ድለ

2021.09.27 LIBRO CON PREFAZIONE PAPA 2021.09.27 LIBRO CON PREFAZIONE PAPA 

ሕውነትን ሕብረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያንን እግዚአብሔር ንዘመደ ኣዳም ኣብ ዘለዎ ፍቅሪ ዝተመሥረቱ እዮም! ር.ሊ.ጳ

ቀንዲ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ናይታ ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ብዝምልከት ብፁዕ ካርዲናል ችዘርንይ መጽሓፍ ብምድራሶም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ መጽሓፍ ዝኸውን መባእታ ከምዝጸሓፉን ‘ሕውነትን ሕብረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያንን ካብ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ወጻኢ ከምዘይኮኑ እኳ ደኣ እግዚአብሔር ንዘመደ ኣዳም ኣብ ዘለዎ ፍቅሪ ዝተመሥረቱ እዮም!’ ከምዝበሉን ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ኣርእስቲ እቲ መጽሓፍ ‘ሕውነት ትእምርቲ ዘመንና(ግዜና)’ ዝብል ኰይኑ ብብፁዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርኒን ኣባ ክርስቲኣን ባሮንን ብቋንቋ ጣልያን ተደሪሱስ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ቤትማሕተም ቅድስት መንበር ቀሪቡ። ቅዱስነቶም ቅድሚ ዝኣገረ እቲ መንግሥቲ እግዚአብሔር ኣብ መንጎና ከስፍሕ ከማና ሰብ ኰይኑ ምሳና ዝነብር ዝሓደገልና ወንጌል ቀንዲ ትሕዝቶኡ ‘ሕመረት ወንጌል መንግሣቲ እግዚአብሔር ምእዋጅ ኰይኑ እዚ ከኣ ንኢየሱስ ብኣካሉ ማለት ኣማኑኤል እግዚአብሔር ምሳና እዩ። ብኢየሱስ እግዚአብሔር ንዘመደ ኣዳም ዘለዎ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅርን መደቡን ይገልጸልና። ነዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ፍጡራት ጒይትነቱ ብምሥራዕን ኣብ ታሪኽ ዘመደ ኣዳም ዘርኢ መለኮታዊ ሕይወት ብምስዃዕ ካብ ውሽጢ ከምዝልወጥ ዝገብር እዩ` እንክብሉ ሕውነት ብዓንዲ ርእሱ ፍረ ናይዚ ውሳጣዊ ለውጢ ዘርኢ መንግሥቲ ኣምላኽ ምዃኑ ገሊጾም።

ሕውነትን መንግሥቲ እግዚአብሔርን!

እቲ ንኩልና ሓወይ ሓውተይ ዝብል ኢየሱስ ነዚ ዘርኢ ሕውነት ከመይ ቢሉ ከምዘምጸኦ ምናዳ ኸኣ ኣብቲ ንሱ መንግሥቲ ኣምላኽ ቀሪባ እያ ተነስሑ እናበለ ዝሰበኻ መንግሥቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ቦታ ከምዘለዋ ንምዝኽኻር ቅዱስነቶም ምሥጢር መንግሥቲ ኣምላኽን ምስ ሕውነት ዘመደኣዳም ዘለዎ ዝምድናን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ርግጽ እዩ መንግሥቲ እግዚአብሔር ከምዚ እዩ ኢልካ ትፈልዮ ኣይኮነን ወይውን ምስ ገለ ምድራዊ መንግሥቲ ወይውን ፖሎቲካዊ መግለጺ እተደናግሮ ጒዳይ ኣይኮነን። እንተኾነ ምስ ወጻኢ ዘይራኸብ ፍጹም ውሳጣዊ ጥራይ ኢልካ ኣብ ግላውን መንፈሳውን ድሕሪ ሞት ንዘሎ ሕይወትን ዝምልከት እዩ ኢልካ ኣባኡ ዝሕጸር እውን ኣይኮነን ኢሎም።”

ከምቲ ኢየሱሳዊ ሊቅ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ሄንሪ ደ ሉባክ ዝብሎ ‘እምነት ክርስትና ብዘደንቅ ስግንጢር ይንበር’ ከምዝበሎ እዩ ነገሩ። መንግሥቲ ኣማላኽ ነቲ ኣብዝን ሕጅን ዝኸውን ነገር እውን እንክምልከት ፍጥረት ምሉእ ሓርነት ክሳብ ዝለብስ ከኣ ንመጻኢ ዝተኮረን ብመላእ ተፈጥሮ ዝቀርብ አህህታን እዩ። ስለዝኾነ ሕይወት ክርስትና ኣብ ዘመናዊ ዓለምና እውን ዝተተኽለ መለኮታዊ ዘርኢ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዘመናዊ ዓለምና ዝተተኽለ ዘርኢ!

