ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንዓሌት ሮም ስሎቫኪያ፥ ምግታእ ቁጣዔ የጐሃህር፥ ቤተ ክርስቲያን ቤት ኵሉ እያ

ፍርድን ከምይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይን ርሕቐት ጥራይ እዩ ዘስፍሕ፡ ምፍሕፋሕን ሓያል ቃላትን ነቲ ምርሕሓቕ እዩ ዘብእስ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ሉኒክ ታሽዓይ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ኣብ ጫፍ ከተማ ኮሺቸ ዝርከብ ገዛውቲ ዓሌት ሮም ምብጻሕ ኣካይዶም ነቶም ኣብኡ ዘገልግሉ ኣባላት ዛሊዢያን ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ኣመስጊኦም፥ ዓሌት ሮም ብዘይ ምሕረት ኣደዳ ቅድመ ፍርዲ ከምዝኾኑን ፍርድን ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይ ፍልልያትን ምርሕሓቕን ጥራይ እዩ ዘግድድ ካብዚ ንምልቓቕ ዘኽእል መገዲ ዘይንጽል ንዅሉ ዝሓቑፍ ባህሊ እዩ” ቢሎም “ክንየው ፍርሂ ካብ ቍስሊ ዝሓለፈ ብቕንዕና ብምዕያይ ዕለታዊ እንጌራ ንምርካብ ትጉሃት ምዃን የድሊ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ሉኒክ ታሽዓ እተሰምየ ናይ ዓሌት ሮም መንበር ክፍለ ከተማ ተረኺቦም “ኣብቲ ፍራንቸስኮ እንቋን ብደሓን መጻእካ” ዝብል ጽሑፍ ኣብ ዝተነብሮ ፊት ቅርዓት ኰይኖም ንዓሌት ሮም ኣገልግሎት ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸትን ዝሓልይ ብልኡካነ ወንጌል ማሕበር ሳሊዝያን ዝመሓደር ማእከል ተረኺቦም፥

ኣይፋል ንፍርድን ቅድመ ፍርድን

“ፍርድን ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይ” ዘሕፍር ከምኡ እውን ካብዚ ንምልቓቕ ሓቛፋይ ባህል ምትብብዕ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ ናብ “ሰላም ዝመለኦ ህላወ” ዝመርሕ እንኮ መገዲ እዩ።

ፍርድን ከምይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይን ርሕቐት ጥራይ እዩ ዘስፍሕ፡ ምፍሕፋሕን ሓያል ቃላትን ነቲ ምርሕሓቕ እዩ ዘብእስ፡ ንሰባት ምግታእ ፈጺሙ መፍትሒ ክኸውን ኣይኽእልን፡ ውዒልካ ሓዲርካ ዕጽው ምዃን ከተደልድል ከለኻ ቁጥዔ እዩ ዘጐሃህር፥ ንሓባራዊ ሰላማዊ ናብራ እንኰ መገዲ ሓቛፋይ ባህሊ ምትብባዕ ዝብል እዩ!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም በኣማኢት ዝቝጸሩ ቈልዑ ሓንጐፋይ ቢሎም ኪቕበልዎም ኣእዳዎም እናወዛወዙ ንዅሉ ሰላም ክብልዎም እንከውን ኣብ ገጸም ዝርአይ ዝነበረ ፍሽኽታ በሪ ተስፋ ዘርህው እንክብሉ ብዙሓት ከምዝገለጽዎ ኣመላኺቱ፡ ናይቲ ማእከል ኣመሓዳሪ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ንዓሌት ሮም ኣብ ምግልጋል ዝተጸምዱ ካህን ኣባል ማሕበር ሳሊዚያውያን ፐተር ባሰንያ ድሕሪ ዘስምዕዎ ቃልን ክልተ ዓሌት ሮም ድሕርሪ ዘቕረብዎ ምስክርነትን ኣስዒቦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥

