ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን መስከረም 11ን፥ ስቓይን ምሕረትን ዕርቅን
እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተፈጸመ ዘስካሕክሕ መጥቓዕቲ ግብረ ሽበራ፡ ዕስራ ዓመት የቝጽር። ብዛዕባ እቲ ዘስካሕክሕ ብዙሓት ንሞትን ንማህሰይትን ዘቃልዔ ግብረ ሽበራ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፥ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን በነዲክቶስ መበል 16 ከምኡ እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘስምዕዎ ቃል ምስል ቢልና ንርአ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ታሪኽ ዓለም ከምዚ ዝኣመሰለ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ክፍጸም እቲ ከም ሎሚ 20 ዓመት ዕለት 11 መስከረም 2001 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተፈጸመ ሉይን ተራእዩ ዘይፈልጥን እዩ። ዕለት 11 መስከረም ምዝካር ነቲ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ታሪኽ መበል ዕስራን ሓደን ዘመን ከም ብሓድሽ እተፈጸመ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ንኣእምሮ ዜጋታት ኵለን ሃገራት ምዝካር ማለት እዩ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው 20 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ልዕሊ እተን ሰማይ ጠቀስ መናቱ ሕንጻታት ዝተፈጸመ ሞትን ማህሰይትን መሪር ሓዘንን ዘስዓበ እዩ፡ 2996 ንሞት ካብዚኣቶም እቶም 19 ጨወይቲ ናይታ ብነፋሪት ናይ እተፈጸመ ኣርባዕተ ለኪምካ ናይ ምጥፋእ ግብረ ሽበራ ዝፈጸሙ ከምዝርከብዎም እዩ ዝፍለጥ። ዝኽሪ ዕለት 11 መስከረም ይብላ ኣብ ናይ ከተማ ኒው ዮርክ ቤት ምኽሪ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሕጊ “ቅዱስ ግደታ እዩ” ይብላ።
ናይ ር.ሊ.ጳ. መሪር ሓዘን፥ “ክንየው ስቓይ”
ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ከባቢ ሮማ ከተማ ክሳተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ር.ሊ.ጳጳሳት እዮም ዝነበሩ፡ ነፍሰ ሄር ዦኣኪን ናቫሮ - ቫልስ ንልዕሊ ዕሰራ ዓመት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ኮይኖም ኣብ እዋን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘገልገሉ “ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕትን ስዒቡ እውን ዝካየድ ዝነበረ ኵሉ ከይድታትን ስልኪ ደዊለ ሓቢረዮም፥ እቲ ብሲኤንኤን ዝመሓላለፍ ዝነበረ መግለጽን ሓበሬታን ዝፍነው ዝነበሩ ነቲ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ ዝምልከት ኣሳእል ኵሉ ነገርክዎም፥ ንሶም እውን ብቐጥታ ብተለቪዥን ክከታተልዎ ምስ ጀመሩ፡ ኣመና ተናወጹን ጒሃዩን፥ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘስካሕክሕ መጥቓዕቲ ከምይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል ከምዝበሉን፡ . . . ኣብቲ እዋን ብቐጥታ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ምስ ዝነበሩ ጆርጅ ቡሽ ብስልኪ ክራኸቡ ደለዩ ኰይኑ ግና እቲ ዝነበረ ኵነት ዘይፈቅድ እውን ብምንባሩ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ኣቢሎም ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም፡ ጸሎትን ቅርበቶም ከምዝረጋገጹን፡ ንጽብሒቱ እቲ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ነቶም ግዳያት ዝኾኑን ዝቖሰሉን ኣብ ስቓይን ንዝርከቡን ኣወፍዮም፡ እግዚኣብሔር ነቶም ግዳያት ዘለዓላማዊ ዕረፍቲ ከምኡ እውን ንስድራ ቤቶም ትብዓትን ምጽንናዕን ንኽህቦም ናብ ኣምላኽ እጽልይ” ከምዝበሉ ኣብቲ እዋን ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከምዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ዕለት 12 መስከረም ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ
