ድለ

2021.09.01 Papa Francesco a colloquio con Carlos Herrera di Cope 2021.09.01 Papa Francesco a colloquio con Carlos Herrera di Cope 

ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ዝተገበረሎም መጥባሕቲ፥ “ካብ ሓላፍነተይ ክሰናበት ፈጺመ ሓሲበ ኣይፈልጥን”

ሕርየቶምን . . . እቲ ር.ሊ.ጳ. ንምሕራይ ዝተኻየደ ዕጹው ናይ ብጹዓን ካርዲናልት ጉባኤ ኵሉ ኣብታ ወንጌላዊ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ሓዋርያዊት ምዕዳን ተጸሚሩ ከምዝርከብ እንክገልጹ “ኣነ ዝመሃዝክዎ ነገር የብለይን ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ኣብቲ እዋን ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ንዝነበረ ኵነት እየ ዝእዘዝ ዘለኹ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ኮፕ ምስ ናይ እተሰምየ መደብር ራዲዮ ጋዜጠይና ካርሎስ ሄሬራ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ዝተገብረሎም ናይ ሕክምና መጥባሕቲ ከምእተዛረቡን ከምኡ እውን ብዛዕባ ጒዳያት ኣፍጋኒስታንን ቻይናን ገና መድሃኒት ብዘይተረኸብሉ ከቢድ ሕማም ንዝተጠቕዑ ካብ ስቓይ ንምግልጋል ምቕታል ዝብልን ብዛዕባ ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ምሕደራ መዋቕር ዘተኣታተውዎ ዘለዉ ሕዳሴን ኣማእኪሎም ሰፊሕ መግለጺ መብርሂ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብቲ ዕለት 4 ሓምለ 2021 ዓ.ም.  ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ዝተገብረሎም ናይ ሕክምና መጥባሕቲ ኣትሒዞም ክሳዕ እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላውን ከምኡ እውን ብዛዕባ ሕዝቢ እታ ሃገር ዘለዎም ሻቕሎትን ዝወርዶ ጸሎ ጸገም ዘሕድረሎም ዘሎ ስቓይ፡ ምስ ቻይና እተገብረ ዘተ እውን ናብ ቅድሚት ገጹ ይምርሽ ከምዘሎን ክሰዓብ ዘለዎ ኪደት ምዃኑን ብዛዕባ ካብ ስቓይ ንምግልጋል ምቕታል ዝብል ምርጫን ምንጻል ጽንስን “ናይ ጓሓፋይ ባህሊ” ውጽኡት ምዃኑን ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝካየድ ዘሎ ብይን ናይ ምሃብ ኪህሎትን ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎቶም ብድሆታት ዝኾንዎምን ሕዳሴ ሃዋርያዊ መዋቕር ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን - ኵርያ ሮማናን ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ንምውጋድ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርን ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽን ምቅላስን ዝብሉ ጒዳያትን ኣማእኪሎም ዕለት 28 ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ኮፕ ምስ እተሰምየ ናይ ስፐይን መደብር ራዲዮ ጋዜጠይና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጥዕናኦም ድሕሪ ዝተገብረሎም ናይ መጥባሕቲ ሕክምና

ቅዱስነቶም ምስ ናይ ኮፕ ራዲዮ ጋዜጠይና ካርሎስ ሄሬራ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ድሕሪ ዝተገብረልኵም ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ጥዕናዅም ከመይ ኣሎ ንዝብል ሕቶ፥ “ገና ብህይወት ኣለዅ” ብዝብል ዋዛን ቍም ነገርን ብዝመልኦ ኣገላልጻ መሊሶም . . . እነሆ ድማ ሓውዮም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎቶም ብጽቡቕ የሳልጡ ከምዘለዉን ኵሉ እቲ ናይ ሓዋርያዊ መርሓ ፍጻሜታትን መደባቶምን ሓዋርያዊ መገሻታቶም ንኣብነት እቲ  መበል 34 ካብ ዕለት 12 – 15 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ስሎቫኪያን ሃንጋርን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖምን ንመጻኢ እውን ኣብ ቄጵሮስን ግሪኽን ማልታን ብምኽንያት ቅዱስ ያዕቆባዊ ዓመት ኣብ ሳንቲያጎ ዲ ኮምፖስተላ ከበጽሑ ድላይ ከምዘለዎም ይሕብሩ።

ካብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ንኽሰናበቱ ሓሲብኵም ዲዅም? ብፍጹም!

