ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ብትብዓት ንእንነብረላ ምድሪ ንምድሓን ለውጢ ንግበር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም “ሰብኣዊ ሱር ማሓድሮኣዊ ቅልውላው” ንኸነለልይ ጻውዒት የቕርቡልና

“ስነ ማሓድሮኣውን ማሕበራውን ለውጢ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ንኣነባብራናን ኣገባብ ኣጠቓቕማና ሃብትታት እንነብረላ መሬት ኣብ ሓላፍነትን ኣኽብሮት ዝተመርኮዘ ክኸውን ኣብ ሕቶ ከነእትዎ ይግብኣና” ዝብል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብሕድሪ ኣብ ዝሃብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዕለት 1 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝተመሓላለፈ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፥ እዚ ምሕጽንታ ቅዱስነቶም ከምዘጒልሖ መንእሰያት ድሮ ይፍጽምዎ ከምዘለዉን፡ ነዞም መንእሰያት ከም ኣብነት ክንስዕቦም ለበዋ ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቶም “ኣብዚ ለውጢ እዚ ድሮ እተጸምዱ” መንእሰያት ብምስዓብ “ኵላትና ዝያዳ ርዝነትን ቁጥብነትን ማሓድሮኣዊ ዘላቕነትን ዘለዎ ውሳኔታት ንግበር።” ዝብል ሓሳብ ዝተሰምሮ ቅዱስነቶን ኣብ ወርሒ መስከረም ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ከምዝዘርገሖ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብነት መንእሰያት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጊሞም ኣካባብያውን ማሕበራውን ጒዳያት ኢድን ጓንትን ከምዝኾነን መንእሰያት ኣብዚ መዳይ እዚ ምምሕያሽ ክህሉ ዝመርሕ ተበግሶታት ብምውሳድ ዘርእይዎ ትብዓት ከምዘሐጊኦሶም እንክገልጹ፥

ንሕና ብዕድመ ዝደፋእና ክፍሊ ሕብረትሰብ ካብ መንእሰያት ብዙሕ ክንመሃር ንክእል ኢና ከመይሲ ምስ ምክንኻን እዛ እንነብረላ መሬት እዚኣ እተተሓሓዘ ኵሉ ነገራት ቀዳማይ ቦታ እዩ ዘለዎ፡ ካብኣቶም ሓደ ኣብነት ንውሰድ። ብፍላይ ኣብዚ ቅልውላው ጥዕና ማሕበራዊ ቅልውላው ኣካባብያዊ ቅልውላው ኣብ ዘጋጥመሉ ዘሎ እዋን ብዛዕባ ኣነባብራና ንስተንትን።

ትብዓት ዝመልኦ ውሳነታት ምግባር

ኣስዒቦም ክንምገብን ክንጓዓዝን ሃብቲ ማይ ክንጥቀምን ጸዓትን ወይ ከም ፕላስቲክ ዝኣመሰለ ንገራት ክንጥቀመሉ ከሎና ባህርያትናን እንኽተሎ ኣገባብ ምልስ ቢልና ንኽንሓስብ ሓቲቶም ነዚ ጉዳይ እዚ ናብ ለውጢ ዝመርሕ ጭቡጥ ስጒምት ንኽንወስድን ንጸሎትን፥

ክንልወጥ ኢና እምምርጽ! ምስ መንእሰያት ኴንና ናብቲ ዘይተሓላለኸን ከባቢ ዘኽብር ኣገባብ ኣጠቓቕማ ንመለስ፥ ኵላትና ትቦኣት ዝመልኦ ውሳኔታት ክንገብር ማለት ዝያዳ ቍጥብን ማሓድሮኣዊ ዘላቕነት ዝብል ሕይወት ዝድግፉ ውሳኔታት ንኽንስዕብ ንጸሊ

