ድለ

2021.09.23 መሥዋዕተ ቅዳሴ መኽፈቲ ቤትምኽሪ ረኪበ ጳጳሳት ኤውሮጳ 2021.09.23 መሥዋዕተ ቅዳሴ መኽፈቲ ቤትምኽሪ ረኪበ ጳጳሳት ኤውሮጳ 

ንልቢ ሰብ ከዕግብ ዝኽእል ፍቅሪ ጥራይ እዩ! ር.ሊ.ጳ ንወርቃዊ ኢዮቤል ቤትምኽሪ ረኪበ ጳጳሳት ኤውሮ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ 50 ዓመቱ ብምዝካር ወርቃዊ ኢዮቤል ንዘብዕል ንዘሎ ቤትምኽር ረኪበ ጳጳሳት መላእ ኤውሮጳ ብሓባር ንምብዓሉ ኣብ ሮማ ተጋቢኦም ምስ ዘለው ጳጳሳት ቤትምኽሪ ረኪበ ጳጳሳት ኤውሮጳ ብሓባር ቀዲሶም ኩሎም ኣባላት እዚ ቤትምኽሪ እዚ ድሕሪት ምልስ ኢሎም ከስተንትኑ ዳግም ንክሃንጹን ንነገራት ኣነጺሮም ር አዮም ንክኽእሉን ከምዝተባብዕዎም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ሓሙስ ዕለት 23 ዝጀመረ ምልኣተ ጉባኤ ቤትምኽሪ ረኪበ ጳጳሳት ኤውሮጳ ክሳብ ዝመጽእ ሰንበት ዕለት 26 መስከረም 2021 ክቅጽል እሞ ንመበል 50 ዓመት ምሥረታኡ ማለት ወርቃዊ ኢየቤል ብምኽባር ክዛዝሞ ምዃኑ እንክምልከት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ነቲ ምልኣተ ጉባኤን ዝኽሪ 50 ዓመት ወርቃዊ ኢየቤልን ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ብቅዳሴ ከፊቶሞ። ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ከኣ ከም ክርስትያንን ጳጳሳት ኤውሮጳን ኣብ ቅድሚኦም ንዘሎ ግድላት መፍትሒ ንምንዳይ ከስተንትኑን ዳግም ኪሓንጹን ነነገራት ኣነጺሮም ጠሚቶም ክርእዩን ሓደራ ኢሎም።

ኣስተንቲንካ ምኽኣል!

ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ካብ ዝቀረበ ንባባት ቀዳማይ ንባብ ካብ ትንጊት ሓጌ 1.5 ኰይኑ ‘ምብኣርሲ እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እስከ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ። ንስኻትኩም ብዙሕ ዘራእኩም፣ ሒደት ኣእቶኹም። በላዕኩም ኣይጸገብኩምን፣ ሰቴኹም ኣይረዌኹምን፣ ተኸደንኩም ኣይሞቝኩምን፣ እቲ ውዕለቱ ዜእቱ ነቲ ዝወዐሎ ኣብ ነዃል ማሕፉዳ የንብሮ ኣሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ብልብኹም መገድኩም ሕሰቡ፣ ይብል ኣሎ’ ዝብል ስለዝነበረ ቅዱስነቶም ነታ ክልተ ግዜ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ አትብል ቃል ኣብ ናይ ሎሚ ኤውሮጳ ኣምጺኦም ከስተንትኑ ዓዲሞምዎም። ሎሚ ከም ኤውርጳውያንን ከም ክርስትያንን ዘሎ ግድላት ብዙሕ እኳ እንተኾነ እቲ ዝሓሰመ ግን ብኩሉ ኩሉ ጥዒሙካ ኣብ ዘሰናዶኻዮ ሥሩዕ ትሕተ ቅርጽን ዘጌጸ ኣብያትናን ኣብያተክርስትያናትን በቲ ባህልታትና ዘዋደዶ ናይ ውሕስነት መርበባት ቀሲንካ ንምንባር ብዙሓት ንዝሰማምዑሉ ቅሱን ናብራ ክትነብር ምፍታን ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ካብ ኢየሱስ ባዶ ዝተርፍ ኣብያተክርስትያንን ብኩሉ እናተረሰዔ ዝመጽእ ጐይታን ዓቢ ፈተና ግዜና ምዃኑ ገሊጾም።

ናብቶም ጳጳሳት ምልስ ኢሎም ከኣ ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ሰበኻታቶም ክንደይ ኮን ይኾኑ ጥሜትን ጽምእን እግዚአብሔር ዘይስምዖም! እዚ ግን ሕሱማት ስለዝኾነ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ልቦም ዘሎ ጽምኢ ማለት ጽምኢ እምነት ዘነቃቅሕ ዋላ ሓደ የለን። ርግጽ እዩ እዚ ጉዳያት እዚ የሻቅለና ይኸውን ግንከ ብሓቅዶ ንሻቀለሉ ክሳብ ክንደይ ድቃስ ለይቲ ንስእነሉ! ነቶም ዘይኣምኑ ኣይኣምኑን እዮም ኢልካ ምፍራድ ቊምነገር የብሉን እቲ ቀንዲ ከሻቅል ዘለዎ ጉዳይ እዞም ሰባት እዚኦም ንመቀረት ኢየሱስ ዘይምርካቦም ወይውን እቶም ረኺቦሞ ነሮም ዘጥፍኡ እዩ ከተሓሳስበና ዘለዎ። እዛ ክትነበብ ዝሰማዕናዮ ትንቢት ነቢይ ሓጌ ብዙሕ ትምህረና። ሎሚ እውን ጐይታ ንዓና ብነቢይ ሓጌ ገቢሩ ‘ምጒዳል ፍቅሪ ሓዘን ይፈጥር ምኽንያቱ ከኣ ንልቢ ሰብ ከዕግብ ዝኽእል ፍቅሪ ጥራይ እዩ። ፍታሕ ግድላትናን ኣብ ግላውነት ሸሚሙና ዘሎ ጸገምን ለጋስ ፍቅሪ እዩ። ካልእ መንገዲ የለን። እስኪ ብዛዕባዚ ኣስተንትኑ’ ምስ በሉ ናብታ ካልአይቲ ሓሳብ ማለት ናብ ዳግመ ሕንጸት ሰጊሮም።