ክርስትያን ዘቦኡ ኩሉ መንግሥቲ እግዚአብሔር ኣብዚ ምድሪ እዚ ክትከል ክሕግዝ ዝተጸውዔ እዩ! እዚ ከኣ ማሕበራዊ ሕይወት ክርስትና ነፍስወከፍና ኰይኑ ወትሩ ክንዝንግዖ ዘይብልና ጉዳይ እዩ።

“ነፍስወከፍና መንግሥቲ እግዚአብሔር ኣብዛ ዓለምና ንክነግሥ እጃምና ክነበርክት ኣሎና። ነዚ ከኣ ናይ ድሕነትን ሓርነትን ቦታታት ብምኽፋትን ተስፋ ብምዝራእን ነቲ ነፍሲ ዝቀትል ንኣይ ይጥዓመኒ ዝመለለዪኡ በለጽ ብወንጌላዊ ሕውነት ብምትካእን ንጐረባብትና ምናዳ ኸኣ ንድኻታት ሕያውነትን ምድግጋፍን ብግብሪ እናኣርአና ክኸውን የድሊ። መንግሥቲ እግዚአብሔር ኣብዚ ዓለም እትግለጸሉኸስ መጠን ሕውነትን ፍትሕን ሰላምን ክብረትን ንኩሉ ዝነገሠሉ ማሕበረሰብ መጠን ዝፈጠርናዮ እዩ ኢሎም።”

በዚ መንገዲ እዚ ንኣደና ዝኾነት ተፈጥሮ ክንሓሊ ኣብ ምድግጋፍ ዝተመሥረተ ማሕበረሰብ ክነቅውም እሞ ኩልና ኣሕዋትን ኣሓትን ኰና ክንነብር። እዚ ክንዮ እምነት ኣብ ወጻኢ ዝቅመጥ ዘይኮነ ጭቡጥ መግለጺ ክርስትያናዊ እምነት እዩ ምኽንያቱ ከኣ ሕብረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ኣብ ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝተምሥረተ እዩ ኢሎም።

ኅብረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን መሠረቱ ፍቅሪ እግዚአብሔር እዩ!

ቅዱስነቶም ሓሳባቶም ብምቅጻል ‘‘ሕብረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ብላዕሊ ላዕሊ ዝረኤ ማሕበረሰብኣዊ ኣመላኽታ እምነት ከይመስለና ካብ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ወጻኢ ከምዘይኮኑ እኳ ደኣ እግዚአብሔር ንዘመደ ኣዳም ኣብ ዘለዎ ፍቅርን ፍቅራዊ መደብ ድሕነትን ሕውነትን  ዝተመሥረቱ እዮም’ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ዕላማ ናይቲ ብብፁዕ ካርድናል ሚካል ችዘርኒን ኣባ ባሮንን ዝቀረብ መጽሓፍ ንፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ክተላሊ እኳ እንተኾነ ኣብ መንጎ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ኅብረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያንን ንዘሎ ርክብ እውን ከምዝድህስስ ገሊጾም። በዚ መንፈስ እዚ ከኣ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ሕውነት ዝገልጾ ምልክታት ግዜና ጐሊሑ ይረኤ። ንዘሎናዮ ዘመንን ዓለምን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሕጂ ዘድልዮ ከኣ እዚ እዩ። ካብ ናይ ካልኣይ ጉባኤ  ሰነዳት ሓደ ዝኾነ ሓሴትን ተስፋን ከኣ ነዚ እዩ ሓደራ ዝብል በዚ ከኣ ቤተክርስትያን ኣብ ኣገልግሎት ዘመደ ኣዳም ክትወፍር መንገዲ ስለዝኾና ምስ ዘሎናዮ ዘመናዊ ዓለምና እናተዛተየት ንተፈጥሮ እናተገደሰት ንሕውነት እናኣደንፍዔት ተልእኯኣ ትፍጽም እንክብሉ መእተዊ ናይቲ መጽሓፍ ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
28 Sep 2021, 16:38