ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ቡዳፐስትን ስሎቫኪያን ንጸሎት ኣብ ማእከል ኤውሮጳ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 12 መስከረም ዚጅምር ኣብ ሃንጋርን ስሎቫኪያን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ዕለት 5 መስከረም 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ገሊጾም፥ ዕለት 5 መስከረም ኣብ ቡዳፐስት መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ቅዱስ ቍርባን ዝተኸፍተሉን ከምኡ እውን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ እናቴ ተረዛ ዘካልኵታ እትዝክረል ዕለት ምዃኑ ከምዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ቡዳፐስት ቅድሚ ምንቃሎም ሓደ ሰሙን ልቦም ድሮ ኣብ ሃንጋሪ እዩ ዘሎ፡ ኣብታ ዕለት 5 መስከረም መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ዝተኸፍተላ ከተማ ቡዳፐስት ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 12 መስከረም ነዚ ንቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ ፍጻሜ ዝኾነ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኸዕርጉ ኣብ ሃንጋሪ ምብጻሕ ከካይዱን ኣስዒቦም እውን መንፈሳዊ ንግደት እንክብሉ ንዝገለጽዎ ሓዋርያዊ መገሻ ክፍጹሙ ናብ ስሎቫኪያ ከኸዱን ምስ ሕዝቢ ስሎቫኪያ ብሓባር ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘሕማማት ሓላዊት ቅድስቲ ሃገረ ስሎቫኪያ ከብዕሉ ምዃኖም ከምዝሓበሩ ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
እተን ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዘካይደለን ማዕልታት ኣብ ማእከል ኤውሮጳ ብኣስተንትኖን ጸሎትን ዝልለያ መዓልታት እያተን!
ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኤውሮጳ ንናይ ጐይታ ብስራት ኣብሳሪት
ቅዱስነቶም ነቶም ነቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣዳለውቲ ሰላምታኦምን ምስጋናኦምን ኣቕሪቦም ነቶም ዚጽበይዎምን ብልቢ ኪራኸብዎም ዚደልዩ እውን ኣመስጊኖም፡ ንኹሎም ብጸሎት ንኸሰንይዎም እቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ ድማ ነቶም ጽልእን መስጐጒትን እናጋጠሞም ክነሱ ኣብ ዘለውሉ ቦታ ወንጌል ንዝምስክሩ ጀጋኑ ኑዛዜ እምነት ንኸማልዱ ሕድሪ ቢሎም፡ “ንኤውሮጳ ሎሚ እውን እንተዀነ ብቓል ዘይኮነስ ብግብሪ ምሕረትን ተቐባልነትን ነቲ ዜፍቅረናን ዜድሕነናን ጐይታ ጥዑም ብስራት ንኽትምስክር ይሕግዝ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኣገልገልቲ ቅዱሳን
ር.ሊ.ጳ. ዕለት 5 መስከረም መዓልቲ ዝኽሪ ቅድስቲ እናቴ ተረዛ ዘካልኵታ ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥
ንዅሎም እቶም ኣብ መላእ ዓለም ብዙሕ ግዜ ጽንዓትን ጀግንነትን ኣብ ዝሓትት ኣገልግሎት እተጸምዱ ልኡካን ፍቕሪ ሰላምታይ አቕርብ፡ ብፍላይ እተን ኣብዚ ኣብ ቫቲካን ዘለዋ ህያብ ማርያም ብዝብል መጸውዕ ድኻታት ኣብ ምግልጋል ዝርከባ ደናግል ፍቕሪ እሓስብ፡
ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ቅድም ኣቢሎም ኣብ ኣርጀንቲና ከተማ ካታማርካ ዕለት 4 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብጽዕና ዝኣወጀትሉ ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ናይ ሰበኻ ኮርዶባ ጳጳስ ማመርቶ ኤስኵዩ ዘኪሮም፥ “ብጹዕ ማመርቶ ኤስኵዩ “ንናይ ኤቅለሳውያንን በርገሳውያንን ክውንነታት ንምሕናጽ ቀናእ ኣብሳሪ ቃል ኣምላኽ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎን፥
ኣብነቱ ወትሩ ኣብ ጸሎትን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ሰላምን ኣሕዋትን ኣብ ምግልጋል ክንሓብርን ይደግፈና!
ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።
ሰናይ ምንዮት ቅዱስነቶም ንማሕበረሰብ ኣይሁድ
ማሕበረሰብ ኣይሁድ ሓድሽ ዓመት ኣይሁድ “ሮሽ ሓ ሳናሕ” ከምዝብዓለን ኣብ ዝመጽእ መዓልታት “ዮም ኪፑር” ከምኡ እውን “ሶኮት” ብዝብል ዝፍለጥ ክልተ በዓላት ከብዕል ምዃኑ ዘኪሮም፥
ንዅሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ብውዕዉዕ መንፈስ ሰናይ ትምኒተይ እገልጽ፡ ነቶም ብሕጊ ጐይታ ብተኣማንነት ዚመላለሱ ብፍረን ብሰላምን ብሰናይን ሃብታማት ዝኾኑላ ሓዳስ ዓመት ትዅኖሎም፡
ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።