ቤተ ክርስቲያን ቤት ኵሉ እያ

ልዕሊ ኵሉ ዘገረሞም ነገር እቲ ያን እተሰምየ ዓሌት ሮም ምስ በዓልቲ ቤቶም ቢታ ኮይኖም ኣብ ዝሃብዎ ምስክርነት ቅድሚ ሕጂ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ኣብ ቤተ ክርስቲያን መጻእተይና ኰነ ወጻእይተይና የልቦን” ዝበልዎ ቃል ከምዘዘኻኸሩን፥ ቅዱስነቶም ነዚ እናሓሰቡ፥ “ዋላ ሓደ ካብ ቤተ ክርስቲያን እተገለ ኮይኑ ኪስምዖ ወይ ኪርሕቕ የብሉን፡ ቤተ ክርስቲያን ምዃን ከምቲ እግዚኣብሔር ዝጽውዖ ኮይንካ ምንባር ማለት እዩ፡ . . . ኣምላኽ በቲ ዝኾንናዮ እዩ ዝደልየና . . . ከም ምዃንና ኣብ ምዃንናን፥

እወ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤትኵም እያ ዘላ፡ ስለዚ ኣባይትኹም እውን እያ፥ ስለዚ እንቋ ብደሓን መጻእኵም! ወትሩ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከምዘለዅም ኮይኑ ይሰመዓኩም ኣብኡ ምንባር ድማ ከቶ ኣይትፍርሁ ንዓኻትኵም ኰነ ንኻልእ ሰብ እውን ካብ ቤተ ክርስቲያን ኬውጽኣኵም ኣይትፍቀዱ!

 ካብ ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ንላዕሊ ምኻድ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመክሮ ጃን ጠቒሶም እዚ ድማ “እቲ ብሓንሳእ ምንባር ዘይስገር ዚመስል ኣዚዩ ብዙሕ ሓደ ዓይነት ኣርኣእያ ብኸመይ ከም ዜፍርስ” ጭቡጥ መረጋገጺ እዩ፥

ኣብ መንጐ ክርስቲያን እውን ከይተረፈ ከይመርመርካ ብሕማቕ ምፍራድ ካብ ዝብል ኣመለኻኽታ ክንየው ምባል ቀሊል ኣይኮነን፥ ንኻልኦት ምምሳው ቀሊል ኣይኮነን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዕንቅፋታት ወይ ተጻረርትኻ ትርኢ ውጅሆምን ዛንታታቶምን ከይፈለጥካ ድማ ትፈርድ!

ይዅን እምበር ክርስቶስ “ኣይትፍረዱ” እንክብል ይምህረና። እንተዀነ ግን ክንደይ ሳዕ ኢና ብዘይ ገለ ነገር ከየስተውዓልና እንዛረብ፡ የግዳስ ተሪር ፈራዶ ኽንከውን ከለና ንርእስና ቕኑዕ ጌርና ኢና እንርእያ፡ ምስ ካልኦት ዘይተዓጻጸፉ ንኸውን።”

ፍርዲ ክንደይ ሳዕ እዩ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይ ዘለዎ ክንደይ ሳዕ ኢና ብሕማቕ እንፈርድ፡ ንጽባቐ እቶም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝዀኑ ደቂ ኣምላኽ ብቓላት ብቓላት እነጥፍእ፡ ነቲ ካልእ ክውንነት ናብተን ኣቐዲመን እተዓሸጋ መርኣያታትካ ክትንክዮ ኣይትክእልን ኢኻ ንሰባት ከኣ ከተታልሎም ኣይትክእልን ኢኻ።

ዓሌት ሮም ብዘይ ምሕረት ንቅድመ ፍርዲ ይቃልዑ

“ብዙሕ ግዜ ናይ ኣቐዲምካ ምርዳእን ምሕረት ዘይብሉ ፍርድን ኣድልዎን ዝመልኦ ኣረኣእያ ናይ ዘጸልም ወስታን ውድዓ ከም ዝዀኑ፥ በዚ ተግባር እዚ እውን ኵላትና ኣብ ሰብኣውነትና ንደክምን ድኻታት ንኸውን።” ስለዚህ “ክብሪ ንምምላስ - ካብ ጽልኢ ናብ ዘተ ካብ ምዕጻው ናብ ሕብረት” ምግዓዝ ኣድላዪ ኢዩ። ብኸመይ? መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ካብ ታሪኽ እቶም ካብ ውርድት ኣብ ሉኒክ ማእከል ኣብ ፍቕሪ ዝውለዱ እተወልዱ ኒኮላን ረኔን ዝብሃሉ ኽልተ ዓሌት ሮም ሰብ ሓዳር ዝመጽእ እዩ። ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ካብ መንበረ ጥበብ ተመሪቖምን ስራሕ ሒዞምን መንበሪ ቤት ዓዲጐምን ይነብሩ ኣለዉ፡ እቲ ዘስተማቐርኩምዎ ፍቕሪ ንደቓትክውም ብዝያ ክትህብዎም ከምዘድሊ ኮይኑ እውን ይስምዓኵም። “ስለዚ ክቡር መልእኽቲ ሂብኩምና ኣሎኹም - ኣብቲ ንሰብ ዝከናኸነሉ ዕዮ መጓሰ ዘለዎ ትዕግስትን ጭቡጥ ዘበለ ፍረታት የምጽእ። ብኡብኡ ዘይኩነስ ምስ ግዜን ኣብ ግዜን ቀስ እናበለ እዩ እቲ ፍረ ዝርከብ።” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መጻኢ ቈልዑ

