ዝሓሰመ ጸርፊ ስም ኣምላኽ ንስም እግዚኣብሔር ኣብ ኢሰብኣዊ ተግባራት ምውዓል እዩ! ር.ሊ.ጳ ንኣይሁድ
ዜና ቫቲካን!
ዝቀደመ ስደትን መከራን ከይኣኽሎም ኣብ እስሎቫክያ ዝርከበ ኣይሁድ ብዘመነ ኮሚኒስም እውን ኣብ ከተማ ንዮሎግ ዝርከብ ዓቢ ምኲራቦም ማለት ቤተመቅደሶም እውን ብ1969 ብመንግሥቲ ዓንዩ ከምዘይነበረ ኮነ። ኣብታ ከተማ ሪብነ ናማስቲ ማእከል ቅርዓት ዝርከብ ማሕበረኮም ኣይሁድ ብራቲስላቫ ንቅዱስነቶም ዓቢ ተቅባል ገሮምሎም እንከብቅ ዑ ቅዱስነቶም ከኣ በቲ ኣባላት እዛ ማሕበረኮም ዝኾኑ ኣይሁድ ንቅርበትን ሕውነትን ዘር ኣይዎ ተበግሶን ድላይን ልባዊ ምስጋና ኣቅሪቦምሎም።
ነታ ማሕበረኮም መሪሖም ንቅዱስነቶም እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝልሉን ሓጐሶምን ምስጋናኦምን ዝገለጹን ከኣ ፕረሲደንት ሃይማኖታዊ ሕብረት ማሕበረኮማት ኣይሁድ ኣብ እስሎቫክያ እንክኾኑ ቅዱስነቶም ብወገኖም ከም ማንም መንፈሳዊ ነጋዲ ከምዝመጹን በቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮ ፍጻሜ ብመንግሥቲ ዓንዩ ከምዘይነበረ ዝኾነ ቤተመቅደሶም ታሪኽ ከምዝተመሰጡ እዚ ከኣ ምድረ ሰማይ ደሓን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ማዕረ ካተድራል ኮሮነይሽን ተደኲኑ ክንደይ መልክዕን ግርማን ብምሃብ ንኣዝማን ዝነበረ ቅርስን እቲ ተጋቢኦምሉ ዝነበሩ ቅርዓት ሒዝዎ ቅርሲ ታሪኽን ልቦም ከምዝተንከፎም ገሊጾም።
ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ እስሎቫካውያን ኣይሁድ ምልስ ይብሉ እሞ እቲ ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብዝከሓነ ጽልኢ ዝተቀትሉ ልዕሊ ሚእቲ ሺሕ ዝኾኑ እስሎቫካውያን ኣይሁድ እሞ ኸኣ ብስም እግዚኣብሔር ከምዚ ዓይነት ግፍ ዒ ምፍጻም ዝ ዓበየ ጽርፈት ኣብ ል ዕሊ እግዚኣብሔር ምሕረት ዘይርከቦ ጸርፊ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ብምግላጽ ሎሚ ግን ብሰላም ብሓባር ንምንባር ሕውነት ንምድንፋዕ ብሓባር ንኣምላኽ ኣቦታትና ኣምልኾ ንምቅራብ ኣብዚ ብምርካበይ መንፈሳዊ ዕጋበት ይስመዓኒ ከምቲ ገሊኦም ኣብዚ ቅዱስ ቦታ ኪኣትው ሳእኖም ዘውጽኡ ኣነውን ሳእነይ ከውጽእ ምደለኹ ኢሎም።
ኣሰር ኣይሁዳውያንን እምነቶምን ንምጥፋእ ነቲ ቤተመቅደስ እንከዕንው ካብዚ ዚኸፍእ ጸርፊ ኣምላኽ የለን፤ በዚ ተግባር እቲ እንኮን መፍለይን ክብሪ ናይቲ ብመልክዕን ኣርኣያን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ወዲሰብ ተጋሂሱ። እቲ ዘገርም ክንደይ ግዜ እዞም ቀተልትን ኢሰብኣውያን ፍጡራትን ኣምላኽ ምሳና ክብሉ ዘይተሰምዑ። እንተኾነ እግዚኣብሔርሲ ኩሉ ኣሎ እንተንሶም ምስ እግዚኣብሔር ፈጺሞም ኣይነበሩን፤ ነዚ ኩሉ ምዝካር ነቲ ዝነበረ ጸልማት ንምርዳእን ናብ ሕውነት ንምስጋር ነቲ ጸልማት ንምቅንጣጥን ይሕግዝ ምስ በሉ እንታይ ኮን ይኸውን ክሳብ ክንድዚ ዘውደቆም እንተበልና ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ብምምላኾም እዮም፤ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ክተምልኽ ምስ ጀመርካ ስም እግዚኣብሔር ተዋርድ፤ እዞም ኣማልኽቲ ሓሶት ከኣ ናይ ሥልጣንን ንዋይን ጣዖታት እዮም። ነዚኦም ክተምልኽ ምስ ጀመርካ ክብሪ ወዲሰብ ይርገጽ፤ መንፈስ ሸለልትነት ይስዕርር፤ ዓመጽን ምዝመዛን ገንፊሉ ንሃይማኖት ኣብዚ ዘይቅርዑይ ተግባራት ኣገልግትሎ ይውዕል። ስም ኣምላኽ ይጽረፍ እንክብሉ ውድቀት ዘመደ ኣዳም ምስ ገለጹ ዝኽሪ ታሪኾም እናገበሩ ንዝኾነ ቊጥ ዓን ጽል እን ገዲፎም ንዝኾነ ዓመጽን ጸረ ሰማውያን ዝግበር ምንቅስቃሳትን ብምውጋዝ ንመልክዕን ምስልን እግዚኣብሔር ከይራኸስ ክቃለሱ ሓደራ ኢሎም።
ብ2017 ኣብ ሮማ ምስ ተወከልቲ ኣይሁድን ክርስትያንን ንዝገበርዎ ርክብ ብምዝካር ካብቲ ቀንዲ ሥራሖም ኣብ መንጎ ኣይሁድን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንዘሎ ውስጠ እምነታዊ ዘተ ዝቆመ ኮሚሽን ዘቅረቦ ሓሳብ ብሓቂ ቅዱስ ሓሳብ ከምዝኾነን ብሓቅን ቅንዕናን ሕውነት ክድንፍ ዕ ነዚ ሃገረ እስሎቫክያ ባይታ ርክብን ሕውነትን ብምዃና ነዛ ናይ ሎሚ ዓለምና ንዘድሊ ክፉት ማዕጾታት ከምቲ ናይ ምብራቅን ም ዕራብን መራኸቢ ዝኾንክምዎ መራኸቢ ድልድል ክትኮኑ በዓል ምሉእ ተስፋ እየ በዚ ከኣ እዛ ሰላም ስኢና ዘላ ዓለም ጩራ ሰላም ይህባ ሻሎም ብማለት ምኽሮም ዛዘሙ።