ር.ሊ.ጳ. ካብ ካቡል ምስ ዝተሰዱ ኣባላት ኣባይቲ ስድራ ኣፍጋናውያን ተራኺቦም
ዕለት 22 መስከረም 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምልጋሶም ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቁጽጻሩ ብዘጋጠመ ስግኣት ንዝተሰዱ ኣባላት ስድራ ቤት ምስ ዝውክሉ ስደተይናታት ኣፍጋናውያን ከምእተራኸቡን፥ እቶም ስደተይናታት እውን ኣብቲ ርክብ፥ ብጣሊባን ከይእሰሩ ፈሪሖንም ነርባዕተ መዓልትን ለይትን ኣብ ሓደ መኽዝን ከምእተሓብኡን ኵሉ ኣብቂዑ ብዝተገብረሎም ምትሕብባር ሎሚ ኣብ ኢጣሊያ ከምዝርከቡ ንቕዱስነቶም ከምዝገለጹሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጣሊባን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኣፍጋኒስታን ስልጣን ምስ ሓዘ ካብታ ሃገር ዘምለጡ ሰለስተ ኣፍጋናውያን ክርስትያን ስድራ ቤት ዕለት 22 መስከረም 2021 ዓ.ም. ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተራኸቡን ብጠቕላላ ሰለስተ ንኣሽቱ ቈልዑ ዝርከብዎም ሸሞንተ ኣንስትን ሽዱሽተ ኣሰብኡትን ቅዱስነቶም ሓንጐፋይ ቢሎም ከምእተቐበልዎምን እቶም ኣፍጋናውያን ስደተይናታት ስድራ ቤት እውን ኣብ ሕይወቶም እንታይ ከምዘጋጠሞምን እንታይ ከምዘሕለፉን ከምዝሓበርዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ዘጋጠሞም ጸገም ዝጀመረ ጣሊባን መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ካቡል ምስ ኣተዉ ከምዝኾነን፡ ጣሊባን ካቡል ምስ ኣተዉ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣፍጋናውያን ክርስቲያን ስድራ ቤት ጥርዓን ከምዝቐረበን ኣፍጋናዊት 57 ዓመት ዝእድመአን ፓርይ ጉል በዓል ቤተን ብጣሊባን ካብ ስራሕ ተሰጒጎምን ደሓር እውን ከምእተኣሰሩን ካብቲ እዋን እቲኣ ኣትሒዘን ብዛዕባ በዓል ሓዳረን ዝረኸበኦ ሓበሬታ ከምዘየለ ንቕዱስነቶም ገሊጸን ድሕሩኡ ምስ መላእ ስድራ ቤተን ኣብ መኽዘን ነርባዕተ መዓልትን ለይትን ከምእተሓብኣን ገሊጸን ንሰለስተ ደቀን ምስ ቅዱስነቶም ኣላልየን ካብ ነውሒ ዓመታት ኣትሒዞም ካብ ኣፍጋኒስታ ዝተሰዱ ኣፍጋናዊ ደራሲ ኣሊ ኤሃሳኒ ብዝገበርዎ ብርቱዕ ጻዕሪ ማሕበር ግብረ ሰናይ ንሰብኣዊ ምርኻብ ተሓባባርነት ናብ ኢጣሊያ ክመጻ ከምዝኸኣላ ሕጽር ኣቢለን ታሪኸን ንቕዱስነቶም ከምዝገለጻሎምዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
32 ዓመት ዝዕድመኦም ጐላን ኣቡባስን ከምኡ እውን እተን 32 ዓመት ዝዕድመአን በዓልቲ ቤቶም ፋቲማ ምስ ጓል ትሽዓተ ዓመትን ምስ 4 ዓመት ዝእድመኡ ደቆምን ብዘይካ እዚ ኣብቲ ርክብ 35 ዓመት ዝዕድመኦም ዛሚን ኣሊ ምስ ጓል 34 ዓመት ዝእድመኤን በዓልቲ ቤቶምን ምስ ሰለስተ ደቃቶምን ከምዝነበሩን ጣሊባን ካቡል ድሕሪ ምቍጽጻሩ ካብ ከጋጥሞም ዝክእል ዝነበረ መከራ ብናይ ኢጣሊያ መንግስትን ናይ ኢጣሊያ ሓይሊ ምክልኻልን ብዝገበረሎም ምትሕብባር ሎሚ ኣብ ውሑስ ኵነት ከምዝርከቡ ኣብቲ ርክብ ንቕዱስነቶም ከምዝሓበርዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።