ዕለት 12 መስከረም 2001 ዓ.ም. ንጐሆ ምእንቲ እቶም ግዳያት እቲ መጥቃዕትን ዝቖሰሉን ኣባይቲ ስድራ ምዉታትን መስዋዕቲ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ሓቢሮም፡ ነቲ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ዘጋጠመ “ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ጸልማት መዓልቲ ንኽብረት ሰብኣዊ ፍጥረት ውርደት ዝኾነ ዘስካሕክሕ ተግባር” እንክብሉ ገሊጾም፡ “ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጭካኔ” ቢሎም “ንስድራ ቤት ምዉታትን ቍሱላትን መንፈሳዊ ቅርበተይ እረጋግጽ፡ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ሓይሊ ጸልማት ዝሰዓረ እውን እንተመሰለ እቲ ኣማኒ እከይን ሞትን ናይ መደምደምታ ቃል ከም ዘይኮነ ይፈልጥ እዩ፥”
ትማሊ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ጸልማት መዓልቲ እያ ነይራ፡ እዚ ድማ ንሰብኣዊ ኽብረት ዘሕስር ዘስካሕክሕ ውርደት እዩ። ነዚ ሓበሬታ እዚ ምስ ሰማዕኩ ነቲ ፍልቀት እቲ ዅነታት ጽዑቕ ምክትታል ብምግባር ልባዊ ጸሎት ናብ ጐይታ ኣቕረብኩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዜስካሕክሕ ጭካነ ብኸይ ኪፍጸም ይኽእል? ልቢ ወድሰብ ሓድሓድ ግዜ ነቲ ህድእ ዝበለን ጻዕራምን ናብራ ሕዝቢ ብቕጽበት ከናውጽ ዝኽእል ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጭካነ ዝመልኦ ስርሒት ዘመንጭው ድቕድቕ ብዝበለ ጸልማት ክዕብለል ከምዝኽእል ነስተውዕል፡ እንተዀነ ግን ነቲ ዝተፈጸመ ግብረ ጭካኔን ሳዕቤናቱን ዝገልጾ ሓሳብ እዅል ኣብ ዘይኩነሉ እዋን እዚ እምነት ክትራኸበና ትመጽእ። ነቲ ኣብ ነፍስና ዚለዓዓል ሕቶታት መልሲ ኺህበሉ ዚኽእል ቃል ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ሓይሊ ጸልማት እኳ እንተሰዓረ እቲ ኣማኒ እከይን ሞትን ናይ መወዳኣታ ቃል ከምዘይኮነ ይፈልጥ እዩ። ኣብዚ ክርስቲያናዊ ተስፋ ኣሎ፡ ኣብዚ እቲ ብጸሎት እንገብሮ ትውክልቲ ኣብዚ እዋን እዚ ይድልድል። ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዚነብሩ ፍቝራት ሰባት ኣብዚ ትብዓት ሰናይ ፍቓድ ዘለዎም ብዙሓት ሰብኡትን ኣስንትን ዚፍተነሉ ዘሎ ጓሂ ኣብ ዝመልኦ እዋን እየ ዝዛረቦም ዘለዅ፡ ንስድራ ቤት ምዉታትን ቍሱላትን ብፍሉይ መገዲ ከምዘፍቅሮምን መንፈሳዊ ቅርበት ከምዘሎኒ ድማ ኣረጋግጸሎም።
ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ። ስለዚ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋዶ፥ ኣብቲ ዝወረደ ሓዘን ተኻፍፈልቲ ብምዃን ክጽልዩ ከምዝዓደሙን
ኣብ ዓለም ሰላም ይንገስ
ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ልክዕ ድሕሪ 11 መዓልቲ ናብ ኣርመንያን ካዛኪስታንን ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ መገሻን፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝደገምዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ “ኣብ ዓለም ሰላም ንኽህሉ ልባዊ ምሕጽንታ ከምዘቕረቡን ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ር.ሊ.ጳ. ንምእመና ናይ ኵለን ሃይማኖታት “ዓመጽ ዘይብላ ዓለም ንምሕናጽ ብሓባር ክዓዩ” ተላብዮም፡ እዚ ድማ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታታ ኣመሪካ እተፈጸመ ዘስካሕክሕ ተግባር ክፍጸም ብዘይምፍቃድ እዩ፡ ከመይሲ ሃይማኖት ምንጪ ግጭት ክኸውን ስለ ዘይክእል፥”
ካብታ ኣብ መንጐ እተፈላለየ መበቈልን ሃይማኖታውን ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ስኒት ከምዘሎ ኣብነት ኣብ ዝዀነት ካዛክስታን መጺአ፡ ኣብ ዓለም ሰላም ንኽህሉ ክርስቲያንን ኣባላት ኵለን ሃይማኖታት ጐነጽ ዘይብላ ህይወት እትፈትዉን ኣብ ፍትሕን ሓድነትን እትዓብን ዓለም ንምሕናጽ ብሓባር ክዓዩ ልባዊ ምሕጽንታ አቕርብ። እቲ ዝኾነ ነገር ነቲ ምፍልላይ ኬጋድዶ ኣይንፍቀደሉ፡ ሃይማኖት ምንጪ ግጭት ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ካብዚ ቦታ እዚ ተበጊሰ እቲ ዓብዪ ውህበት ሰላም ኣብ ዓለም ምእንቲ ኪገዝእ - ኪነግስ ክርስቲያንን ኣስላም ናብቲ ዅላትና ደቁ ዝዀንናሉ ሓደን ከሃሌ ኵሉን እግዚኣብሔር ዓቢዪ ጸሎት ኬበግሱ እዕድም። ኵሎም ህዝብታት ብመለኮታዊ ጥበብ ተደጊፎም ጽልእን ኣድልዎን ዓመጻን ዘይብሉ ስልጣነ ፍቕሪ ንምህናጽ ኣብ ኵሉ ቦታ ክዓዩን ዓለም ብሰላም ምእንቲ ክነብር ብምሉእ ልበይ ናብ ኣምላኽ እጽሊ፥ ኣሜን!
