ድለ

ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት፥ “ተንስእ ሓጐስ ክርስቶስ መስክር” ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት፥ “ተንስእ ሓጐስ ክርስቶስ መስክር” 

ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት፥ “ተንስእ ሓጐስ ክርስቶስ መስክር”

ሎሚ ብፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ እምነቶም ተደሪኾም ኣብ ህይወት ብዙሓት ሰባት ዓመጽን ዕንወትን ዜውርድ መጋበርያ ዚዀኑ ከንደይ መንእሰያት ኮን እዮም! ገሊኦም ደቀባት እደ ጥበባዊ ምዕባለ መርዚ ንምዝርጋሕ ንተጻረርቶን ንምፍራስ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከም ኣጽዋር ብምጥቓም ኣብቲ ሓድሽ ምናባውን ማሕበራው ዓውደ ውግእ ዝዋስኡ ክንደይ እዮም!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ብሰበኻ ደረጃ ኣብ መላእ ዓለም ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ሓደ መንእሰይ ክወድቕ እንከሎ ብእተወሰነ ደረጃ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ይወድቕ ክትንስእ እንከሎ ድማ መላእ ዓለም ክትንስእ ይገብር” ስለዚህ ከምቲ ኢየሱስ ንጳውሎስ “ተንስእ” እንክብል ዝሃቦ ምዕዳን ብኻልእ መዳይ ካብ ዑረት ወጺእካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓቅነት ብኽርስቶስ ኣቢልካ ዳግም ንኽተለልይ ዝዕድም እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ብምኽንያት ዕለት 21 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ብሰበኻዊ ደረጃ ኣብ መላእ ዓለም “ተንስእ፥ ናይቲ ዝረኣኻዮ መስካሪ ክገብረካ እየ” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ዝበዓል መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ከም ኣብ ጐድኒ መንእሰያት ኮይኖም ንውላዱ ከም ዘሰይን ኣቦ ንዅሎም መንእሰያት በዚ ብሰበኻዊ ደረጃ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣቢሎም ናብቲ “ማርያም ተንሲኣ ቀልጢፋ ድማ ከደት” ብዝብል መርሕ ቃል ዝምራሕ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሊስቦን ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መእሰያት የሰንዩ። ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ናብ ደማስቆ ኣብ ዝጓዕዘሉ ዝነበረ መገዲ ዝተለወጠሉ እዋን ማለት ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ “ተንስእ” እንክብል ዝጸውዖ ኵነት ኬስተንትኑ ዓዲሞም፥ እዚ ኸኣ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ህያው ዕድመ ከምዝኾነ ቅዱስነቶም የብርሁ።

መሰኻኽር ብርሃን ናይ ምዃን ተልእኾ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ክፍጽሞ ዘለዎ ተልእኾ ስለ ዘሎን ነቲ ኣብ ኵሉ ኣብ ልቡ ዝነብሮ ነገራት ምስክር ስለ ዝኾነን “ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ከየማርር” ሓደራ እንክብሉ፥

ብርሃን ዘጓነፎ ዕዉር ከም ዝረኣኻዮ ኣብ ገዛእ ራሱን ኣብ ካልኦት ከምኡ እውን ኣብ በይናውነትን ኣብ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያንን ሰናይን ጽባቔን እግዚኣብሔር ከምዝረኣኻዮ ተንስእ እሞ መስክር፥ ኣብ ሰብኣዊ ርክባት ኣብ ናብራ ስድራ ቤት ኣብ መንጐ ወለድን ውሉዳትን ኣብ መንጐ ንኣሽቱን ዓበይትን ኣብ ዝግበር ዘተ ክምስረት ዝክእል ፍቕርን ኣኽብሮትን ተንስእ እሞ መስክሮ!

