ብጹዕ ኣቡነ ቨርገዝ ኣልዛጋ ርእሰ ቤተ ምሕደራ ሃገረ ቫቲካን ንኽዀኑ ብር.ሊ.ጳ. ተሰምዮም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተወላዲ ስፐይን ብጹዕ ኣቡነ ኣልዛጋ ናይ ጳጳሳዊ ድርገት ርእሰ ምሕደረ ንኽኾኑን ከምኡ እውን ኣባ ኣንድረስ ጋብሪኤል ፈራዳ ሞረይራ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ንኽዀኑ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 76 ዓመት ዝዕድመኦም ናይ ጳጳሳዊ ድርገት ምሕደራ ሃገረ ቫቲካን ዋና ጸሓፊ ንዝነበሩ ብጹዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ቨርገዝ ኣልዛጋ ናብ ማዕርግ ሊቀ ጵጵስና ክብ ከብልዎምን ነቶም ኣብ 2011 ዓ.ም. ብበነዲክቶስ መበል 16 ናይ ጳጳሳዊ ድርገት ምሕደራ ሃገረ ቫቲካን ሓላፊ ኮይኖም ዘገልግሉ ንዝነበሩ 78 ዓመት ዝእድመኦም ብጹዕ ካርዲናል ጁሰፐ በርተሎ ንኽትክኡ ከምዝሰመይዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ብጹዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ቨርገዝ ኣልዛጋ ዝተቐበልዎ ሓላፍነት ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ክጅምሩ ምዃኖም ሓቢሩ።
ብተወሳኺ እውን ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ 2018 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር በዓል መዚ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ተወላዲ ሃገረ ቺለ ኣብ 1999 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ኣብ 2006 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ብቲዮሎጊያ ሊቕነት ዘመስከሩ ኣባ ኣንድረስ ጋብሬል ፈራዳ ሞረይራ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ እንክብሉ ከምዝሰመይዎምን ዝተወሃቦም ሓድሽ ሓላፍነት እውን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ክጅምሩን ናይ ቲበሪና ስዩም ጳጳስ እንክብሉ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣፍሊጡ።