ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ስሎቫኪያ፥ ሓቀይና ሰውራ ንባህሊ ግዚያውነት ምቅዋም እዩ!

“ናብ ምስጢረ ንስሓ ክትቐርቡ ከለዅም ብዛዕባ እንታይ ከም እትሓስቡ ኵላትኩም እንተዝሓተኵም ነይረ” ሎሚ ድማ መልሲኹም “ሓጢኣተይ” ዝብም ምዃኑ ርግጸይና እየ። ሓጢኣት ግን ማእከል ኑዛዜ ከም ዘይኰነ ከረጋግጸልኩም እፈትው። እቲ ማእከል እቲ ንዅሉ ይቕረ ዚብል ኣቦና እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ሳልሳይ መዓልቲ ውዕሎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ስሎቫኪያ መዛዘሚ ምስ መንእሰያት ስሎቫኪያ ዘካየድዎ ርክብ ክኸውን እንከሎ፥ ቅዱስነቶም “ብተኸታታሊ ኣይኰናን ተፈጢርና ፍሉያትን ናጻታትን ኢና ምስ ኣምላኽ ናይ ፍቕሪ ዛንታ ንኽንነብር ድማ ኣብ ዓለም ኢና ዘሎና” ብምባል መንእሰያት ገዛእ ርእሶም ኣብ ሓደጋ ንኸይእትዉ ተማሕጺኖም፥ ኣብ ምስጢረ ንስሓ “እቲ ማእከል ሓጢኣት ዘይኮነስ እቲ ይቕረብ ዝብልን ዝምሕርን ኣቦ እዩ፥ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ “ናይ ሓሴት ምስጢር ይኸውን” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መደረ ከምዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ብመዛሙርን ጣቕዒት ብዝተሰነዩ ልዕሊ 25 ሺሕ ብዝዀኑ መንእሰያት ድሙቕን ውዕዉዕን ኣቀባብላ ከምእተገበረሎም እዚ ርክብ እዚ እውን ኣብቶም መንእሰያት እቲ በታ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንጽሕናኣ ክትዕቅብ ብኢድ ክዕምጻ ብዝደለዎ ናይ ነበር ሶቪየት ሕብረት ወትሃደር ኣብ 16 ዓመት ዕድመኣ ዝተቐትለ ብጽዕቲ ኣና ኮለሳሮቫ ታሪኽ ዘቃልሕ ከምዝነበረን እቲ ናይዛ ብጽዓቲ ዓጽም ዝዓረፈሉ ቅዱስ ስፍራ እውን ምዕራፍ መንፈሳዊ ንግደት ኮይኑ ከምዘሎ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ 

ምሕረት ኣምላኽ

ፐትራ ፊሎቫ ጓል 29 ዓመት ኣብ ኮሺቸ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ቲዮሎጊያ ተማሃሪት ምስጢረ ንስሓ ሕይወታ ከምዝቐየሮን፥ ኣብ ምስጢረ ስቓይ ኢየሱስ ኣብ መስቀል እንታይ ምዃኑ ከተስተውዕል ከምዝገበራን መስኪራ፡ ናብ ምሕረት ኣምላኽ ኣብ እተኸድሉ እዋን ንዘጋጥማ ዕንቅፋት ብኸመይ ክንሰግሮ ኣሎና? ዝብል ንዘቕረበቶ ካልኦት መንእሰያት ዘቕረብዎ ሕቶታት መሰረት ገይሮም ኣብ ዝለግስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ሱር

ንዅሎም ነቶም ኣብ ስታዲዮ ተኣኪቦም ዝነበሩ መንእሰያት “ፍቕሪ ፍረ ከተፍሪ መታን ሱርኩም ኣይትረስዑ፡ ሎሚ ኩሉ ሳዕ ርቡጻትን ህዉኻትን ኵሉ ነገር ክንገብርን ዘሎና ክይኑ ስለ ዝስምዓና ሱር ዘይብሉ ዕቤት ክሳብ ክንደይ ሓደገይና ምዃኑ ነስተውዕል፡ ስለዚ ወትሩ ንኻልኦት ክፉታት ክንከውንን . . . ሎሚ ንዅሉ ሰብን ንዅሉ ነጋራትን ክወቕሱ ድልዋት ዝኾኑ ብዙሓኣት ሰባት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘስፋሕፉ ክኢላታት መጒረምረምቲ ብዙሓት ኣለዉ። ኣሉታዊ ኣረኣእያን ምጒርምራምን ክርስትያናዊ ኣይኮነን እሞ ሓደራ ኣይትቀበልዎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዕንቅፋታት ምስጋር

“ናብ ምስጢረ ንስሓ ክትቐርቡ ከለዅም ብዛዕባ እንታይ ከም እትሓስቡ ኵላትኩም እንተዝሓተኵም ነይረ” ሎሚ ድማ መልሲኹም “ሓጢኣተይ” ዝብም ምዃኑ ርግጸይና እየ። ሓጢኣት ግን ማእከል ኑዛዜ ከም ዘይኰነ ከረጋግጸልኩም እፈትው። እቲ ማእከል እቲ ንዅሉ ይቕረ ዚብል ኣቦና እዩ። “ክንቅጻዕን ክንዋረድን ኢልና ናብ ምስጢረ ንስሓ ዘይምኻድ፡ የግዳስ ከም ቈልዑ ዄንና ናብ ፍቕራዊ ሕቑፍታት ኣቦ ኢና እንጐዪ” ኢሎም።

“ንእሽተይ ምኽሪ ክህበኵም -  ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ኑዛዜ ንእተወሰነ እዋን ኮፍ ኢልካ ነቲ እተቐበልካዮ ይቐረ ዝብል ምሕረት ኣምላኽ ዘክሩ”  ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንመስቀል ምሕቋፍ

ቅዱነቶም ኣብ ምወዳእታ ነቲ መንእሰያት ንመስቀል ምቕባል ከይፍርሖም ብኸመይ ክተባብዑ ይኽእሉ” ንዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም፥ “ምሕቛፍ ካብ ፍርሂ ንኽንወጽእ ይሕግዘና፡ ሓደ ሰብ እንተ ሓቖፈና ኣብ ገዛእ ርእስናን ኣብ ህይወትናን እንደገና እምንቶ ነሕድር። ስለዚ ብኢየሱስ ንተሓቘፍ። ንመስቀል ምስ ኢየሱስ ምሕቋፍ ሓጐስ ኢየሱስ ኢዩ ዘምጽእ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 Sep 2021, 08:31