ተንሲእካ ንማሕበራዊ ፍትሒ ሓቅን ጽድቅን ሰብኣዊ መሰላትን ንመስጐጒትን ንድኻታትን ሕዙናትን ነቶም ኣብ ሕብረተሰብ ድምጺ ዘይብሎም ስደተይናታትን ተጣበቐሎም። ተንሲእካ ነቲ ፍጥረት ብዜደንቕ ኣዒንቲ ከም እትርኢ ዚገበረካ ሃድሽ ትርኢት ርኣዮ ንምድሪ ከም ሓባራዊ መንበሪትና ገርይካ ከም እትርእያ ይገብረካ ዘይንጽል ማሓድሮ ንኽትከላኸል ድማ ትብዓት ይህበካ!

ዝፈሸለ ህይወት ዳግም ኪህነጽ ከም ዚኽእል እቶም ብመንፈስ ዝሞቱ ሰባት ኪትንስኡ ከም ዚኽእሉ ጊሎት ካብ ሓርነት ኪምለሱ ከም ዚእኽሉ ብጓሂ እተጸቕጡ ተስፋ ኪረኽቡ ከም ዚኽእሉ ድማ መስክሩ!

ተንሲእካ ክርስቶስ ህያው ከም ዝኾነ ብሓጐስ መስክር! ነቲ ብዛዕባ ፍቕርን ድሕነትን ዚገልጽ መልእኽቱ ኣብ ኣብ መዛኑኻ ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ መናብርተ ጥበብ ኣብ ናይ ዕዮ ቦታ ኣብቲ ብእደ ጥበብ ዝማዕበለ ማሕበራው መረብት ኵሉ ኣብጽሓዮ!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ለብዒ ስቓይን ሓድነትን መንእሰያት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ለብዒ ሰስዓቦ ስቓይ ከምኡ እውን ርእስካ ምንጻል ዝብል ዘኪሮም፡ “ገዛእ ርእስዅም ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ኢኹም ተርኺብኵም ነዚ ድማ ክትቂጻጸርዎ ዝክኣለኵም እይኮነን፡ እቶም ብዙሕ ዘይተዳለዉን ድገፍ ዘይቦምን ሰባት ተስፋ ክቘርጹ ተራእዮም እያቶም። ኣብ በምዛሕቲኡ መዳያት ኣባይቲ ስድራ ዘስዓቦ ጸገምን ስእነት ስራሕን ጭንቀት ጽምዋን ካብኡ ሓሊፉ እውን ውጥረትን ቁጠዔን ከምኡ እውን ወስኽ ዓመጻ እውን ኣስዒቡ እዩ። ይዅን እምበር ኣብዚ ኵነታት እዚ ሓድነት እውን ተቐልቀለ - “ኣብ ኵሉ ክፍልታት ዓለም ብዙሓት ሰባት መንኰላይ መንእሰያት ንህይወት ክቃለሱ ተስፋ ክዘርኡ ናጽነትን ፍትሕን ክጣበቑ ገረበርቲ ሰላን ሓነጽት ድልድላትን ኪኾኑ ርኢና ኢና፥

ሓደ መንእሰይ ክወድቕ እንከሎ ብኻልእ ኣዘራርባ ሰብኣዊ ፍጥረት ይወድቕ። እንተዀነ ግን ሓደ መንእሰይ ክትንስእ ከሎ ብምልእታ ዓለም ከምእትትንስእ ዝከሓድ ኣይኰነን። ፍቑራት መንእሰያት ከመይ ዝበለ ዓብይ ተኽእሎ ኩነ እዩ ዘሎኵም!

ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ መዋእል መርበባዊ ምዕባለ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ንኢየሱስ ዚፈልጥ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘስተንተኑሉ ሓሳብ ካብቲ ሳውል ኣብ መገዲ ደማስቆ ኣብ ዝጓዓዘሉ ኣብ ዝነበረ ጉዕዞ ዘጋጠሞ ናይ ምልዋጥ ጸጋ ህይወቱ ዝቐየረሉ ኵነት እዩ ዝብገስ። ኢየሱስ ንሳውል ብስሙ እዩ ዝጽውዖ መን ምዃኑን ጸረ ክርስቲያን ምዃኑን ይፈልጦ እዩ፥ ስለዚ ድማ ጐይታ ምሕረቱ ክፈልጥ ደለ፣ ብልክዕ እዚ ንህይወት ሳውል ምሉእ ብምሉእ ዅይር ዝክእል እዚ ዘይግብኦን ብዘይ ቅድመ ኵነት ዝግብኦን ፍቕሪ ብርሃን ኮኖ። ስሙ ምስ ሰምዐ “ጐይታ መን ኢኻ?” ኢሉ ይሓትት፡ እዛ ሕቶ እዚኣ ኵላትና ንኽንሓትታ ንጽዋዕ። ብዛዕባ ክርስቶስ ካብ ካልኦት ምስማዕ ጥራይ እዅል ኣይኮነን። ብብሕቲ ምሱእ ክንዛረብን ክንራኸብን ኣሎና። እዚ ዓሚቝ ጸሎት እዩ!” ኣብ መዋዕል መርበባዊ ምዕባለ እውን ከይተረፈ ኵሉ ሰብ ንኢየሱስ ከምዝፈልጦ ጌርና ክንሓስብ ኣይንክእልን ኢና።

ኢየሱስ ቤተ ክርስቲያን እዩ

“ጐይታ ንስኻ መን ኢኻ? ናይ እትብል ሕቶ መልሲ “ኣነ ንስኻ እተሳደኒ ዘለኹ ኢየሱስ እየ! ብኣሕዋትን ኣሓትን ቤተ ክርስቲያንን ገዛእ ርእሱ ይገልጽ። ብዙሕ እዋን ኢየሱስ እቕበል ቤተ ክርስትያን ግን ኣይደልን ዝብል ኣበሃህላ ንሰምዕ ልክዕ ከም ክልተ ኣማራጺ ገርካ ምርኣይ። ኣብ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ማሕበረሰብን እንተዘይኮነ ንኢየሱስ ምፍላጥ ዝክኣል ኣይኰነን። ናይ እምነት ኤቅለሲያዊ ስፍሓት እንተድኣ ዘይትነብር ኴንካ ምሉእ ብምሉእ ክርስቲያን ኢና ክንብል ኣይንእኽልን ኢና።”

ሳውል ካብቲ ኺምለስ ዚጽበዮ ዝነበረ ኢየሱስ “ጥዑም መግናሕቲ” ይበጽሖ። ኣብ ልቢ ኵሉ ዝነድድ ሓዊ እዩ። ክንቈጻጸሮ ኣኳ እንተ ጸዓርና ካባና ስለ ዚሕይል ኣንዕወትን ኢና” ክንምለስ ዘይንኽእል እኳ እንተ መሰለና እውን ኣይንዕወትን ኢና።”

ምስኡ ብብሕቲ ብምርኻብካ ወትሩ ኸም ብሓድሽ ክትጅምር ትክእል። ጸጋን ምሕረትን ኣምላኽ ኪበጽሖ ዘይክእል መንእሰይ የልቦን። ከመይሲ ‘ኣዚዩ ርሑቕ እዩ’ ክትብል እትክእል ሓደ እኳ የልቦን። . . . ዝግበር ነገር የልቦን እትብሎ ኵነት የሎን። ነቲ ናይ ግዜና ኵሉ ዝስዕቦ ግዜ ኣምጸኦ ጉዳይ ብውዕዉዕ መንፈስ ኣይፋል ብምባል ገዛእ ርእሶም ክውፈዩ ብዅሉ ሓይሎም ከፍቅሩ ተክእኾኦም ክገልጹ ከም ዘለዎም ኣብ ልቦም ሒዞም ዝጓዓዙ ብዙሓት መንእሰያት ኣለዉ።

