ካርዲናል ኦመላ፥ ር.ሊ.ጳ. ቋንቋ ፍቕሪ ይምህሩና
ሊቀ ጳጳሳት ባርቸሎና ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ማርኮኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ “ፍራንቸስኮ ጓሳን ተማራማሪ ቲዮሎጊያን” ብዝብል ኣርእስቲ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ቲዮሎጊያ ናይቲ ብዛዕባ ኣብ መንጐና ናይ ዚመላለስ እግዚኣብሔር መዓልታዊ ሕይወት ራእይ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቲዮሎጊያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ (ጒስነትን) ኣብ መንጐ ዓውዲ ምስትንታንን ተግባርን ዘሎ ርክብ ሱር ናይቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “መንፈስ ዝመልኦም እዚ ኸኣ ንጒስነት ዘይከናኸን ወይ ቲዮሎጊያ ዕጽው ዝገብር ወይ ኣብ ገዛእ ርእሱ ምሉእ ስርዓት እዩ ዘይብል ልቦና ዝተመልኡ ሰባት እያቶም” ብዝብል ሓሳብ ዘብርህዎ ስልጣናዊ ትምህርቶም እዩ። ካብዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ስፍሓት ናይታ ቤተ ክስቲያንን እዋናዊ ሕብረተሰብን ዝምብል ምዃኑ ኣብታ ፍራንቸስኮ ጓሳን ናይ ቲዮሎጊያ ተማራማርን ዘርእስታ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ከተማ ባርቸሎና ኣብ ዝርከብ ሳንት ፓሲያ መንበረ ጥበብ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ዝቐረቡ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ዝኣከበት ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲማ ንንባብ ኣብ ዝበቕዔት መጽሓፍ ተመልኪቱ ይርከብ።
ጓሳን ናይ ቲዮሎጊያ ምሁርን ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናል በርጐሊያ ኣብ ዝነበሩሉን ኣብቲ ኣብ ብራዚል - ኣፓረሲዳ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ሕምሻይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣትሒዞም ንጳጳሳት ብዛዕባ ህላወ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝበለዎን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስሎቫኪያ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምገሻ ኣብ ኮሲቸ ንመንእሰያት ብዛዕባ ምስጢረ ንስሓ እክምዕዱ፥ ምስ ሓጢኣት ንኽንራኸብ ዘይኮነስ ምስቲ ዘእንግደናን ዝሕልወናን እግዚኣብሔር እንራኸበሉ ቅዱስ ምስጢር እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብሓፈሻ ምሉእ ናይ ኾርገ በርዮ በርጎሊዮ ታሪኽ ሕይወት “ኣብ መንጐ ቲዮሎጊያን ምክንኻን ጒስነትን ዘሎ ጥብቂ ምትእስሳር ናይ ጸዋዕታኦም ኣገልግሎት ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዚልለይሉ” ኣብነት ዝሓዘ እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ በቲ ሊቀ ጳጳሳት ባርቸሎና ናይ ስፐይን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ዅዋን ኾሰ ኦሜላ ኦሜላ ዝተጻሕፈ ኮይኑ ዕለት 22 መስከረም 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ነዛ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዘተኻየደ ርክብ ተሳቲፎም ናይታ መጽሓፍ ትሕዝቶ ከምዘብርሁን ኣስዒቦም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት “ፍራንቸስኮ ተክለ ሰብነት ናይ ቲዮሎጊያ ምሁርን ናይ ጓሳን ብጥልቂ ኣተኣሳሲሩ ዝነብርን ዘገልግልን እዩ” ኢሎም።
“ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣዒንትና ክንከፍትን ንናይ ዓለም ክውንነት ኣዕሚቝና ክንምርምርን ከምዝምህሩና ኣእምን ኢየ። ከመይሲ እቲ ናይ ቲዮሎጊያ ምህሩ ነቲ ዘጋጥመ ዘሎ ነገራት ንኽንራኢ ክሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ምዃኑ ንኽርድኣና ከምኡ እውን ህላወ ናይቲ ምስ ሰብ ዝመላለስን ዝጓዓዝን እግዚኣብሔር ንኽንፈልጦ ክሕግዘና ይኽእል እዩ። እዚ ቲዮሎጊያ ድኣ እምበር ግምታዊ ነገር ኣይኰነን። ንመዓልታዊ ሕይወትና ንጸገማት ህይወትና ራእይ ምሃብ ናይ እምነት ራእይ ምልላይ ከምኡ እውን ጐይታ ምሳና ብኸመይ ይጓዓዝ ከም ዘሎ ምርኣይን ምፍላጥን እዩ።”
እዚ ፍረ ናይቲ ዝያዳ ስጋ ዝለበሰ ቲዮሎግሊያ ዝሓትት ንመልእኽቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ናብ ጭቡጥ ኵነታት ንምብጻሕን ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ክውንነት ንምብራህን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ዝሓተካ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን እዩ ኽንብል ንኽእልዶ? “ንጹር እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ እቲ ፍስሓን ተስፋን ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ነዚ ብዛዕባ ዓለም ዘሎ እወታዊ ኣረኣእያ ከም እንርእዮ እዩ ዚገብር። እቲ ኣምላኽ ኣብኡ ዘንብሮ ጽባቀ ኸም እንሕጐስን ከም እንዓዪን ኪገብረና ኢሉ እዩ። እዚ እወታዊ ኣረኣእያ እዚ ንዓለም ብእተፈላልየ መገዲ ንኽንርእያን ወትሩ ኣብ እምነት ተመርኵስና ኣብ ዓለም ብእምተፈልየ ኣረኣእያ ንኽንጽመድን ይሕግዘና እዚ ድማ ነቲ ምስ ደቅሰብ ዝመላለስ ስጋ ዝለበሰ ኣምላኽ ንኽንረኽቦ - ንኽንራኸቦ ይገብረና። ምኽንያቱ ወንጌል ኣብ ምወዳእታ “ናብ ዓለም ኪዱ . . . ኣን ድማ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኵም ክኸውን እየ” ስለ ዝብለና።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ናይ ቲዮሎጊያ ምሁር ንላዕሊ ጓሳ ከም ዝዀነ ገይሮም ብምዝራብ ኣብ መንጐ ቲዮሎጊያን ክንክን ጒስነትን ላህጃ ዘቐመጡ ሰባት እንተኾነ ግን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብር.ሊ.ጳጳሳዊ ኣገልግሎት ኣቢሎም ናይ ቲዮሎጊያ ምህሩ ምዃኖም ገሊጾም እዮም ዝብሉ ኣለዉ። እዚ ኣብ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብ ጉስነቶም ብዝያዳ እተገልጸ ክንብሎ እንኽእል ነጥብታት ቲዮሎግያኦም እንታይ እዩ? ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ከምቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ፡ ኵሎም ምእመናን፥ ካህናት ገዳማውያን እቶም ዓበይቲ ክኢላታት መናብርተ ጥበብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከምቲ ሲኖዶስ ክጽዋዕ እንከሎ ዝንበር ናይ ምልእቲ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ መግለጽ እያቶም እዚ ኸኣ ንተልእኾ ወንጌላውነት እዩ። እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝነብርዎ ጒስነት ብሓቂ ዘንጸባርቕ ዓቢይ ቲዮሎጊያ እዩ ቢለ እየ ዝኣምን። እዚ ካብ ወንጌልን ቲዮሎጊያዊ ምስትንታን ዝነቕል ናይ ጒስነት ተልእኾና እዩ ኣብ መንጐ ኵሉ ድማ ሱታፌ እዩ፡ ኵሎም ኣብቲ ተልእኾ ዚሳተፉ እያቶም።
ሓደ ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቐጻሊ ዚጥቀምሉ ቃላት ናይ “ተራ ናይ ህዝቢ” ቃላት እዩ። ኣሞ ደኣ እቶም ህዝቢ ካብ ጸጋ ኣምላኽ ኪረብሑን ንኻልኦት ኬገልግሉን ዚእክሉ ብኸመይ እዮም? ቲዮሎጊያ ኣብ ተራ ሰባት እዩ ዝግለጽ፥ ሓደ ሰብ ንምስጢር ኣምላኽ ክነብር ኣንከሎ ኵላ ቲዮሎጊያ እያ ተረኻቢት እትኸውን ናይ እግዚኣብሔር ምሉእ ህላወን ኣምላኽ ኣብ ዓለም ዚዓዪ ምዃኑ ተስተውዕል እዚ ንቲዮሎጊያን ንሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሰረት እዩ። ሓደ ግምታዊ ጥራይ ዝዀነ ቲዮሎጊያ የፍርሃኒ እዩ። ስጒምቲ ጥራይ ዝኽዕነ ብዕምቈት ዚርአ ራእይ ዘይኮነ ካብ ጸሎት ዘይውለድ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ - ጒስነት የፍርሃኒ እውን እዩ። እዚ ክልተ ነገራት እዚ ምሉእ ብምሉእ ሓድነት ከም ዘለዎ ር.ሊ.ጳ. ይምህሩና ቢል እየ ዝኣምን።
ከምቲ ዝበልክምዎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዅሉ እዮም ዝዛረቡ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነቶም ግብረ ገብን ሃይማኖትን ዝንጽል ባህሊ ዝነብር ህዝቢ ብኸመይ ኢዮም ዝዛረብዎ፥ እቲ ር.ሊ.ጳ. ዝምህሩና ዝበለጸ ነገር ቋንቋ ፍቕሪ እዩ። ፍቕሪ ነቶም ዝነኣሱ እተገሉን ካብ ህብረተሰብ ኣዚዮም እተጠንተኑን። ሓደ እዋን ኣብ ማድሪድ ሓደ መራሒ ታኽሲ ካብ መደበር ባቡር ናብ ኣኼባ ኣቡናት እናወሰደኒ እንከሎ ኣብቲ እዋን ኣነ ካርዲናል ኣይነበርኩን እንተዀነ ግን እቲ በዓል ታክሲ ጸጉሩ ዝተላጸየ ነዊሕ ጭሕሚ ዝነበሮ ከምኡ እውን ኣብ ኣሕዛኑ ብዙሕ ሱቋርን ቅለቤትን ዝነበሮ ምንባሩ ይዝከረኒ፥ ንሱ ድማ “ሎሚ ስለ እቲ ዝመረጽክምዎ ር.ሊ.ጳ. ከመስግነኩም እደሊ” በለኒ ካርዲናል ስለ ዘይነበርኩ ነቶም ዝመረጽዎ ካርዲናላትኬመስግኖም ከም ዘለዎ ድማ ነገርክዎ። ኣይግድሰንን እዩ ካህን ኢዅም እቶ ዝተሓርዩ ር.ሊ.ጳ. ምስ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዘተዓረቐኒ ስለ ምሕራዮም ምሳዅም ሓቢረ እንቛዕ ሓጐሰና እብል” በለኒ። ኣብኡ ንዅሉ ዘፍቕር ጸቕጢ ዘየንብር ምስ ሰባት ህይወት ሰባት ዝኻፈል ብኣውቶቡስ ኣብ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ማካይን ኣብ ባቡር ምስ ሕዝቢ ዝጓዓዙ መፍቀሪ ድኻታትን፥ ነዚ ከምዚ ዓይነት ጓሳ እዩ ህዝቢ ዝስዕብን ዝርድኦን ዝብሎ ዝኣምኖን ከመይሲ እዚ ናይ ፍቕሪ ቋንቋ ስለ ዝኾነ እንክብሉ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።