ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ማሕበር ቅዱስ ኤጂድዮ ዘዳለዎ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ኮሎሰዩም
ድሕሪ ቐትሪ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብቲ ብምኽንያት “ሕውነት ህዝብታት፡ መጻኢ መሬት፡ ሃይማኖታትን ባህልታትን ኣብ ዓውደ ዘተ” ብዝብል ኣርእቲ ተመሪሑ ድሕሪ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ርክብ መዛዘሚ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኮሎሰዩም ኣደባባይ ኣብ ዝካየደ መደብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክሳተፉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ እንከፍልጡ፡ ናይቲ መደብ ኣሰናዳኢ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣቦመንበር ኢምፓሊያዞ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ር.ሊ.ጳ. ምሳና ክሓብሩ ዓቢይ ሕጐስ እዩ፥ እቲ ቅዱስነቶም ደሪሶም ዝለገስዎ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ንናይ ፖለቲካ መራሕቲ ከይተረፈ መርሕ ሰነድ እዩ ኢሎም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ማተዮ ብሩኒ፥ እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ሓሙስ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ ሎሚ ኣብ መበል 35 ሕታም ዝቐረበ ጥቓ ኣብ ኮሎሰዩም ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ብማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂድዮ እተወደበ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ክሳተፉ ምዃኖም ሓቢሮም። ናይቲ ርክብ ኣርእስቲ፥ “ሕውነት ህዝብታት፡ መጻኢ መሬት፡ ሃይማኖታትን ባህልታትን ኣብ ዓውደ ዘተ” ዝብል ክኸውን እንከሎ ከም ልምዲ መጠን ክፍሊ ናይቲ ድሕሪ እቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1986 ዓ.ም. ዘበገስዎ “ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖት ምእንቲ ሰላም ብሓባር ኣብ ጸሎት ናይ ዝብል ናይ “ናይ ኣዚሲ መንፈስ” እዩ ኢሎም።
እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ኮሎሰዩም ኣደባባይ ዝፍጸም መደብ ናይ ሓባር ጸሎት ምእንቲ ሰላም እቲ ካብ ዕለት 6 ክሳዕ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ዚፍጸም ድሕሪ እቲ ብሰንኪ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዘጋጠመ ናይ ጥዕና ቅልውላውን ከምኡ እውን እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ዓመጽን ግጭትን ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ እተፈላለየ ክፍለ ዓለም ዝተዋጽኡ ናይ ሃይማኖታትን ናይ ባህልታትን ናይ መንግስትን ትካላትን መራሕቲ ኣሳቲፉ ኣብ ሮማ ናይ ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ መዛዘሚ ምዃኑ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር ኣቦ መንበር ማርኮ ኢምፓሊያዞ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።