ድለ

ግላዊ ጥቅሚ ኣብ ዝሳዕረረሉ ክርስትያን ኣለምቲ ዘተ ይኹኑ! ር.ሊ.ጳ ንሃገረ እስሎቫክያ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሃገረ እስሎቫክያ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብቲ 7 ሓዘናት ድንግል ማርያም ዝዝከረሉ መካነ ንግደት ሻሽቲን ጠበቃ እስሎቫክያ ዝኾነት ሕዝንቲ ድንግል ማርያም ብዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ልዕሊ 60 ሺሕ ምእመናን ኣብ ዝተሳተፍዎ ዛዚሞም። ኣብቲ ቅዳሴ ኣብ ዘስም ዕዎ ስብከት ከኣ ‘ንእምነትኩም ናይ ናብራ መስተማቀሪ ሽኮር ከይትቅይርዎ ሓደራ። ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ኣይዝሑ ኣይምውቅ ኰንካ እግርኻ ኣብ ክልተ ጫማ ወዲኻ ክንበር ኣይከኣልን፤ ወትሩ ኣብ ጒ ዕዞ ምዃን የድሊ፤ ቤተክርስትያን እንተዘይተንቀሳቂሳ ትሓምም’ ምስ በሉ ኣብ መወዳእታ ናይ ስንብት ሰላምታ ኣቅሪቦም ‘ንኩሉኹም ኣብ ልበይ ሒዘኩም ክጐዓዝ እየ’ እንክብሉ ተሰናበትዎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝጭብጡ እዙይ ኣብ ሃገራት ሃንጋርን እስሎቫክያን ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ካብ ሃገረ ጣልያን ወጻኢ ናይ ዝገበርዎም ዓለምለኸ ሓዋርያዊ ጒ ዕዞታት መበል 34 ምዃኑ እንክዝከር ኣብ ምዝዛሙ ኣብታ ኣብ ሃገር እስሎቫክያ ከም ድንግል ማርያም ሸውዓተ ሓዘናት እትፍለጥ ሕዝንት ድንግል ማርያም ንሕዝባን ነታ ሃገርን ብምምዕቋብ ዛዘምዎ። መካነ ንግደት ሻሽቲን ሃገራውን ዓለምሓቆፋውን መንፈሳዊ ንግደት ዝፍጸመሉ ፍሉይ ቦታ ኰይኑ ኣብቲ ናይ መዛዘሚ ቅዳሴ ልዕሊ 90 ኣቡናት ልዕሊ 500 ካህናት ልዕሊ 60 ሺሕ ምእመናን ከምዝተሳተፉ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ሃገረ እስሎቫክያ ነቢያት የድልይዋ!

ቅዱስነቶም ቅድሚ ደሓን ኩኑ ኢሎም ምስንባቶም ፍረ ሓውጾተ ኖልዎኦም ዝኾነ ፍሉይ ተልእኮ ንሕዝቢ እስሎቫክያ ኣቅሪቦም። ሕዝቢ እስሎቫክያ ብሓቂ ውፉይ ኣማኒ ሕዝቢ ብምዃኑ ነዚ ሎሚ ዘሎ ወለዶ ከኣ ነቢያት ስለዝደልይዎ ሃገር እስሎቫክያ ነቢያት የድልይዋ ኣለው እሞ ‘ነቢያት ኩኑ’ እንክብሉ ሓደራ በልዎም። እዚ ተልእኮ ትንቢት እዚ ግን ተጻይ ዓለም እትቆመሉ ጽልኢ ዘይኮነ ብርሃን ጨውን ብምዃን ን ዓለምና ምልክት ቅርሕቲ ኰንካ ሕልና ምኲሕኳሕን ነቲ ክርስቶስ ሓደራ ዝበሎ ተልእኮ ተቀቢልካ ከም ክርስትያን መባዂዕቲ ክኾኑ ነዚ ብተግባር ብሕይወቶም ብምንባር ክምስክርዎ ከምዘለዎም ሓበርዎም።

“ኩነታት ኣብ ዝደርቁሉ ግዜ ክርስትያን ኣለምቲ ዘተ ኰይኖም ብምርካብ ኣብቲ ምምቅቃልን ጽልእን ዝወረሮ ማሕበረሰብ ሕውነታዊ ሕይወት ዘንሸባርቁ፤ ኣብቲ ግላውን ሓባራውን ጥቅሚ ርእሲ ዝሳዕረረሉ መንፈስ ምቅባልን ምድግጋፍን ዘደንፍዑ፤ ኣብቲ ሥነሓሳብ ሞት ዝገዝኣሉ ንሕይወት ዝከላኸሉን ዝዕቅቡን ክኾኑ ኣለዎም ኢሎም።”

ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብነት ጒዕዞ እምነት!