ብዙሓት ዝተፈላለያ ጋዜጣታት ኢጣሊያን ኣርጀንቲናን ብምጒዳል ጥዕና ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓላፍነቶም “ብገዛእ ፍቓደይ ክለቍ እዮም” ዝብል ሓበሬታ ከማተዘርገሐን እዚ ኸኣ ካበይን ከመይን ዝተማህዘ ምዃኑ ከምዘገረሞምን፡ እዚ ሓበሬታ እዚ እውን ኣይሰማዕክዎን እየ ነይረ . . . ደሓር እየን ናይ ኮፕ መደብ ራዲዮ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣብ ኢጣሊያ ኤቫ ፈርናንደዝ ዝነገራኒ. . . ኣነ ናይ ሮማ ጋዜጣ እየ ዘንብብ እቀራርባኡ ስለ ዝምስጠኒ። ተለቪዥን ኣይርእን ዕለታዊ ዜና በቢ መዓልቱ ይቐርበለይ እዩ፡ ሓደ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክሓምም እንከሎ ኵሉ ሳዕ ናይ ሓድሽ ር.ሊ.ጳጳሳት ምርጫ ተቓሪቡ ዝብል ወሬ እዩ ዝንዛሕ፡ እዚ ልሙድ እዩ ኣይገርመንን ኢሎም።

ብዛዕባ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው

ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ክቆጻጸር ምስ ጀመረ ዘሎ ወጥርን ምፍሳስ ደምን ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላውን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ካቡል መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈጸመ ለኪምና ናይ ምጥፋእ መጥቃዕትን ብርቱዕ ሓዘን ከምዝፈጠረሎምን ቅድስቲ መንበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ህልቂት ከይፍጸም ኵሉ ብስነ ሜላዊ ርክብ መልሲ ክረክብ ብዙሕ ትጽዕር ኣላ፥ ኣተሓሒዞም ንናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ህይወተይ ካብ ዘጋጠሙኒ ዝለዓለ ናይ ስነ ሜላዊ ርክብ ብቕዓት ዘለዎም እንክብሉ ገሊጾም . . . ሓደ ናይ ስነ ሜላዊ ርክብ ኣካል ዝበሃል ካብ ዘተ ዘንሳሕብ ዘይኮነ ወትሩ ምእንቲ ምርግጋጽ ዘተ ዝንቀሳቐስ እዩ . . . ።

ኣስዒቦም “ሓንቲ ካብቶም ኣብ ፖለቲካ ዓለም ውሩያት ካብ ዝበሃሉ እየን” እንክብሉ ዝገለጽወን ናይ ጀርመን መራሒት መንግስቲ ኣንገላ መርከል ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 20 ነሓሰ ኣብ ሞስኮ ምስ ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ዘካየደኦ ርክብ ጠቒሶም፡ ኣብቲ ርክብ ከኣ ንልምድታት ህዝቢ ዕሽሽ ብምባል ኣብ ካልኦት ሃገራት ደሞክራሲ ንምቛም ናይ ወጻኢ ፖለቲካ እደ ኣታውነት ስርሒት ዘስዕቦ ጸገማ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይ ሓሳብ ልውውጥ ምክያዱን ድሕሪ 20 ዓመት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓይሊ ምክልኻል ካብ ኣፍጋኒስታን ናይ ምውጻእ ውሳኔ“ሕጋዊ” እዩ። እቲ ምውጻእ ኣባይ ካልእ መቓልሕ እዩ ዘለዎ። እዚ ኸኣ ንህዝቢ ኣፍጋኒስታን ኣብ ጽሕፍቶኡ ምሕዳግ ዝብል እዩ ዝመስለኒ። እቲ ክፍታሕ ዘለዎ ሕልኽላዀ፥ “ብሕድገታትን ዘተን” እዩ ዝፍታሕ። . . .

