ድንግል ማርያም ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ዝተረስዑ ብኽያት ሕልና ጽን ቢልና ንክንሰምዕ ትምህረና! ር.ሊ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ኣብ መኽፈቲ መል እኽቶም ማርያም ኣደ ኩሉ ከምዝኾነት ንምግላጽ ‘ዓሌትን ብሄርን ብዘየገድስ ማርያም ኣደ ኩልና እያ፤ እዚ ኣደነት እዚ ከኣ ንኩሉ ምምቅቃል ዝፈጥር ሓጹርን ዶብን ክሰግር ዝኽ እል ባህሊ ንክነጥሪ ዝሕግዝ መመላኸቲ ኰይኑ በዚ ባህሊ ሕውነት እዚ ገቢርካ ከኣ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዘቅርቦ ጻው ዒት ማለት ነቲ ምልክት ምጽንናዖን ውሑስ ተስፋን ዝኾነ ስማን ገጽታኣን ልባን ተቀቢልና ኣደን ቀዳመይቲ ሓዋርያን ዓርኪ መሓዛ ኩሉን ዝኾነት ማርያም ንቅበል’ ኢሎም።
ልዕሊ ሠለስተ ሚእቲ ሊቃውንቲ ነገረ ማርያም ካብ መላእ ዓለም!
ዝተፈላለዩ መካነ ጥበባት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነቲ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ማዕረ መጽናዕቲ ጒዳይ ወዳ ኣብ መሳር ዕ መጽናዕቲ ንባበ መለኮት ዝካየድ ዝነበረ ትምህርቲ ነገረ ማርያም ብሓባር ንምክያድ ብ ዓለምለኸ ኮንግረስ ነገረ ማርያም ብማለት ክሳብ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ ብ ኣካል ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ክፍሊ ዓለምና እናተጋብኡ ን24 ግዜ እንከካይድዎ ሎምዘመንን ግን ብበይነ መረብት ከካብ ዘለውዎ ካብቶም ብ ኣካል ዝራኸቡ ዝነበሩ ዝበዝሑ ሊቃውንቲ ዝሳተፍዎ ጉባኤ ሎም ዘመን ንመል 25 ግዜኡ ካብ ሎሚ ክሳብ ዕለት 11 መስከረም 2021 ዓም ል ዕሊ 300 ሊቃንቲ ነገረ ማርያምን መጽናዕቲ ዘካይዱን ይሳተፍዎ ኣለው።
ቀንዲ ኣር እስቲ ናይቲ ኮንግረስ ‘ማርያም ኣብ መንጎ ናይ ሎሚ ትምህርቲ ንባበ መለኮትን ባህልን፤ ኣብነታትን መራኸቢ ብዙሓንን ር እይቶታትን’ ዝብል ኮይኑ ነዚ ናይ ሎምዘመን ኮንግረስ ዘሰናደወ ጳጳሳዊ ዓለምሓቆፍ ኣካዳሚ ማርያም እዩ፤ ኣብ ክንዲ ር.ሊ.ጳ ብስሞም ነቲ ኮንግረስ ዝመርሑ ዘለው ከኣ ናይ ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ፕረሲደንት ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫሲ እዮም።
ማርያም ብኽያት ኅልና ኣሕዋት ትሰምዕ!
ቅዱስነቶም መልእኽቶም ብምቅጻል ፍሉይነት ናይዚ ጉባኤዚ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19 ብርሕቀት ብበይነ መረብ ምዃኑ ድሕሪ ገሊጾም ተሳታፊ ሓጎስ ኣባላት ኮንግረስ ምዃኖም ኣብሪሆም። እንተኾነ እዚ ሓጐስ እዚ ነቲ ኣብ ፈቀዶ ኲርናዕ ዓለምና ናብ ጐይታ ዝቀርብ ብኽያት ሕልና ከረስ ዖም ከምዘይብሉ ከመይ ኣብዚ ግዜዚ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ር እሲ እቲ ዝንበሮም ጸገማትን ክበድ ናብራን ብለበዳ ኮቪድ 19 መሊሱ ብምግዳዱ ብዙይ ይሳቀዩ ከምዘለው ብሕልናኦም ከኣ ብኽያቶምን ገዓሮምን ናብ ጐይታ የዕርጉ ምህላዎም ዘይምርሳዕ። እታ ካብ ጐይታ እትመጽ እ ሓቀኛ ሓጐስ ንድምጺ እዚኦም ዝተረስ ዑ ሰባት እዚኦም ጽን ቢልካ ብምስማዕ ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ የኽ እል፡ ድንግል ማርያም በቲ ኣብነታዊ ዝኾነ ምስዓብ ወንጌልን ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ዘመደ ኣዳምን ዓለምናን ንምግልጋልን ስንድዋት ንክንክውን ነዚ ድምጽታት እዚ ጽን ኢልና ክንሰም ዕ ትምህረና ንሳ ባዕላ ከኣ ድምጺ ናይቶም ድምጺ ኣልባ ትኸውን ኢሎም።
ቅዱስነቶም ነዚ ኮንግረስ ዘሰናደወ ጳጳሳዊ ዓለምሓቆፍ ኣካዳሚ ነገረማርያም ንል ዕሊ ስሳ ዓመታት ዘበርከቶ መጽናዕትታን ጽሑፋትን ሓሳባትን ብምምጓስ እዚ ከኣ ነገረ ማርያም ኣብ መንጎ ባህልታት ዘተ ንክህሉ ዘበርክቶ ዓቢ እጃም ኣብ ር እሲ ምዃኑ ንሕውነትን ሰላምን ዘደንፍዕ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም።
ምሥጢር ሥጋ ዝኾነ ቃል!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መል እኽቶም ቃላት ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብምዝካር ንመንነትን ምሥጢርን ድንግል ገሊጾም። ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ንምሥጢር ኣካል ማርያም ንምግላስ ‘ኣካል እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ውሽጡ ሓቢእዎ ዘሎ እቲ ሥጋ ዝለበሰ ቃል እግዚኣብሔር ሒዝዎ ዘሎ ምሥጢር እዩ’ ኢሎም ነሮም።