ኣብ ጒ ዕዞ ሕይወት ምናዳ ኸኣ ኣብ ጒ ዕዞ እምነት ክርስትና ንሕዝቢ እስሎቫክያ ክንዮ ኣብነት እታ ጠበቃኦም ዝኾነት ድንግል ማርያም ካል እ ኣብነት ከምዘይብሎም እሞ ንኣኣ በተን ንሳ ኣብ እምነት ኣርኣያ እትኾነለን ሠለስተ ጠባያት ዝበልወን ጒ ዕዞ ትንቢትን ርሕራሔን ክኽተልዋ ኣዘኻኺሮም። ከመይ እምነት እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ጒ ዕዞ ዘበግስ እምነት እዩ፤ ሕይወት እኖና ድንልግ ማርያም ብምሉኡ ደድሕሪ ኢየሱስ ወዳ ከም ቀዳመይቲ ሓዋርያ ክሳብ እግሪ መስቀል ዝተፈጸመ ጒ ዕዞ ምዃኑ እውን ልሊጾም።

“በዚ ከምዚኸስ ቅድስት ድንግል ማርያም ነዚ ሕዝቢ እስሎቫክያ ኣብነት እዚ እምነት እዚ እያ፤ እዚ እምነት እዚ ብገርሀይናን ቀሊልን ተወፋይነትን ኣምልኾን ዝቅለስ ንጐይታ ንምድላይ ወትሩ ኣብ መንፈሳዊ ንግደት ዝተጸምደ ንጒዕዞ ዝብገስ እምነት እዩ። ኣብ ጒዕዞ እንክትርከቡ ንፈተና ናይቲ ኣብ ገዛእ ር እሱ ተዓጽዩ ኣብ ዝኣረገ ሥር ዓታትን ባህልታትን ተዓኒዲ ደው ዝበለ እምነት ትድሕኑ፤ ኣብ ክንዳኡ ንኩሉ ሓጐስኩምን ስቃይኩምን ኣብ ሳንጣኹም ተሓንጊጥኩም ሕይወትኩም መንፈሳዊ ንግደት ናብ ፍቅሪ እግዚኣብሔርን ብጻይን ትገብሩ ኢሎምዎም።”

ንእምነት ከም ሽኮር መመቀሪ ኣይትግበርዎ!

እምነት ቅድስት ድንግል ማርያም ትንቢታዊ እምነት እውን እዩ፤ እታይ ናይ ናዝሬት ጐርዞ ቈልዓ ትንቢት ሥራሕ ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ ድሕነት ኰይኑ በቲ ናይ ምሕረት ሥራሑ ን ኣተሓሳስባ ዓለምና ገማጢሉ ንትሑታት ብምል ዓል ን ዕቡያት ከኣ ብምውራድ ዝተፈጸመ ትንቢት እዩ፤  ድንግል ማርያም ከኣ ነቲ ሥጋ ዝለበሰ ቃል ኣምላኽ ኢየሱስ ኣብ ከርሳ ጾረት፤ ከምቲ ስም ዖን ነቢይ ዝበሎ ከኣ ተጻራሪ ምልክት ኰይኑ ን ዕንወትን ትንሣኤን ብዙሓት እስራኤላውያን ኮነ።