ምስ ቻይና ዝካየድ ዘሎ ምይይጥ

እቲ ምስ ቻይና ዝካየድ ዘሎ ምይይጥ ንቕድሚት ዝስጒም እዩ፡ ብዛዕባ እቲ ብጹዓን ጳጳሳት ናይ ምስያም ስልጣን ብዝምልከት ዝተበጽሐ ግዚያዊ ስምምዕ ንቐጻሊ ክልተ ዓመት ተሓዲሱ እዩ። “ቫቲካን እቲ ምስ ናይ ህዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና ዝፈረመቶ ስምምዕ ነቲ ዘለዋ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ” ዝብሉ ኣለዉ እንክብሉ ጋዜጠይና ፌሬር ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ “ጒዳይ ቻይና ቕሊል ኣይኮነን” ይዅን ደኣ እምበር ምይይጥ ከነቋርጽ የብልናን። እቲ ምይይጥ እውን ዝቕጽል እዩ። . . . እቲ ብዛዕባ ምስያም ጳጳሳት ዝምልከት ስምምዕ ብሓደ ሸነኽ ወይ ብኻልእ ሸነኽ ረኣዮ ውጽኢት እዩ።

ካርዲናል ክዛሮሊ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ዘተ

ናይቲ ምስ ቻይና ዝተገብረ ዘተ መወከሲኡን መተባባዒኡን እቲ ንነዊሕ ዓመታት ቅድም ኣብ እዋን ዮሓንስ መበል 23 ምስ ማእከላይ ዞባ ኤወሮጳ ናይ መራኸቢ ድልድል ኣብ ምህናጽ ብዙሕ ዘገልገሉን ደሓር እውን ኣብ እዋን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ካዛሮሊ እዮም። . . . ቅዱስነቶ ሰማእትነት ትዕግስቲ ዘርእስታ መጽሓፍ ጠቒሶም ካርዲናል ካዛሮሊ ምስ ስርዓት ዴስነት ኣብ ዝነበራ ሃገር ርክብ ንኽህሉ ዘካየድዎ ጻዕርን ኣብዚ ናይ መራኸቢ ድልድል ናይ ምህናጽ ተመክሮኦም . . . በብቕሩምብቀስ ብቐስ እቲ ስነ ሜላዊ ርክባት ስለ ዝጥረየ ኣብ መወዳእታ ሓደስቲ ኣቡናት ኪስየሙን ንምእመናን ህዝበ ኣምላኽ ንምክንኻን ክኡል ክኸውን ገይሩ እዩ። ሎሚ ኣብዚ ኣዚዩ ግርምቢጥ ዝኹነ ኵነት ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን፡ መገድታት ዘተ በብደረጃኡ ክንስዕቦ ኣሎና። “ርክብ ምስ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ምስ ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ” ዘለዎም ተመክሮ  በዚ መዳይ እዚ እወታዊ እዩ እንክብሉ ገሊጾም። “ንምይይጥ ወትሩ ዘተ ንምግባር ድልው ምዃን” የድሊ።

ናይ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ኣገልግሎቶም ብድሆታት

ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓደ ካብቲ ኣብዘን ሸሞንተ ዓመታት ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ዓበይቲ ብድሆታት ብዝብል ኣገላልጻ፥ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ሕርየቶምን . . . እቲ ር.ሊ.ጳ. ንምሕራይ ዝተኻየደ ዕጹው ናይ ብጹዓን ካርዲናልት ጉባኤ ኵሉ ኣብታ ወንጌላዊ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ሓዋርያዊት ምዕዳን ተጸሚሩ ከምዝርከብ እንክገልጹ “ኣነ ዝመሃዝክዎ ነገር የብለይን ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ኣብቲ እዋን ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ንዝነበረ ኵነት እየ ዝእዘዝ ዘለኹ” ይብሉ።