ገዛእ ርእስኻ ትሕት ምባል

እቲ ኣብ ልቢ ዝኽፈት ጋግ ገዛእ ርእስኻ ከም እትጠፍእ ተነቃፊ ንእሽቶ ምዃንካ ንኸተለልይ እዩ ዝገብር። “እዚ ትሕትና እዚ ድሩት ምዃንካ ከተስተውዕል የብቅዕ፡ እዚ መስረታዊ ጒዳይ እዩ! እቶም ብዛዕባ ካልኦት አረ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ሓቅታት እውን ከይተረፈ ኵሉ ዝፈልጡ ኮይኑ ዝስምዖም ሰባት ምስ ክርስቶስ ምርኻብ የጸግሞም እዩ። “ሳውል ዕዉር ኮነ ብሓቂ ንገዛእ ርእሱ ድማ ክርኢ ጀመረ፡ ‘ጳውሎስ’ ማለት ቃል ብቓል ትርጒሙ ‘ንሽቶ’ ማለት እዩ። እዚ ድማ ናይ ብዕር ስም ወይ ናይ መድረኻዊ ተውኔት ስም ኣይኮነን፡ ብዛዕባ ለውጢ ብሓድሽ ኣርኣእያ ምስትውዓል ዘሎ ኵነት እዩ ዘጒልሕ።

ኣብዚ ግዜና ብፍላይ ኣብ ማሐብራዊ መራኸቢታት ብብዙሕ መቕረባትን ካሜራታትን እተፈላለየ ድሕረ ባይታን ብውሕሉል መገዲ እተሓንጸ ብዙሕ ‘ዛንታታት’ ኣሎ። ነቶም ኣዕሩኽናን ሰዓብትና ሕድሓድ ግዜ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓቂ ዘየንጸባርቕ ምስሊ ምእንቲ ከነርእዮም ኣቃልቦ ሰባት ንምርካብ ካብ ዝግዜ ናብ ግዜ ኣቃልቦ ነናዲ። እቲ ናይ ሰሜን ዋልታ ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ካብ ኵሉ መሕብእ ሓራ ብምግባር ብርሃን ከብርሃልናን ሓቂነትና ንኽመልስን መጸ፡ ከም ምዃንና ገይሩ ስለ ዜፍቅረና እንታይነትና ብንጹዕ የርእየና።

ካብ ዓመጽ ምጥንቃቕ

ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ዑረት ብዙሓት መንእሰያት ብዛዕባ እቲ ንገዛእ ርእሶምን ንኻልኦትን ዘጋፍዖም ጸልማት ኣጸቢቖም ይሻቐሉ እያቶም ከመይሲ እሱራት “ኣዕናዊ ርእየት ዓለም” ስለ ዝኾኑ።

ሎሚ ብፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ እምነቶም ተደሪኾም ኣብ ህይወት ብዙሓት ሰባት ዓመጽን ዕንወትን ዜውርድ መጋበርያ ዚዀኑ ከንደይ መንእሰያት ኮን እዮም! ገሊኦም ደቀባት እደ ጥበባዊ ምዕባለ መርዚ ንምዝርጋሕ ንተጻረርቶን ንምፍራስ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከም ኣጽዋር ብምጥቓም ኣብቲ ሓድሽ ምናባውን ማሕበራው ዓውደ ውግእ ዝዋስኡ ክንደይ እዮም!

እንተኾነ ግን “መለኰታዊ ርትዓዊ ኣትሓሳስባ ነቲ ዝኸፍአ ሰጓጒ ዓቢይ ምስክር ኪገብር ይእኽእል እዩ” ብምባል “ወደ መዝሙር ክርስቶስ ብርሃን ዓለም ኪኸውን ተጸዊዑ ኣሎ።”

በጻሕቲ እምነት ዘይኮኑስ ነጋድያን

ር.ሊ.ጳ. ኵላትና ከም “በጻሕቲ እምነት” ዘይኮነ ከም “ነጋዶ እምነት” ንኽንነብር ዓዲሞም፥ ነቲ ብርሃኑ ኣብ መገድና ኬብርህ ዚደሊ ኣምላኽ ኣግራሞት ገዛእ ርእስና ነርህው፡ ብኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣቢልና እውን ድምጹ ክንሰምዕ ንኽእል ኢና። በዚ ምኽንያት ንሓድሕድና ክንተኣኻኸብ ኢና። ኣብዚ ጽንኵር ታሪኻዊ ህሞት እዚ ከኣ ተስፋ ዝመልኦ ሓድሽ ዘመን ነብያት ክንከውን ኢና!”

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 Sep 2021, 20:56