ዘይንጽል ንዅሉ ዝሓቍፍ ሓድነት እኳ ደኣስ “ብሓባራዊ ፍልጠት ዝጅምር ቀስ ዝበለ ኣድላዪንመስርሕ ብትዕግስቲ ንቕድሚት ይስጒም ንመጻኢ ድማ ይጥምት” - ናይ ቈልዑ መጻኢ - “እቶም ዘቕንዑና ንሳቶምእ ኢዮም እቲ ዓበይቲ ሕልምታቶም ዕንቅፋታትና ክፈርስ ኣይክእል እዩ” ብምባል ኣጠንቂቖም፡ “ብዘይ ዕንቅፋታትን ብዘይ ገለ ምንጻልን ምስ ካልኦት ሓቢሮም ክዓቢዩ ኢዮም ዝደልዩ። ሓደ ዘይንጸልን ናጻን ህይወት ኪነብሩ ይግብኦም እዩ” ስለዚ “ቕልጡፍን ንርሑቕ ዘይጥምት ሓባራዊ ስምምዕ” ዘይኮነ “ናብ መጻኢ ኵሉ ጠመተ” ዝብል “ኣርሒቕካ ዚርአ ምርጫታት” የድልየና እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ኣስዒቦም ነቲ እቶም ካብ 2008 ዓ.ም. ኣተሓሒዞም ኣብቲ ናይ ግሉላት ሱር ሰደድ ዝዀነ መንበር ዓሌት ሮም ተዋፊሮም ዘካይድዎ ዘለዎ ናይ ሓቛፊ ባህል ናይ ምስፋሕ ኣግልግልት ንኢዶም “ኣብ ርእሲ እቲ ብዙሓት ጻዕርታት ሓድሓደ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ከይተረፈ ግጉይ ምርዳእን ዘይምምስጋንን ንኽረኽብሉ” ቀሊል ዘይኮነ ኣገልግሎት ኣጒሊሖም “ምስቶም ኣብ ሕድጋት ዘለዎ ዕዩዩ” እንክብሉ ኣተባቢዖም ንሮማ ዓሌት ጥራሕ ዘይኮነ ናብ ኵሎም ስደተይናታትን እሱራትን ዝበጽሕ ኣገልግሎት ይዅን” እንክብሉ ከምዝመዓዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብፍላይ ነቶም ኣብቲ ዓሌት ሮም ኣብ ሕርጋት ዝነብሩሉ ቦታ ዘገልግሉ ንዘለዉ ኣባ ፒተር ኣመስጊኖም፥

ነቶም ዝተሓረጉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ንምርኻብ ምውጻእ ኣየፍርሕክውም! ምስ ኢየሱስ ክትራኸቡ ትኸዱ ከምዘለዅም ከተስተውዕሉ ኢኻትኩም፡ ኢየሱስ ኣብቲ ምሾት ዘለሉ ስፍራ ዘይኮነ ኣብቲ ተነክቃፍን ኣገልግሎት ኣብ ዝሓትትን ስፍራ እዩ ዘሎ፡ . . . ኣብ ዝስብኣሉ . . . ኣብኡ እዩ ዘሎ!

ቢሎም ኣብ ምወዳእታ ዘስምዕዎ ቃል፥ “ካብ ፍርሂ ክንየው እቲ ዝሓለፈ በሰላ ብምትእምማን በብደርጃ ማለት ብቕንዕና ኣብ ምዕያይ ዕለታዊ እንጌራ ኣብ ምርካብ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ምድልዳል የድሊ” እክብሉ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 Sep 2021, 08:25