ሕዳሴ ኵርያ ሮማና

እቲ ር.ሊ.ጳ. በርጐሊዮ ኣበሪዖም ዝዓይሉ ዘለዉ ሰለስተ ጒዳያት፥ ተሓድሶ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ምሕደራ - ኵርያ ሮማን ግልጽነት ኣተሓሕዛ ሃብቲ ገንዘብን ኪደት ቝጠባ ቫቲካንን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ዓመጽን ምውጋድን ዝምልከቱ ብድሆታት እያቶም። እቲ ሕዳሴ ኵርያ ሮማና በብደረጃ ጽቡቕ ይካየድ ኣሎ” ከምኡ እውን እቲ ወንጌል ስበዅ ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐውም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ቅዋም ኣብዚ እዋን’ዚ ክሕተም ነይርዎ ግና በቲ ኣጋጢሙኒ ዝነበረ ጒድለት ጥዕና ተደናጒዩ ኣሎ፥ ብሓቂ እቲ ተሓድሶ ንኣሽቱ ምትዖርራያት ዝገበረ እዩ እንክብሉ ይገልጽዎ።

ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣባይቲ ፍርዲ ዝካየድ መርመራ

ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ንምቅላስን ንምውጋድን ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ቃልሲ እዩ። እዚ እውን ኣብ ግዝኣት ቫቲካን ፍትሒ ኣብ ምድልዳል ምምሕያሽ ተገይሩ እዩ። “ቤት ፍርድን ዘካይዶ መርመራ ብተግባራዊ መገድታትን ብሓደስቲ ዝተኣታተዉ ናይ ሕጊ ዓንቀጻትን ሃደስቲ ደያኑ ብምሻምን ከምኡ እውን ኣብ ዘካይዶ መርመራ ንምስክርነት ዝህቦ ዓቢይ ስፍራን . . . ንብርሃንን ንሓቅን ዘይፈርሕ ኣሰራርሓ። . . . ሓቅን ብርሃንን ከፍርሃና የብሉን። . . .

ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ንምውጋድ ኵሉ ክዋሳእ ጻውዒት ንመንግስታት

ናይ ሃገረ ቫቲካን ሽማግለ ንምክልኻል ሕጻናት ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሲን ኦማለይ ትብዓቶምን ጽንዓቶምን ገና ሊቀ ጳጳሳት ናይ ሰበኻ ቦስቶን እንከለዉ ብብርቱዕ ዝዓይሉ ጉዳይ እውን እዩ ነይሩ፡ ኣብዚ መዳይ ብዙሕ ንቕድሚት ተሰጒይሙ እዩ። ኣብ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ንምውጋድ ኩሉ ክዋሳእ ንመንግስታት እውን ጻውዒት የቕርቡ። ሕትመት ጽዩፍ ኣሳእል ሕጻናት ኣዚዩ ዜስካሕክሕ ጉዳይ እዩ። እዚ ጒዳይ እዚ ናይ መላእ ዓለም መንግስታት ክቃለስኦ ይግብኦም . . . ።

ካብ ስቓይ ንምግልጋል ምቕታል ዝብል ምርጫን ምንጻል ጽንስን “ናይ ጓሓፋይ ባህሊ” ውጽኢት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስፐይን ዝጸደቑ ሕግታት ኣብ ግምት ብምእታው ንጒዳያት ካብ ስቓይ ንምግልጋል ምቕታል ዝብል ምርጫ . . . ሕጋዊ ምግባር ምልክት ናይቲ ሕጂ ኣብ ዘመናዊ ሕብረተሰባት ሰፊኑ ዘሎ “ዘይጠቅም ነገር ምድርበ ዝብል ናይ ጓሓፋይ ባህሊ ውጽኢት እዩ፥ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያንን ብዘይምሕር ሕማም ዝተጠቕዑ ካብ ስቓይ ክገላገሉ ምቕታልሕጻናት ከይተረፉ ቅድሚ ምውላዶም ክንጸሉን እዚ ናይቲ ጓሓፋይ ባህሊ ውጽኢት እዩ። ናይዚ ባህሊ እዚ ምዕራባዊ ዓለም ዓቢዪ ጽልዋ ኣለዎ። . . . ጸገም ንምፍታሕ ሰብኣዊ ሕይወት ምጥፋእ ፍቓድ ድዩ? ጸገም ንፍታሕ ቀታሊ ምዕስካር ግብኡ ድዩ?