ከምዝበሉን ድሕርዚ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣሰር እቲ ኣብ 1986 ዓ.ም. እተበገሰ ታሪኻዊ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ኣሲዚ፥ ኣብ 2002 ዓ.ም. ኣብ ወርሒ ጥሪ ክካየድ ዓደሙ። ንላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ኵለን ሃይማኖታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥
ብዛዕባ ጽሕፍቶ ዓለም ኣመና ኣብ ዝጭነቐሉ እዋን ነቲ መሰረታዊ ሰናይ ሰላም ንምክልኻልን ንምድንፋዕን ብብሕትኻ ገዛእ ርእስኻ ምእንቲ ሰላም ንምውፋይ ግዴታ ዝያዳ ኣገዳሲ ሕይወት እዩ፡
ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ የዘኻኽር።
ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት
እቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዕለት 11 መስከረም 2001 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ግብረ ሽበራ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ዕለት 11 መስከረም 2002 ዓ.ም. ኣብ ሮብዕ ከምዝወዓለን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ እቲ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕት እናሓሰቡ ኵሎም እቶም ኣደዳ ዝኾኑ ኣብ ጸሎትም ዘኪሮም፡ እታ መዓልቲ ዝኽሪ እቲኣ ንእግዚኣብሔር ኣወኪፎም፡ “እቲ ብሕልና ደቅሰብ ዝእወጅ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ሕግን ስርዓትን ዝተነብረን ንማህበራዊ ሰላማዊ ሕይወት ኣገዳሲ ዝኾነ ብሓልዮት ኣምላኽ ዝተዓደለ ነቲ ዘይበርስ ሰብኣዊ ክብረት መሰረት፡ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንህይወቱን ክብርቱ ናይ ምኽባር መሰልን ግብእን ኣለዎ” ብምባል ኣትሪሮም ከምዘረጋገጹን፡ “ፍቕሪ ኣብ መላእ ኵርናዕ ዓለም ንጽልእ ብናይ ክሉ ሰብ ሰናይ ፍቓድን ግብርን ስምምዕን ምትሕብባርን ቃል ኪዳን ክትካእ” እጽሊ ከምዝበሉን፥ ኣብ 2002 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ኣብ ፍትሕን ይቕረታን - ምሕረትን ዘተኰረ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም፥
እቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዘጋጠመ [ …] ነቲ መብዛሕቲኡ ግዜ ኻብ መዓሙቝ ልበይ ዚውሕዝ ምስትንታን ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ ግዜ ንእሰነተይ ኣብ ሕይወተይ ዘጋጠመ ታሪኻዊ ፍጻመታት ንኽዝክሮ ኣለዓዒሉኒ እዩ። እቲ ብሰንኪ ውልቀ - ምልካዊ ስርዓት ናዚን ዴስነትን ዝመጸ ብዙሓት ፈተውተይን ዝፈልጦምን ሰባትን ዚርከብዎ ህዝብታትን ውልቀ ሰባትን ዜሕልፍዎ ዝነበሩ ኸብዲ ስቓይ ንነፍሰይ ወትሩ ኣብ ሕቶ የእታዋን ንጸሎት የለዓዕላን እዩ። ብተደጋጋሚ ‘ንቲ ብኣረመናዊ መገዲ እተጣሕሰ ስነ ምግባራውን ማሕብራውን ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ናብ ምምላስ ዚመርሓሉ መገዲ እንታይ እዩ?’ ንዚብል ሕቶ ኽሓስብ ከለዅ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ራእይ ብምምዝዛንን ፍትሕን ይቕረታን ብምጥማር ብዝብል ኣገባብ እንተዘይኰይኑ እቲ እተበላሸወ ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ከምዘይምለስ ጽኑዕ እምንቶ ኣሎኒ፥ ኣዕኑድ ናይ ሓቂ ሰላም ፍትሕን እቲ ዝምሕር ፍቕርን እዩ።
ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ምሕረት ኣምላኽ
ኣብ ሻድሻይ ዓመት ዝኽሪ መጥቓዕቲ ኣብ ኔው ዮርክ መናቱ ሰማይ ጠቀስ ሕንጻ ድሕሪ ሒደት መዓልታትን ዕለት 11 መስከረም 2007 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ዕለት 14 መስከረም ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ዘኪሮም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብታ ካብ ኵሉ እከይ ዝሓየለት ምሕረት ኣምላኽ ብምትኳር፥ እቲ ዘስካሕክሕ ተግባር “ንወጋሕታ ሳልሳይ መዋዕል ብኸመይ ከም ዝኽውሎ” ኣጒሊሖም፥
ድሕሪ እቲ ንወጋሕታ ሳልሳይ መዋእል ዝኸወለ ዕለት 11 መስከረም 2001 ዓ.ም. ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመታት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንኽርስትያን ማሕበርሰብን ነቶም ሰናይ ፍቓድ ዘለዎም ሰባትን ምሕረት ኣምላኽ ካብ ኵሉ እከይ ዘበለ ኵሉ ከም እትብርትዕ ከምኡ እውን ድሕነት ዓለም ኣብ መስቀል ክርስቶስ ጥራይ ከም ዝርከብ ክኣምኑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም፡ እታ ትማሊ ዘስተንተንናያ ኣብ እግሪ መስቀል ህልውቲ ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያን ወትሩ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ናይ ምውካል ውህብት ትህበና ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦና መሓርቲ ንኽንከውን ድማ ትሕግዘና፡
ከምዝበሉን፥
ታሪኻዊ ምብጻሕ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ግራውንድ ዜሮ
እዋኑ ዕለት 20 ሚያዝያ 2008 ዓ.ም. እዩ ዝነበረ። ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ኣብቲ ብዘስካሕክሕ ብግብረ ሽበራ ዝዓነወ ማናቱ ሰማይ ጠቀስ ሕንጻታት ኣብ ዝነበረሉ ግራውንድ ዜሮ ዝብል መጸውዕ ኣብ እተወሃቦ ስፍራ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብኡ ተንበርኪኾም፡ ንጐይታ “ኣብታ ዓመጽ ዝመልኣ ዓለም ሰላም ኬምጽእ” ተማሕጺኖም ንስድራ ቤት እቶም ግዳያት ከኣ “ብትብዓትን ተስፋን ንምንባር ብርታዐ” ኪህቦም ከምዝጸለዩን፡ ነቶም ኣብ ፐንታጐን ከምኡ እውን ኣብ ሻንክስቪለ ኣብ ፐንስይልቫኒያ ዘፍቅርዎም ሰባት ዝተቐተለዎም እውን ከምዝዘከሩን፥ “ኦ ጐይታ፥ ኣጸናንዓና ብተስፋ ኣበርትዓና ነታ ሓቀይና ሰላምን ፍቕርን ኣብ መንጎ ኣህዛብን ኣልባብን እትገዝኣላ ዓለም ደኺመ ከይበልና ንኽንዓዪ ድማ ጥበብን ትብዓትን ሃበና” ዝብል ጸሎት ከምዝደገሙ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ፍቅርን ተዘክሮን ዘለዎ ሓይሊ
ኣብቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት በቲ ትርጉም ኣልቦ ብዝዀነን ክትሓሰቦ ብዘሸግር ተግባር ዕንወትን ቅትለትን ዝተፈጸመሉ ግራውንድ ዜር ምምጻአይ ኣተፈልየ ስምዒት የለዓዕለለይ፥ ኣብዚ እቲ ቓንዛ ብንጹር ንርእዮን ነስተውዕሎን” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 መስከረም 2015 ዓ.ም. ካብ ኩባን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዝፈጸምሉ እዋን ኣብ ግራውንድ ዜሮ ምብጻሕ ኣካይዶም ዝበልዎ ክኸውን እንከሎ፥ “ነታ ሓቀይና ሰላምን ፍቕርን ኣብ መንጎ ሃገራትን እትገዝኣላ ዓለም ደኺመ ከይበልና ንዕየይ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
እቲ ናብዚ ባዶ ዝኹነ ማእከል እዚ ዚውሕዝ ዘሎ ማይ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ትሕቲ ቝጽጽር እቶም ግጭት ንምፍታሕ እንኰ መገዲ ጥፍኣት ከም ዝኹነ ዚኣምኑ ሰባት እዩ ዜዘኻኽረና። እቶም ብኣካሎም እትሳቐዩን ብምኽንያት ዓመጽን ጽልእን ሕነፍዳን ስቓይ ዝወረዶምን ኣደዳ ዝኾኑን እዩ ዜዘኻኽረና። ስቓይ መከራ ጥፍኣት ንብዓት ጥራይ ኬስዕብ ዝኽእል ተግባር እዩ፡ እቲ ዝውሕዝ ማይ እውን ምልክት ንብዓትና እዩ፡ ኣብ ኵሉ ስፍራ ኣብ ዝፍጸም ዕንወት ናይ ዝፈጥሮ ንብዓት ምልክት እውን እዩ፡ ኣብዚ ቦታ እዚ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኬጋጥመና ከሎ ተስፋ ክንቈርጽ ከለና ዘይምስምማዕና ብምዝርራብን ብዘተን መፍትሒ ኽንረኽበሉ እኳ እንተዘይከኣልና ስለ እቲ ዝስምዓና ስቓይን ንነብዕ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ነቲ ሓባራዊ ጥቕሚ ዚኸውን መፍትሒ ኽንረክብ ብዘይምኽኣልና ንጹሃት ሰባት ብዘይፍትሓውን ብዜስካሕክሕን መገዲ ስለ ዝጠፉኡና ንበኪ` ብዛዕባ ትማሊ ዝነበረ ንብዓትን ናይ ሎሚ ንብዓትን ዘዘኻኽረና ማይ እዩ።
ቅዱስነቶም ቅድሚ እቲ ኣብ ግራውንድ ዜሮ ዘካየድዎን ዘስምዕዎም ቃል ምስቶም ዕለት 11 መስከረም 2001 ዓ.ም. ፍቑራቶም ዝሰኣኑ ስድራ ቤት ምዉታትን ተራኺቦም፥ “ጥፋእትን ዕንወትን ከመይ ኢሉ ኢ-ኣካላዊ ከምዘይኮነን ሰብ ዝፍጽሞ ከምዝኾነን ብጭቡጥ ዳግም ከስተውዕል ኪኢለ እየ። እንተ ዀነ ግን ልዕሊ ዅሉ ገጽን ታሪኽን ከም ዘለዎ ጭቡጥ ስማት ከም ዘለዎ እዩ - ዜሰንብደካን ናብ ሰማይ ዝግዕር ስቓይ!” ይዅን እምበር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ገጽ ኣባላት ስድራ ቤት ምውታት ነቲ “ካልእ ሸነኽ እቲ መጥቓዕቲ፥ ወይ በቲ ካልእ ሸነኽ ማለት ሓይሊ ፍቕርን ተዘክሮን” እንክብሉ ይገልጽዎ፡ ባዶ ዘይገብረና ተዘክሮ። ድሕሪ እዚ ር.ሊ.ጳ. ነቲ ሓባራዊ ረብሓ ዝኸውንፍትሕን ንጹሃን ናጻ ንምግባርን ሓራ ንምውጻእን ዝዓዩ ይዝክሩ፥
