ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃንጋርን ስሎቫኪያን ዘካይድዎ መገሻ ንማርያም የወክፉ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 መስከረም 2021 ዓ.ም. ምሸት ሰዓት ሸውዓተ ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዝገብርዎ፥ ነቲ መበል 34 ሓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ናብ ቡዳፐስትን ስሎቫኪያን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ንኸወክፉ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞምን ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ኣብ እትርከብ ትሕቲ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ቁንን ዕንባባ ኣንቢሮም ናይ ግሊ ጸሎት ከምዘዕረጉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ኣምላኽ እንተ ፈቒዱ ካብ ዕለት 12 ክሳዕ ዕለት 15 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃንጋርን ስሎቫኪያን ሓዋርዊ መገሻ ከካይድ እየ . . .።” ከምዝበሉን፡ ዕለት 12 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ቡዳፐስት ንዝካየድ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን መዛዘሚ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ባዕሎም፥
ንዅሎም እቶም ነዚ ጉዕዞ እዚ ዜዳልዉ ዘለዉ ኣዝየ አመስግን ምእንታኦም ድማ እጽሊ። ምእንቲ እዚ ጉዕዞ እዝን ምእንቲ እቶም ንኸዳልዉ ዝተወደቡ ሰባት ኵላትና ንጸሊ።
ብዝብላ ቃላት ኣቢሎም ዕለት 4 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ሓቢሮም ከምዝነበሩ የዘኻኽር።