ተስፋ ኣብቲ ዛዕባ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ዝመርክ ዓውደ ጉባኤ ግላስጎው

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ዓመጽ ካዝረቡ እንከለዉ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ እውን ዝፍጸም ዓመጽ ከምዘሎ ኣዘኻኪሮም . . . ኣቢ ካብ ዕለት 1 - ዕለት 12 ሕዳር ኣብ ግላስኮ ብውዱብ ሕቡራት መንግታት ዓለም ኣብ ግላስኮ ንኽካየድ ኣብ ዝተጸውዐ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ “ክሳተፍ ተስፋ እገብር” ኢሎም . . . ።

Traditionis custodes - ሓለውቲ ባህሊ (ልምዲ) ብዝብል እርእስቲ ዝደንገግዎ ሕጊ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ቅድመ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝነበረ መጽሓፍ ስርዓተ ቅዳሴ ብኸመይ ኣጠቓቕማኡ ዝመርሕ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት ዝደንገግዎ ሓድሽ ናይ ውሳነ ሰነድ ዕለት 16 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝኾነ ሓድሽ ናይ መምርሒ ሰነድ እእቶም ምስ ጥንታውያን ስርዓተ ቅዳሴ እተተሓሓዙ ጒጅለታት ንሕጋውነት ስርዓተ ተሓድሶ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ከወግድዎ የብሎምን ዝብል ንጹር ትእዛዝ ዝተነብሮ እንክዝከር ነቶም ብገለ ገለ ዓቃባውያን ኤቅለሲያውያን ወገናት ብዙሕ ኣሉታዊ ርእይቶ ይውሃቦ፡ Traditionis custodes - ሓለውቲ ባህሊ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ እዩ ቢሎም፡ ድህረ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ፡ ባዕሎም በነዲክቶስ መበል 16 ጒስነታውን ሰብኣውን መልሲ ሂቦምሉ እዮም። ኣብቲ ዝጸደቐ ሕጊ ተመልኪቱ ከምዘሎ ኣብ መንጐ ኣቡናት እቲ ናይ ሰረተ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ካብ ዘካየዶ ጭቡጥ ጸባጽብ ናይ ምእካብ መደብን እዚ ጸብጻብ ዘቕረቦ መጽናዕቲ መሰረት “እቲ ሓድነት ንምርካብ ዘሎኒ ባህጊ” ኣዚዩ ዕሽሽ ተባሂሉ ከምዘሎ ዘመላኽት ኰይኑ ረኺበዮን”፡ እዚ “ዘሳቕን ዘሻቕልን  ዘጨንቐን ኵነታት” ከምኡ እውን እቲ “ካሳብ ሕጂ ዝተገብሩ ሕድገታት ምርሕሓቕን ፍልልያትን ኣብ ምስፋሕ ጥቕሚ ውዒሉን ፍልልያት ከጽንዕን ከስፍሕን ንቤተ ክርስቲያን ዘቑስልን ናይ ሓባር ጉዕዞ ዘሰናኽልን ንምግምማዕ ሓደጋ ዘቓልዕ ኮይኑ ስለ ዝርእዮ ዘለዅ፡ ነዚ ናይ መምርሒ ናይ ውሳኔ ሰነድ ከቕርብ ሓላፍነት ይስምዓኒ” ይብሉ። . . .

03 Sep 2021, 09:13