ግላዊ ጥቅሚ ኣብ ዝሳዕረረሉ ክርስትያን ኣለምቲ ዘተ ይኹኑ! ር.ሊ.ጳ ንሃገረ እስሎቫክያ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝጭብጡ እዙይ ኣብ ሃገራት ሃንጋርን እስሎቫክያን ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ካብ ሃገረ ጣልያን ወጻኢ ናይ ዝገበርዎም ዓለምለኸ ሓዋርያዊ ጒ ዕዞታት መበል 34 ምዃኑ እንክዝከር ኣብ ምዝዛሙ ኣብታ ኣብ ሃገር እስሎቫክያ ከም ድንግል ማርያም ሸውዓተ ሓዘናት እትፍለጥ ሕዝንት ድንግል ማርያም ንሕዝባን ነታ ሃገርን ብምምዕቋብ ዛዘምዎ። መካነ ንግደት ሻሽቲን ሃገራውን ዓለምሓቆፋውን መንፈሳዊ ንግደት ዝፍጸመሉ ፍሉይ ቦታ ኰይኑ ኣብቲ ናይ መዛዘሚ ቅዳሴ ልዕሊ 90 ኣቡናት ልዕሊ 500 ካህናት ልዕሊ 60 ሺሕ ምእመናን ከምዝተሳተፉ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ሃገረ እስሎቫክያ ነቢያት የድልይዋ!
ቅዱስነቶም ቅድሚ ደሓን ኩኑ ኢሎም ምስንባቶም ፍረ ሓውጾተ ኖልዎኦም ዝኾነ ፍሉይ ተልእኮ ንሕዝቢ እስሎቫክያ ኣቅሪቦም። ሕዝቢ እስሎቫክያ ብሓቂ ውፉይ ኣማኒ ሕዝቢ ብምዃኑ ነዚ ሎሚ ዘሎ ወለዶ ከኣ ነቢያት ስለዝደልይዎ ሃገር እስሎቫክያ ነቢያት የድልይዋ ኣለው እሞ ‘ነቢያት ኩኑ’ እንክብሉ ሓደራ በልዎም። እዚ ተልእኮ ትንቢት እዚ ግን ተጻይ ዓለም እትቆመሉ ጽልኢ ዘይኮነ ብርሃን ጨውን ብምዃን ን ዓለምና ምልክት ቅርሕቲ ኰንካ ሕልና ምኲሕኳሕን ነቲ ክርስቶስ ሓደራ ዝበሎ ተልእኮ ተቀቢልካ ከም ክርስትያን መባዂዕቲ ክኾኑ ነዚ ብተግባር ብሕይወቶም ብምንባር ክምስክርዎ ከምዘለዎም ሓበርዎም።
ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብነት ጒዕዞ እምነት!
ኣብ ጒ ዕዞ ሕይወት ምናዳ ኸኣ ኣብ ጒ ዕዞ እምነት ክርስትና ንሕዝቢ እስሎቫክያ ክንዮ ኣብነት እታ ጠበቃኦም ዝኾነት ድንግል ማርያም ካል እ ኣብነት ከምዘይብሎም እሞ ንኣኣ በተን ንሳ ኣብ እምነት ኣርኣያ እትኾነለን ሠለስተ ጠባያት ዝበልወን ጒ ዕዞ ትንቢትን ርሕራሔን ክኽተልዋ ኣዘኻኺሮም። ከመይ እምነት እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ጒ ዕዞ ዘበግስ እምነት እዩ፤ ሕይወት እኖና ድንልግ ማርያም ብምሉኡ ደድሕሪ ኢየሱስ ወዳ ከም ቀዳመይቲ ሓዋርያ ክሳብ እግሪ መስቀል ዝተፈጸመ ጒ ዕዞ ምዃኑ እውን ልሊጾም።
ንእምነት ከም ሽኮር መመቀሪ ኣይትግበርዎ!
እምነት ቅድስት ድንግል ማርያም ትንቢታዊ እምነት እውን እዩ፤ እታይ ናይ ናዝሬት ጐርዞ ቈልዓ ትንቢት ሥራሕ ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ ድሕነት ኰይኑ በቲ ናይ ምሕረት ሥራሑ ን ኣተሓሳስባ ዓለምና ገማጢሉ ንትሑታት ብምል ዓል ን ዕቡያት ከኣ ብምውራድ ዝተፈጸመ ትንቢት እዩ፤ ድንግል ማርያም ከኣ ነቲ ሥጋ ዝለበሰ ቃል ኣምላኽ ኢየሱስ ኣብ ከርሳ ጾረት፤ ከምቲ ስም ዖን ነቢይ ዝበሎ ከኣ ተጻራሪ ምልክት ኰይኑ ን ዕንወትን ትንሣኤን ብዙሓት እስራኤላውያን ኮነ።
ወትሩ ኣብ እግሪ መስቀል ምጽባይ!
ብሣልሳይ ደረጃ እኖና ድንግል ማርያም ምልክት ርሕራሔ እውን እያ፤ እታ ከም ኣገልጋሊት ጐይታ እትግለጽ ድንግል ማርያም ኣብ እግሪ መስቀል ሓፍ ዘይብል ሥቃይ ተሰኪማ፤
ኣብ ፍጻሜ ስብከቶም ቅዱስነቶም እግዚኣብሔር ንሕዝቢ እስሎቫክያ ፍሉይ ጸጋ ክህብ ማለት ነቲ ተዓዲልዎ ዘሎ እምነት ዕብየቱ ተረዲኡ ክድንቀን ከምስግንን ስለ ሕዝቢ እስሎቫክያ ወትሩ ክጽሊ እየ ምስ በሉ ሊቀ ጳጳሳት ብራቲስላቫን ፕረሲደንት ረኪበ ጳጳሳት እስሎቫክያን ብፁዕ አቡነ እስታኒስላቭ ቃለ ምስጋና ኣቅረቡሎም፤ ቅዱስነቶም እውን ስለኩሉ ኣመስጊኖም ኣብ እግሪ ሥ እሊ ሕዝንቲ ድንግል ማርያም ናይ ወርቂ ዕምባባ ጽጌረዳ ብምንባር በቲ ናይቲ ዓዲ ቋንቋ ዳኩዠም ቭሸትኪም ማለት ንኩልኹም እግዚኣብሔር ይሃበለ እብል ከምቲ ዝበልክዎ ከኣ ዳግም ከረጋግጸልኩም ንኩልኹም ኣብ ልበይ ሒዘኩም እጐዓዝ ኣሎኹ እንክብሉ ኣመስጊኖም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ተሰናበትዎም።