ኣብዚ ብርቱዕ ስቓይ እናሃለወ ክነሱ ነቲ ወድሰብ ክእለት ዘለዎ ወትሩ ኽንስሖ ዘሎና ስዉር ሓይሊ ናይ ጅግንነት ሕያውነት ናይ ምርካብ ተኽእሎ ብኣእዳውና ኽንትክፎ ንኽእል ኢና። ኣብታ ብርቱዕ ስቓይን መከራን ዝሕለፍካላ ህሞት እቲ ዝዓበየ ወፈያን ሓገዝን ክትግበር እንከሎ ዝረኣዅም መሰኻኽር ኢኻትኩም፡ ኣእዳው ዘርጊሑ ህይወት ሰባት ዘሀልው፡ ኣብ ሓንቲ ስምና ዘይፍለጥ ጽምዋ ዚስምዓላ ከተማ ሓባራዊ ሓገዝን ፍቕርን ብሕታዊ መስዋዕትን ዘለዎ ሓያል ሓድነት ከነርኢ ኪኢልና ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ ደም መበቈል ጐረባብቲ ሃይማኖት ወይ ፖለቲካዊ ምርጫ ሕቶ ኣይነበረን፡ ናይ ሓድነት ህጹጽ ኵነታት ከምኡ እውን ናይ ኣሕዋት ሕቶ እዩ ነይሩ፣ ጒዳይ ደቅሰብ እዩ ነይሩ። መጥፋእቲ ባርዕ ሓዊ ኒው ዮርክ ንህይወቶም ብዙሕ ኣቃልቦ ከይገበሩ ናብቲ ዝፈረሰ መናድቕ ኣተዉ። ብዙሓት ኣብ ኣገልግሎት ምድሓን ሰብ ወዲቖም መስዋዕቶም ከኣ ንህይወት ብዙሓኣት ሰባት ኣድሒኑ እዩ።
ኣብ ናይ ሰላም ዓለም ተስፋ
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም “ህይወት ወትሩ ኣብ ልዕሊ ነብያት ጥፍኣት ኣብልዕሊ ሞት ከም እትዕወት” ከምኡ እውን “ሰናይ ወትሩ ኣብ ልዕሊ እከይ ከም ዝዕወት” ከምኡ እውን “ኣብ ልዕሊ ጽልእን ምግምማዕን ዝዕወት ዕርቅን ሓድነትን” ከምዘሎ ይገልጹ። ምስ መራሕቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብምትሕብባር “ንህይወት እዛ ከተማ እዚኣብ ዘበልጽግዋ” ብምባል ድሕሪ 14 ዓመት እቲ መጥቃዕቲ “ኣብ ፍልልያት ኣብ መንጐ ፍልልያት ኣብ ሰላማዊ ዓለም ምንባር ይከኣል እዩ፡ ስለዚ ሓደ ዓይነት ንምዃን ንዝግበር ዝዀነ ይዅን ፈተነ ንምስናፍ ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላም ንኽንዓይኑ ዘብቅዓና ሓይሊ ክንረክብ ንሰማየ ሰማይ ንሕተት፥”
ኵሉ ሓደ ዓይነት ንምግባር ኣብ ዝፍትን ዝኾነ ይዅን ጻዕሪ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ እተፈላለየ ቋንቋታትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ተኣኪብካ ንዅሉ እቲ ኺዓግቶ ዚደሊ ነገራት ክትገልጽ ይከኣል እዩ። ሎሚ ብሓባር ኴንካ ሓደ ዓይነት ንምዃን ንዝግበር ዝዀነ ይዅን ፈተነ ‘ኣኣይፋል’ ከምኡ እውን ‘እወ’ ንእትቕበሎን እተዓርቀን ፍልልይ ንኸነብል ተዓዲምና ኣሎና። ነዚ ዕማማ እዚ ኢልና ነቲ ናይ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ቂምን ስምዒትና ኸነጥፍኦ ኣሎና። እዚ ከም ውህበት ሰማይ ጥራይ እዩ ኺከውን ከም ዚኽእል እውን ንፈልጥ ኢና። ኣብዚ ቦታ እዚ ነፍሲ ወከፍም በብመገዲ ግናኸ ብሓባር እዮም ዚዝከሩ። ሓንሳእ ስቕ ክትብሉን ክትጽልዩን እመኽረኩም። ንሰላም ኢልና ርእስና ናይ ምውፋይ ውህበት ኪወሃበና ንሰማየ ሰማያት ንለምኖ፡ ኣብ ኣባይትና ኣብ ስድራ ቤትና ኣብ ኣብያተ ትምህርትና ኣብ ማሕበረሰብና ሰላም ይብጻሕ። ኣብቲ ወግእ መወዳእታ ዘይብሉ ዝመስል ቦታታት ሰላም ክህሉ እዩ። ሰላም ኣብቶም ስቓይ እንተዘይኰይኑ ካልእ ዘይፈልጡ ወጅህታት። ኣብዛ ኣምላክ ከም መንበሪ ኵሉ ንዅላትና ዝሃበና ሰፊሕ ዓለም ሰላም ይሃሉ። ሰላም ጥራሕ!
ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።