ንተስፋ ስደተኛታት መዓጹኹም ኣይትረግጡ! ብዘይምንም ቅድመ ኩነት ንቅድሚት መርሹ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ዓመት ዓመት ንዓለምለኸ ዕለተ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ኣመልኪቶም መልእኽቲ ከምዝጽሕፉ ዝዝከር ኰይኑ ዝሓለፈ ግንቦት እውን ነዛ ሎምዘመን ንመበል 107 ግዜኣ ዕለት 26 መስከረም 2021 እትዝከር ‘እዚ ዕለት እዚ ንቤተክርስትያን ሓድነት ኣብያተ ክርስትያንን ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተን ንምድንፋዕ ፈርያም መሬት እዩ። ብዘይምንም ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ምንም ፍርህን ኣብ ጐድኒ እቶም ተኣፈፍቲ ኰና ብሓባር ንመርሽ’ እንክብሉ ሰፊሕ መልእኽቲ ጽሒፎም ነሮም። እዚ ከኣ ብዘይ ምንም ሌላ ጐሌላ ናይ እምነት ፍልልይ ብዘይብሉ ኣገባብ ዋላ እቶም ዘይኣምኑ እውን ንክሳተፉ ዝዕድም ክፉት መልእኽቲ ነበረ። ብመሠረት ጻውዒት ቅዱስነቶም ኩልና ኣብ ጐድኒ ዝሳቀዩ ዘለዎ ዘመደ ኣዳም ማለት `ስደተኛታት ሓተቲ ዑቊባ ዝተፈናቀሉ ግዳያት ንግድ ደቂሰባትን ኩሉ ዝጠንጠኖምን’ ክንሕግዝ ብምዝኽኻር ናብቲ ዝዓበየ ንሕና ዝብል ንኩሉ ዘጠቃልል ሕብረት ክንበጽሕ ጸዊዖም ነሮም።
ማንም ከይግለል!
ሰንበት 26 መስከረም እውን ኣብ ዕለቱ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ምእመናንን ነጋድያንን ኣብ ቅርዓ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ደገሙ ነቲ ኣብ ኣስተምህሮ ጉባኤ መልአከ እግዚአብሔር ዝበልዎ ብምስፋሕ ንኩሉ ተቀቢልና እንኽእል ክፉታት ማሕበረሰባት ክንከውን ንማንም ከየነወስን ከይንግልል ሓደራ ብማለት ነዚ ጻውዒት እዚ ኣቅሪቦም።
ኣብ መወዳእታ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ጒጅለታት ምስ ኣመስገኑ ፍሉይ ምስጋና ነቶም ንስደተኛታት ንምቅባልን ንምሕጋዝን ለይትን መዓልትን ዝጽዕሩ ልባዊ ምስጋና ኣቅርቢኦም።