ድለ

ቡዳፐስት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሰበ-ስልጣን ሃንጋር ተራኺቦም ቡዳፐስት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሰበ-ስልጣን ሃንጋር ተራኺቦም 

ቡዳፐስት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሰበ-ስልጣን ሃንጋር ተራኺቦም

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ቤተ ክርስቲያንን ስድራ ቤትን መሓድሮም-ኣካባብን ዝብሉ ነጥብታት ዘማእከለ ምይይጥ ከምዘካየዱ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቡዳፐስት ዕለት 5 መስከረም 2021 ዓ.ም. ዝተበገሰ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ቅዱስ ቍርባን ዕለት 12 መስከረም 2021 ዓ.ም. ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኸዛዝሙ ዕለት 12 መስከረም 2021 ዓ.ም. ቡዳፐስት ከምዝኣተዉን በቲ ዘለዎም መርሓ ግብሪ መሰረት እውን ንጐሆ ምስ ሰበ ስልጣናት ሃንጋሪ ከምእተራኸቡን ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ቤተ ክርስቲያንን ስድራ ቤትን መሓድሮን-ኣካባብን ዝብሉ ነጥብታት ዘማእከለ ምይይጥ ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዕለት 12 መስከረም 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቡዳፐስት

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 መስከረም 2021 ዓ.ም. ቡዳፐስት ኣብ ዝርከብ ናይ ሃገረ ሃንጋሪ ታሪኽ ዘዘትንው ቤተ መዝከር ስነ ጥበብ ኣብ ዝርከብ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ምስ ናይታ ሃገር ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላት ከምእተራኸቡን፥ ቅዱስነቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፍ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ተሰንዮም ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ሃንጋሪ ርእሰ ብሔር ያኖስ ኣደርን መራሔ መንግስቲ ቪክቶር ኦርባንን ምኽትል መራሔ መንግስቲ ዝሶልት ሰምየንን ከምእተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ሰዓት 09.25 ደቓይቕ ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ ግደ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃንጋሪ ዛዕባ ዕቝባ ኣካባቢ ዘለዋ ቈራጽነትን ከምኡ እውን ብዛዕባ ምክልኻል ስድራ ቤትን ካልኦት እተፈላለዩ ኣርእስታት ዘማእከለ ምይይጥ ከምእተኻየደን ድሕሪ እቲ ምይይጥ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ርእሰ ብሔር ሃንጋሪ ኣደር ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከምእተኻየደ ኣፍሊጡ።

Photogallery

ቡዳፐስት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሰበ-ስልጣን ሃንጋሪ ተራኺቦም
13 Sep 2021, 09:07