ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ኣብ ስሎቫኪያ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ኣብ ስሎቫኪያ 

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ኣብ ስሎቫኪያ

ር.ሊ.ጳ. ብጠቕላላ ነቶም 53 ኣብ ስሎቫኪያ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ብፍሽኽታ ሓንጐፋይ ቢሎም ተቐቢሎም፡ ንሕቶቶትም ሰሚዖምን ንገለ ካብኣታቶም እውን ባዕሎም ሕቶ ብምቕራብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ብራቲስላቭ ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ምስቶም ኣብ ስሎቫኪያ ዘገልግሉ ዘለዉ ደቂ ማሕበሮም ኣባላት ኢየሱሳውያን ካህናት ንሓደ ሰዓትን ፈረቓን ዝኸውን ብሕቶን መልስን ብዝተሰነየ ርክብ ከምእተመያየጡን ቅዱስነቶም ኣብዚ ብዙሕን ዝተሓላለኸን ከምኡ እውን ለብዕን ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝነጽግ ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉን ዋሕዲ ጸዋዕታ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ኣብ ልኡካነ ወንጌል ኣገልግሎቶም ከምዘተባብዑዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ብጠቕላላ ነቶም 53 ኣብ ስሎቫኪያ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ብፍሽኽታ ሓንጐፋይ ቢሎም ተቐቢሎም፡ ንሕቶቶትም ሰሚዖምን ንገለ ካብኣታቶም እውን ባዕሎም ሕቶ ብምቕራብ፥ ኣብቲ ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝነጽግ ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ነቶም ካህናት ኣብ ተልእኾ ኣገልግሎት ወንጌል ኣተባቢዖም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ስሎቫኪያ ብጠቕላላ 80 ኢየሱሳውያን ካህናት ከምዘለዉን እቶም 53 ጥራሕ ኣብቲ ርክብ ክሳተፉ ከምዝኸኣሉን ንዅሎም ኣብቲ ዘካይድዎ እተፈላለየ ሃዋርያዊ ተልኾኦም ክቕጽሉ ካብ ቅዱስነቶም ከምእተተባብዑን፡ ቅዱስነቶም ዝሃብዎ ምትብብዕ እቲ ሎሚ ብለበዳ ኮቪድ - 19 ዝልለ ዘሎ ኣጸጋሚ እዋን ጥራይ ዘይኮነስ ብሰንኪ እቲ ኣብ ምልእቲ ኤውሮጳ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሃይማኖትን ግብረ ገብ ንዝነጽግ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ እውን ቍጽሪ ህዝብን ጸውዕታን እናነከየ ይኸይድ ከምዘሎ እውን ኣብ ግምት ዘየእተወ ኣይኰነን። “ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ኢና እንሓስብ” . . . ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ስርዓት ዴስነት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብሕቡእ ኣተገልግል ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ይብሉ ኣባ ጆሰፍ ሓደ ካብቶም ኢየሱሳውያን ካህናት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ማሕበር ሓደስቲ ኣባላት ሰብ ጸዋዕታ ብሕቡእ ይሓንጽ ከምዝነበረን እቲ ህዝቢ ብጠቕላላ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ብዘይ መንፈሳዊ ሕንጸት ከይሓልፍ ገይሩ እዩ እክብሉ ንቕዱስነቶም ከምዝሓበርዎም ይገልጹ።

ሓደስቲ ብድሆታት

ሕጂ ኣብ ቅድሜና ሓደስቲ ብድሆታት ኣሎ እንተኾነ ግን ይብሉ እቶም ኢየሱሳዊ ካህን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ካብ ር.ሊ.ጳ. ከምዚ ዝኣመሰለ ምትብባዕ፡ ጸገማትና እናሃለወ ክነሱ እንገብሮ ነገራት ኵሉ ተስፋ ብዘይ ምቝራጽ ንቕድሚት ክንብል ዝሕግዘና እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ኢየሱሳዊ ከም ካህን ምስቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኢየሱሳዊ ካህን ጸዋዕታ ዘተኣሳስሮ ቡራኬ ንናይ ኢየሱሳዊ ካህን መንነት ዘደልድል እዩ፡ ቀረባኦም ምዃን ዝኾነ ይዅን ዕንቅፋት ከይከብደካ ዝገብር ሓልዮት እዩ” ኢሎም።

ሕቶን መልስን

እቲ ዝተኻየደ ርክብ ናጻን ሕውነታዊ መንፈስ ዝዓሰሎን ከምዝነበረ እዚ ኸኣ ብሕቶን መልስን ዝተሰነየ ናጻን በገባብ ዘተን ዝተኻየደ ምንባሩ እዩ። እቲ ዝተኻየደ ርክብ ንመራኸቢ ብዙሓን ዕጽዉ ከምዝነበረን ብዛዕባ ትሕዝቶ እቲ ዝርርብ ዝገልጽ ቃላት እዃ እንተዘይተሰምዐ ካብቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ኢየሱሳውያን ግን ብዛዕባ እቲ ርክብ ብሓፈሻ ብሕቶን መልስን ዝተሰነየን ንገዛእ ርእሶም እውን ር.ሊ.ጳ. ነቶም ካህናት ሕቶ ከምዘቕረቡሎምን ብሚእቲ ካብ ሚእቲ ዘይኮነስ ብክልተ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ዘዕግብ ርክብ ምንባር ይሕብሩ።

15 September 2021, 09:30