እንክብሉ ይዕድሙ።

እቲ ር.ሊ.ጳ. ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብቲ እነብሮ ዘሎና ወቕቲ ፍጥረት ዝሳዃዕ ኮይኑ ናይቲ ጸሎት ዕላማ ክፍሊ እቲ ዓለም ለኻውን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ኣብ ዘብዕለዎ ዓመታዊ በዓል ውቕቲ ፍጥረትን እዩ።

ካብ ዕለት 1 መስከረም ክሳዕ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ሓላዊ ማሓድሮ ዝበዓለሉ ዕለት 4 ጥቅምቲ ወቕቲ ፍጥረት እዩ፡ እዚ ወቐቲ እዚ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ተክርስቲያን ብሓባር ዝዋስኣሉ ናይ ምሕዋይን ተስፋን ባህሊ ዝቓልሓሉ እዩ።  ኣብቲ ዝተመሓላልፈ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ “ሓደ ንገር ክኽቕየር ከም ዘለዎ ንደቅሰብ ዝያዳ ፍልጠት ከም ዘሕድር ንግምባር ኣብ ዓለም ለኻዊ ደረጃ ዝርአዩ መጠንቀቕታታት እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ” ዝብል ሓሳብ ንረክብ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ምድሪ ብቕልጡፍ ናብ “ዘይምለስ ሕሉፍ” ኩነት ተብል ከም ዘላን እዚ ኸኣ ሰብኣዊ ፍጥረት ናብ ሰለስተ ዓይነት ብርቱዕ ሓደጋ ንኽኣትው ይገብሮ ከምዘሎን እዚ ኸኣ ምጥፋእ እተፈላለዩ ኣትክልትንለውጢ ኩነታት ኣየርን ብከላን ዝብል ምዃኑን እዚ ኸኣ ንህይወት ነፈሲ ወከፍ ሰብ ዝትንክፍ ረቛሒታት እዩ እንክብል መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ ይዝከር።

ቍጥብነትን ተሓባባርነትን፥ ንህጹጽ ለውጢ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም “ሰብኣዊ ሱር ማሓድሮኣዊ ቅልውላው” ንኸነለልይ ጻውዒት የቕርቡልና። በዚ ምኽያት እዚ ኸኣ እዩ እቲ ሰነድ ብዛዕባ ኣነባብራና ንኽንሓስብን ኣገባባትና ንምርዲ ክሳዕ ክንደይ ከም ዚጸልዋ ንኽንርእዩ ዝዕድመና። ናይ ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ርክብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ኣማሓዳሪ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ “ማሓድሮኣዊ ቅልውላው ኣገባባትና ቁጥብነትን ይኣኽለንን ምትሕብባርን ዝብል ክኸውን ናብ ዝድግፍ ኣነባብራ ብህጹጽ ክልወጥ ከምዘለዎ እዩ ዘመላኽተና”፥ ሓባራዊ ቤትና ንምዕቃብ ናይ ቃላት ውሳነ ንበይኑ እዅል ኣይኮነን ከምቲ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ- “ናብቲ ገርሄይናን ዘይተሓላለኸም ኣገባብ ህይወትን ናብ ሕውነት ምስ ፍጥረትን ነቶምም ኣዚዮም ስኡናት ዝኾኑ ቀረባ ናብ ምዃን ናብ ዝብል ንመለስ” እክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዘቕርብዎ ለበዋ የቃልሑ።

ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር

እቲ ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዝብል መጸውዕ ዕለት 3 ታሕሳስ 1844 ዓ.ም. ብኢየሱሳዊ ማሕበር ኣባል ኣባ ሳቨሪዮ ጓትረለት ከምእተመስረተን፡ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ብዝብል ስም ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሓደ ክኸውን እንከሎ እቲ ብክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዘመሓላልፍዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብዚ እዋን’ዚ ብ23 ቋንቋታት ዝትርጒም ከምዝኾነን ብናይ 114 ሃገራት ጋዜጣታት እውን ሽፋን ከምዝወሃቦ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

03 Sep 2021, 09:17