ር.ሊ.ጳ. ንማሕበር ኣርከ፥ እንግዶትኵም ናይ ተስፋ ትእምርቲ እዩ!
ዕለት 2 መስከረም 2021 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራን ከምኡ እውን ስደተይንታት ኣባይቲ ስድራን ኣዴታትን ደቃተን ዝከናኸን ማሕበር ኣርከ ኣባላት ተቐቢሎም፥ ነቲ ናይቲ ማሕበር ሕንጻታትን መዋቕርን ምቅርራብን ለውሃንትን ዝርከበሉ ስፍራ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 መስከረም 2021 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ካብ ማሕበር ኣርከ ዝመጹ ልዕሊ 200 ሰባት ብሞሳ ተቐቢሎም ድሕሪ ነቲ ማሕበር ዝመስረቱ ኣባ ጁዘፐ በቶኒ ዘስምዕዎ ናይ ምስጋና ቃል፥ እቲ ማሕበር ኣብ ጸገም ንዝርከባ ኣዴታት ምስ ደቃተን ዘቕርቦ ሓገዝ ኣድኒቖም፥ እቲ ናይቲ ማሕበር መጸውዕ ስም “ኣርከ” ዝብል ቃል ትርጉሙ “መበቈልን መጀመርታን” ዝብል እዩ፥ ስለዚህ ኣብ መጀመርታ ድማ ፍቕሪ እዩ ዘሎ ንሱ ኸኣ “ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ” መበቈል ኵሉ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ”፥
ህይወት ዘበለ ዅሉ ጽቡቕን ሰናይን ሓቅን ካብኡ ካብቲ ፍቕሪ ዝኾነ ኣምላኽ እዩ ዝመጽእ ከምቲ ካብ ልብን ማሕጸንን ኣደ ሰብኣዊ ሕይወት ከምቲ ፍቕሪ ኣብ ኢየሱስ ስጋ ኮይኑ ካብ ልብን ማሕጸንን ኣደ ዝመጸ፡
ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
‘ምስ’ ድኻታት ናይ ምግልጋል ተመክሮ
እቲ ዘገድስ ወጅሂ እዩ፥ ወጅሒ ሰባትን ኣደታትን ደቃተንን፡ እቲ ማሕበር ነተን ኣብ ኣካለን ኣሰር ዝሓደገ ናይ ዓመጽን መከራን ተመክሮ ናጻ ንኽወጻ ዝሕገዛ ኣዴታትን ደቃተንን ዘገልግል እዩ፥
እቲ ሓንጐፋይ ቢሉ ዘአንግድ ማሕበረሰብኵም ብቐዳምነት ነዘን ኣዴታት እዚኣተንን ንደቃተንን ምልክት ተስፋ እዩ። ከምኡ እውን እቶም በቲ ማሕበር ዝሕገዙ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ማሕበር ናይ ተስፋ ምልክት እያቶም፡ እቶም ኣብቲ ማሕበር ዘገልግሉ ወለንተይናታትን መንእሰያትን ሰብ ሓዳርን ‘ንድኻታት’ ሓገዝ ዘቕርቡ እያቶም ንድኻታት ጥራሕ ዘይኮነስ ‘ምስ ድኻታት’ ዝብል ኣገልግሎት እውን እዩ፡
ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ተኻፊልካ ምንባር ዘምጽኦ ሓጐስ
እቲ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ዝነብርዎ ተመክሮ ምስሊ ናይ ማርያም ምስ ወዳ ኣብ ግብሪ እተተርጐመ ጭቡጥ ኵነት እዩ፡ ታሪኽን ጭቡጥ ወጅህን ዘለዎ ምእንጋድ፥
እዚ ኣገልግሎት ምእንጋድ እዚ ብርግጽ ጽንኩርን ጻዕሪ ዝሓትትን እዩ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ግን ተኻፊልካ ምንባር ንናጽነትን ዳግም ንምውላድን ንክብርን መገዲ ክኸፍት ምርኣይ ሓጐስ ማለት እዩ፡ ስለዚ ፍቑራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ስለ ኣገልግሎትኩም እመስግነኩም ጐይታ ክሳብ ዝደልዮ ምእንቲ ኽትቅጽሉ እባርኸኵም፡
ቢሎም፥
ኣገባብ እግዚኣብሔር ዝንበረሉ ማሕበረሰብ
ቅዱስነቶም፥ እቲ ማሕበር ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሮማ ኣብ ጸገም ዝርከባ ኣዴታትን ደቃተንን ዘአንግደሉ ቤት ተመሪቑ ኣገልግሎት ክጅምር ምዃኑ ገሊጾም ስለ እዚ ሰናይ ተግባር እዚ ኣመስጊኖም፥ ናይ “እግዚኣብሔር ኣገባብ ዝንበረሉ ማለት ምቅርራብን ለውሃትን ሓልዮትን ከምኡ እውን ዝንበረሉ ወትሩ ንሰብኣዊ ፍጥረት ዘገልግል ቤት ክኸውን ሓደራ ቢሎም ዘስምዕዎ ቃል ዛዚሞም ምስ ኵሎም ሰላምታ ተለዋዊጦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።