ዳግመ-ህንጸት!

ጐይታ ብነቢይ ሓጌ ገሩ ነቶም ናይ ሽዑ ሰባት ‘ቤተይ ሕነጹ’ ይብሎም ሕዝበ እስራኤል ከኣ ንቤተመቅደስ ዳግም ይሃንጽ። እዚ ዳግመ ህንጸት እዚ ሎሚ ንኤውሮጳ የድልያ ኣሎ። ኤውሮጳ ንሓባራዊ ገዛኣ ዳግም ክትሃንጽ ኣለዋ ነዚ ንምግባር ካብዚ ዘሎናዮ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ኣብ ግምት ዘእቱ ኣታሓሳስባ ሰጊርካ ኣብቲ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ነዚ ቤትምኽሪ እዚ ማለት ቤትምኽሪ ረኪበ ጳጳሳት ኤውሮጳ ዘቆሙ ኣበው ጳጳሳት ዝነበሮም ዕላምን ራእይን ዳግም ምርኣዩን ምብርባሩን የድሊ። ከመይ አቲ ራኢ አቲ ትንቢታዊ ራኢ ናይ ምልኣትን ኩላውነትን ውህንደትን ነበረ። ዳግም ንምህናጽ ከስ ናብቲ መሠረት ምምላስ የድሊ። እዚ ከኣ ዚኣክል ሕያው ልማድን ባህልን ክርስትና ኣቦታት ተመሊስና ነቲ ሠናይን ሓዲስን ዝኾነ ንቅርበትን ምስክርነትን መሠረት ክኾነና እዩ። ካብዚ ኩነት እዚ ኢና ናይ ኩሉ ግዜን ቦታን ቤተክርስትያን ዳግም ክንሓንጽ ዘሎና። ካብ ኣምልኾ እግዚአብሔር ናብ ፍቅሪ ብጻይ ዘብጽሓና እዚ እዩ እምበር ፊን ከምዝበለና ኣይኮነን ወይውን ደስ ዝብለና ነገር ብምግባር ጥራይ ኣይኮነን። ዝኾነ ንዳግመ ህንጸት ዝግበር ሥራሕ ምስ ካልኦት ሓደ ኰንካ ብሓባር እዩ ዝግበር ከመይ ዳግመ ህንጸት ማለት ናይ ውህደት ሥራሕ ጥበብ ኰይኑ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ሕይወት ሓድነት ዚኣልም ኣምር እዩ ድሕሪ ቢሎም ናብታ ምርኣይ ትብል ሳልሰይቲ ነጥቢ ሰጊሮም።

ርኢኻ ምኽኣል!

ምርኣይ ምእማን እዩ ከምዝበሃል! ኣብ ዘሎናዮ ዘመን ንሓደ ነገር ድሮ ንፈልጦ ኢና ድሮ ርኢናዮ ኢና ሓንቲ ሓዲስ ነገር የብሉን ካብ ዝብል ናይ ባህልን ዕቀባን ነገር ናብ ሓቀኛ ምርኣይ ኢየሱስ ክሰግሩ እሞ ሕዳሴን ሕይወትን ብኢየሱስ ከምዘስተማቅሩ ምግባር ደሕሪ ዳግመ ህንጸት ብግዲ ተድሊ መሳልል ምዃና ዝገለጹ ቅዱስነቶም፡ ኣብ ጉዳይ ጒስነቶም ምልስ ይብሉ እሞ እንተደኣ ከም ጓሶት ንመጓሲኦም ናብ ኢየሱስ ከብጽሑን ምስ ኢየሱስ ከራኽብዎምን እንተዘይክኢሎም ወይውን ከምቲ ናይ ወንጌል ሕያዋይ ጓስ ንነፍሲወከፍ በግዕ ፍቅሪ ክገልጽ እንተዘይርእዮም ንነፍስወከፍ ብስም ክጽውዕ እንተዘይሰሚዖም ንነፍሲወከፍ ኣብ መንኩቡ ተሸኪሙ ኪጐዓዝ እንዘይርኢዮም ከም ጓሳ ኣይከለልይዎን እዮም። ነቲ እንሰብኮ መጠን ኣልቦ ርሕራሔ ጐይታ ክርእዩ እንተዘይክኢሎም ጸገም እዩ። ብፍቅሪ እቲ ዘድሓነና ጐይታ ነዚ ክንገብር እንተዘይክኢልና ጥበብ ዝመልኦን ተባዓን ውሳኔ በዚ መንፈስ እዚ እንተዘይገቢርና ክንጽገም ኢና እሞ ሃገ ነዚ ንግበር እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።     

ብድምጺ ንምክትታል!
24 Sep 2021, 11:34