“ነዚ ኣይንረስዕ ን እምነት ናብ ሕይወት ዘመቅር ሽኮር ክንልውጦ ኣይከኣልን እዩ፤ ኢየሱስ ትእምርቲ ቅርሕንቲ እዩ፤ ጸልማት ኣብ ዘለዎ ብርሃን ከምጽእ እሞ ጸልማት ካብቲ ተሓቢሉ ዝነበረ ናብ ቃል ዕ ወጺኡ ኢዱ ከምዝህብ ገበረ! በዚ ከኣ ሓይልታት ጸልማት ወትሩ ምሳኡ እናተቃለሱ ይነበሩ፤ ንክርስቶስ ዝቅበል ልቡ ን ኣኡ ከፊቱ ምሳኡ ይትንሥ እ፤ ዝነጽጎ ግን ኣብ ጸልማት ተዓጽዩ ገዛእ ር እሱ የዕኑ፤ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ እግርኻ ኣብ ክልተ ጫማ ወዲኻ ኣይምውቅ ኣይዝሑል ኰንካ ክንበር ኣይከኣልን፤ ን ኣኡ ምቅባል ማለት ነቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ተቃርኖን ጣዖታተይን ፈተናታት ጸላእን ንከጋልጽ ምፍቃድ እዩ፤ በዚ ከኣ ትንሣኤ ናተይ ኰይኑ ምስ ወደቅኩ ወትሩ ብ ኢደይ ሒዙ ካብቲ ዝወደቅኩሉ ኣተንሢኡ ዳግም ጒ ዕዞ ከምዝጅምር ይገብረኒ፤ ነዚ ንምግባር ከም ድንግል ማርያም ወትሩ ኣብ እግሪ መስቀል ምጽባይ የድሊ ኢሎም።”

ወትሩ ኣብ እግሪ መስቀል ምጽባይ!

ብሣልሳይ ደረጃ እኖና ድንግል ማርያም ምልክት ርሕራሔ እውን እያ፤ እታ ከም ኣገልጋሊት ጐይታ እትግለጽ ድንግል ማርያም ኣብ እግሪ መስቀል ሓፍ ዘይብል ሥቃይ ተሰኪማ፤

“ኣይሃትሃድም! ገዛእ ር እሳ ክትደሕን ኣይትፍትን መዔገሲ ሥቃያ ዝኸውን ዝኾነ ሰብ ኣውን መንፈሳውን ፈውሲ ቃንዛ ኣይትጥቀምን፤ ፈተና ርሕራሔኸስ እዚ እዩ፤ ኣብ እግሪ መስቀል ጸኒ ዕካ ምጽባይ! ብንብ ዓት ዝተዓለሰ ገጽ ሒዝካ ምጽባይ እንተኾነ ነቲ ኣብ ል ዕሊ ወዳ ዝኾነ ወልደ እግዚኣብሔር ዘሎ ሥቃይ ለዊጡ ንሞት ከምዘሸንፍ ዝርዳእ እምነት ሒዛ ነበረት። ንሕና እውን ንሕዝንቲ ድንግል ማርያም እናክንጥምት ዝቈሰለን ዝሳቀን ከቢድ መስቀል ኣብ እንግዳዓኡ ክቅበል ንዝተቀሰበን እናክርኢ ናብ ርሕራሔ ንዝልወጥ እምነት ልብና ክንከፍት ኣሎና፤ እዚ እምነት እዚ ኣብ ሓሳብ ጥራይ ዝተርፍ ዘይኮነ ናብ ሥጋ ኣትዩ ኣብ ጸገም ንዝርከብ ኩሉ ክንድግፍ የኽእል ኢሎም።”

ኣብ ፍጻሜ ስብከቶም ቅዱስነቶም እግዚኣብሔር ንሕዝቢ እስሎቫክያ ፍሉይ ጸጋ ክህብ ማለት ነቲ ተዓዲልዎ ዘሎ እምነት ዕብየቱ ተረዲኡ ክድንቀን ከምስግንን ስለ ሕዝቢ እስሎቫክያ ወትሩ ክጽሊ እየ ምስ በሉ ሊቀ ጳጳሳት ብራቲስላቫን ፕረሲደንት ረኪበ ጳጳሳት እስሎቫክያን ብፁዕ አቡነ እስታኒስላቭ ቃለ ምስጋና ኣቅረቡሎም፤ ቅዱስነቶም እውን ስለኩሉ ኣመስጊኖም ኣብ እግሪ ሥ እሊ ሕዝንቲ ድንግል ማርያም ናይ ወርቂ ዕምባባ ጽጌረዳ ብምንባር በቲ ናይቲ ዓዲ ቋንቋ ዳኩዠም ቭሸትኪም ማለት ንኩልኹም እግዚኣብሔር ይሃበለ እብል ከምቲ ዝበልክዎ ከኣ ዳግም ከረጋግጸልኩም ንኩልኹም ኣብ ልበይ ሒዘኩም እጐዓዝ ኣሎኹ እንክብሉ ኣመስጊኖም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ተሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
16 Sep 2021, 13:25