ድለ

መንፈሳዊ ንግደት ር.ሊ.ጳ. ናብ ሃንጋርን ስሎቫኪያን፥ መንፈሳዊ ጒዕዞ መንፈሳዊ ንግደት ር.ሊ.ጳ. ናብ ሃንጋርን ስሎቫኪያን፥ መንፈሳዊ ጒዕዞ 

መንፈሳዊ ንግደት ር.ሊ.ጳ. ናብ ሃንጋርን ስሎቫኪያን፥ መንፈሳዊ ጒዕዞ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃንጋሪ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብርቱዕ መንፈሳዊ ኣሰር ዘለዎ እዩ፡ ስለዚ ይብሉ ብሩኒ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምሉሱ፥ “ካልእ ዓይነት ንባብ ምስቲ ዝያዳ መንፈሳዊ ንባብ ክተሓዋወስ የብሉን”

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 12 – 15 መስከረም 2021 ዓ.ም. ዘካይድዎ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ሃዋርያዊ መገሻ መሰረት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ “ንኽብሪ ስጋሁ ወደሙ ዘእግዚእነ - ቅዱስ ቍርባን ኣብ ቡዳፐስት ዘካይድዎ ምብጻሕ፥ መንፈሳዊ ጒዕዞ እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ እዚ መንፈሳዊ ጉዕዞ እዚ ምስ ካልእ ዓይነት ንባብት ክተሓዋወስ የብሉን” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ካብ ዕለት 12 ክሳዕ ዕለት 15 መስከረም 2021 ዓ.ም. ዘካይድዎ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ኣቢሎም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ ብድምሩ ኣብ 54 ሃገራት ምብጻሕ ዘካይደዱ ይኾኑ፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጉዕዞ ንምብሉኡ ክፍለ ዓለም ዚትንክፍ ጒዳያት እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግና ‘መንፈሳዊ ጉዕዞ’ እዩ። እዚ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ሓርያዊ መገሻኦም እዚ ሃንጋርን ስሎቫኪያን ዘጠቓልል ከምዝኾነን፥ ኣብ ሃንጋሪ ርእሰ ከተማ ቡዳፐስት ዘካይድዎ ምብጻሕ ንኽብሪ ቅዱስ ቍርባን እዩ። ካብ ሃንጋሪ ተሰናቢቶም ምስቶ ኣብዚ ዘመን እዚ ብውልቀ ምልካዊ ስርዓት ዝቘሰለት ሃገርን ህዝብን ክራኸቡን ብዘለዎም መርሓ ግብርታት መሰረት እውን ኣብ ከተማታት ስሎቫኪያ፥ ፕረሶቭን ኮሲችን ሳስቲንን ምብጻሕ ከካይዱ ከምዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 9 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ምስ ሰበ-ስልጣን ሃንጋሪ ዘካይድዎ ርክብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃንጋሪ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብርቱዕ መንፈሳዊ ኣሰር ዘለዎ እዩ፡ ስለዚ ይብሉ ብሩኒ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምሉሱ፥ “ካልእ ዓይነት ንባብ ምስቲ ዝያዳ መንፈሳዊ ንባብ ክተሓዋወስ የብሉን” ብፍላይ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 መስከረም ቡዳፐስት ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ጀጋኑ ነቲ ኣብ ቡዳፐስት ካብ ዕለት 5 መስከረም ክሳዕ ዕለት 12 መስከረም  ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ቅዱስ ቁርባን መዛዘሚ ቅድሚ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንጐሆ ምስ ናይ ሃንጋሪ መራሄ መንግስቲ ቪክቶር ኦርባንን ምስ ናይታ ሃገር ላዕልዎት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ዘካይድዎ ርክብ። መራሔ መንግስቲ ኦርባን ኣብቲ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅድሴ ምስ ስድራ ቤቶም ብሓባር ክሳተፉ እዮም ዝበሃል ዘሎ ጒዳይ ብሃንጋራውያን ክረጋገጽ እዩ” ኢሎም።

ንኽብሪ ቅዱስ ቍርባን ዚግበር ጒዕዞ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃንጋሪ ርእሰ ከተማ ቡዳፐስት ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ብመሰረቱ ንኽብሪ ቅዱስ ቑርባን እዩ፡ ቅዱስነቶም ምስቶም ካብ ዕለት 5 – 12 መስከረም ኣብቲ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ምስ ዝሳተፉ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ተጋባእያን ክራኸቡ ካብ ዘለዎም ባህጊ ዝነቐለ እውን እዩ። ብፍላይ እቲ ናይቲ ቅዱስ ቍርባን መዕጸዊ ኣብ ዝዓርግ ቅዳሴ፡ ንብምሉእ ኣብ ዓለም ዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ዘራኽብ መስዋዕቲ እዩ” ኢሎም።

ሃዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሃንጋሪ

ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሃንጋሪ ኣብ 1990፤ 1995ን ኣብ 2003 ዓ.ም. ምብጻሕ ከምዘካየዱን ብፍላይ ኣብታ ናይ መወዳእታ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዕረፍቶም ኣብ 2003 ዓ.ም. ኣብ ሃንጋሪ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ፥ ኣብ ሃንጋሪ እትርከብ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ካብቲ ዘስካሕክሕ ስርዓት ናዚ ካብቲ ስርዓት ዴስነት “ጌጋታትን ስቓይን” ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምሕናጽ ክካፈሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም፥ እቲ እዋን እቲ ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝቕጽል ሰሙን ዝራኸብሉ ኵነታት እተፈልየ እዩ። ይዅን እምበር “ህዝብታትን ሃገራትን ሓደ እዩ” ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ከኣ ቍስሊ እተን ድቕድቕ ጸልማት ዓመታት ከበድ ኣሎ። ኣቡናት ካህናት ደናግል ተራ ዜጋታት ተኣሲሮም ተሳቕዮም ናይ ደም ሰማዕትነት ተቐቢሎምን ብሕቡእ ኣብ ፈቐዶ ፋብሪካታት ማዕርገ ክህነት ክስራዕን ቅዳሴ ክዓርግን ተራእዩ እዩ፡ ጸረ ክርስትና ብዝነበረ ስርዓት መቕተልን ኣሳዶን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ተፈጺሙ እዩ” ስሎቫኪያ እዚ ተዘክሮ እዚ ዘለዋ ሃገር እያ።

ታሪኽ ናይ ደም ሰማእትነት

ንድሕሪ ባይታ ናይዚ ብዛዕባ ሰማእትነት ዝገልጽ ዛንታታት ኣብ ግምት ብምእታው ከም በዓል ናይ ሃንጋሪ ካርዲናል ጆዘፍ ሚንዲስዘንትይ ወይ ናይ ስሎቫኪያ ካርዲናል ጃን ክርይዞስቶም ኮረን ዝኣመሰለ ኣብ መንጐ ኣዕኑድ ናይታ ኣብ ትሕቲ መሬት እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ስሎቫኪያ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ንመጻኢ ተልእኾ ወንጌል-ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል” ክጥምቱ ይደልዩ፡ ከምዚ ንምግባር ከኣ ኵሎም መንእሰያት ድሕሪኡ ኸኣ ምስ ተወከልቲ እተን ካልኦት ኣቢያተ ክርስትያን  ካልኦት ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ክራኸቡን ብጠቕላላ ኣብዚ መበል 34 ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ሸውዓተ መደረታት ከስምዑን ሰለስተ ስብከት ክልግሱን ከምኡ እውን ሓደ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክዕርጉን ምዃኖም ብሩኒ ኣፍሊጦም።

ንሓድነት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ሓባር ዘተ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት

“ስቓይን ሰማእትነትን ሓድነት እኳ እንተ ኣለዎ ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያን ምክፍፋል ኣስዒቡ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ኣብ ስቓይን ሰማእትነትን ዘሎ ሓድነት ድሕሪ ባይታ ገይሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ሰንበት ዕለት12 መስከረም ንጐሆ ምስ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ልኡካን ጨንፈር ሃንጋሪ፡ ቡዳፐስት ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ስነ ጥበብ ክራኸቡን ኣብ ስሎቫኪያ ርእሰ ከተማ ብራቲስላቫ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን መራሕቲ ክራኸቡ ምዃኖም ብሩኒ ይሕብሩ።

ምስቶም ኣብ እዋን ስርዓት ናዚ ብዙሕ ሞትን ስቓይን ዝወረዶ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኣብቲ ዝኽሪ ኣውሽዊዝ ሓወልቲ ዝተተኸለሉ ኣደባባይ ርይብነ ናመስታይ ዕለት 13 መስከረም ክራኸቡ እዮም።

ድሕሪ ዝተገብረሎም ናይ መጥባሕቲ ሕክምናን ዝስዕብዎ ናይ ጉዳይ ጥዕና ማዕቅናት?

ማተዮ ብሩኒ፥ ቅዱስነቶ ድሕሪ ዕለት 4 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ዝተገብረሎም ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ዝኽተልዎ ፍልዩ ናይ ጉዳይ ጥዕና ማዕቅን ኣሎ ዶ ንዝብል ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ፍሉይ ናይ ጉዳይ ጥዕና ማዕቅን የሎን፡ ከምቲ ወትሩ ኣብ ዝኾነ ይዅን ጉዕዞ ዝግበር ሓደ ሓኪምን ሓደ ሞያተይና ክንክን ጥዕናን ክህሉ እዩ፡ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ትኹእ ብጹዕ ኣቡነ ኤድጋር ፐኛ ፓራን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓል ሪቻርድ ጋላገርን ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዝከታተ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጒይክሶትን ንቕዱስነቶም ከሰንዩ ከምዝኾኑን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ካብ ሰራሕተይናታት ሃገረ ቫቲካን ሓደ ከምዝምረጽ ዝፈልጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ መበል 34 ሓዋያርዊ መገሻ ሓደ ካብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ርእሰ ምሕደራ ሰራሕተይናታት ከምእትሓርዩ ኣፍሊጦም።

ጸረ ኮቪድ ቀይድታት

ናይ ስሎቫኪያ መንግስቲ ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ፥ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 200 ዝኾኑ ብኾሮና ተህዋስ ከምዝልከፉ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ዝካየድ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ሃገራት ዝተሓንጸጸ ጸረ ኮቪድ ቀይድታት ዘኽብር እዩ እንክብሉ ብሩኒ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዚሞም።

11 Sep 2021, 09:36