምግባርን መንፈሳውን ቅልውላው እተተሓሓዘ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ከም ምክንኻን ተፈጥሮኣዊ ኣካባቢ መጠን “ነዛ እንነብረላ መሬት ኣብ ምውሕዋይ ናይ ምትሕብባር” ስነ ምግባራዊ ግዴታ ከም ዘሎ እቲ ሰነድ “መሰረት ተስፋን ትብዓትን የድልየና እዩ እንተዀነ ግን ንትረኻ ምዕባለ እውን ክንቅይሮ ኣሎና። ለውጢ ኵነታት ኣየር ኣዚዩ ሓደገይና እዩ” ብምባል የጒልሕ።

ከባቢ ኣየር ዝብክል ጋዝ ናብ ዜሮ ምውራድ

እዚ ሰነድ እዚ ዓለም ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ነቲ ዝፍኖ በካሊ ጋዝ መጠን ምንካይን በቢ ደረጃኡ ድማ ናብ ዜሮ ምውራድን ከምኡ እውን ነተን ዝደኸያ ሃገራት ኣብዚ መደብ እዚ ክዋስኣ መታን ድጋፍ ክግበረልን ይሓትት። ብተወሳኺ እውን መንግስታት “ናብ ጽሩይ ጸዓት ናይ ምስግጋር መስርሕ ንምድጋፍ ዘለዎም ብርቱዕ ድላይን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ክብ ንኸብሉን ዘላቒ ኣጠቓቕማ መሬት ክህሉን ስርዓት መግቢ ንኣካባብያዊ ምሹእን ንባህሊ እቲ ከባቢ ዘኽብርን ከም ዚኸውን ምግባር፡ ጥምየት ኬብቅዕ ከምኡ እውን ዘላቒ ኣነባብራን ኣገባብ ኣመጋግባን ምህርቲ ምፍራይን ንምድንፋዕ” ክዓዩ እቲ ሰነድ ይላበው።

ለውጢ ልቢ - ንዝቖሰለ ሰብኣውነትና ነሕውዮ

እቲ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ክታሞም ዘንበርሉ ናይ ጻውዒት ሰነድ፥ “ልምድታትና ምስ ምድርን ምስ ካልኦት ሰባትን ዘሎና ርክብ ብእተለወጠ ልቢ ክሕደስ እንክብል ለውጢ ልቢ ከምዘድል ኣመላኺቱ፥ “ሓባራዊ ቤትና ንምዕቋብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ እንተ ደኣ ኣባኺንና መጻኢ ወለዶታት ይቕረ ኣይክብለናን እዩ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ንምድሪ ካብቲ ዝወረዶ ማህሰይቲ ንምልቕቓ ዓሰርተ ዓመታት ጥራሕ ከምዝተረፈና የጠንቁቑ ኣለዉ። ነቲ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት መግስታት ዓለም ጉዳይ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንምውጋድ ዝዓዪ ቤት ምኽርን ኣብዚ ቤት ምኽሪ ዝጥርነፋ ሃገራት ኵለን ነቶም ዝቘሰሉ ደቅስብን ነታ ብሕድሪ እተዋሃበትና ናይ ሓባር ቤትናን ንምሕላው ንምሕዳስ ንምሕዋይ ቅልጡፍ ሓላፍነት ዝስምዖን ሓባራዊ ስጒምቲ ክወስድ ንልምኖ። ኩሉ ሰብ ኣብዚ ኣነተባብዖ ዘሎና ናይ ሓባራዊ ጒዕዞ ምስና ክሓብር ንምሕጸን።”

ነዚ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ክታሞም ኣንቢሮም ዘቕረብዎ ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻን ዝጽውዕ ሰነድ መሰረት ናይ እንግልጣርን ወይለስን ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ልምዓት ማሕበር ኣመሓዳሪት ክርስቲነ ኣለን፥ “ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት በዚ መገዲ እዚ ኽእከቡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ይሴባሕ  ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእክቲ ኣብ መራሕቲ ዓለምን ኣብቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ቤት ምኽርን ኣብ ዘካይዶም ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤታት ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተስፋ ዝገበርዎ ከኣ እዚ ሕጂ ዘሎ ምሕጽንታ ብሓቂ ዘድልዮ ብምዃኑ ተመሳሳሊ ጽልዋ ክህልዎ ተስፋ እገብር። ቅዱነቶም ሰኑይ ንጐሆ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ሓባራዊ ቤትና ንምክንኻን ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ብሓድሕዳዊ ምርኰሳን ፍቕርን ሓባራዊ ኣኽብሮትን እተቐርጸ ሓባራዊ መብጽዓ ክግበር ጻውዒት የቕርቡ፡ እዚ ዘቕረብዎ ጻውዒት ካብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣትሒዞም ብዘይ ምቑራጽ ዘቕርብዎ ዘለዉ እዩ” ኢለን።

ኵሉ ነገር እተተሓሓዘ እዩ

“ኵሉ ነገር እተተሓሕዘ ምዃኑ ዘለዎ ኣርኣእያ ነቲ ብዛዕባ ዘይንጽል ማሓድሮ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ምሉእ ብምሉእ መሰረታዊ እዩ። ክፍሊ ሓደ ነገር ከም ዝዀንናን ምስ ሓደ ነገር ከም እተተሓሓዝናን ዝሕብር እዩ። ተግባራትና ኣብ ካልኦት ሰባት ኰነ ኣብ መሬትና ዋላ ሓንቲ ጽልዋ ከም ዘይብሉ ጌርና ክንጓዓዝ ኣይንኽእልን ኢና።” ምስ በላ ኣስዒበን ድማ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ጒዳይ እዚ ምሉእ ብምሉእ ብእተፈላለየ መገዲ ገሊጾምዎን ብእተፈላለየ መገዲ ኽንርእዮን ይጽውዑና። ብዛዕባ ቝጠባን ፖለቲካን ጥራይ ዘይኰነ ከም ሰባት መጠን ንሓድሕድና ምስ ሓምላይ ሃብትን ብሓፈሻ ምስ መላእ ጸጋታትን ከባቢናን ብኸመይ ከም እንተሓባበር እውን እዮም ዝገልጹ” እንክብላ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

06 October 2021, 09:11