ነቲ እግዚኣብሔር ‘’ዝሓልሞ’’ ‘ክብሪ ኩሉ ዝተሓልዎ ውሁድ ዓለም’ ንክረጋገጽ ሓግዙ! ር.ሊ.ጳ ንጳጳ
ዜና ቫቲካን!
ኣዕሩኽቲ ምንቅስቃስ ፎኮላሪ ተባሂሎም ዝፍለጡ ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ኣብ ሮማ ዝተረኽቡ ጳጳሳት ምስ ር.ሊ.ጳ ኣብ ዝተራኸቡሉ ግዜ ድሕሪ ሰላምታን ምስጋናን እግዚኣብሔር ሕልሚ ከምዘለዎ ዝገለጹ ቅስዱነቶም እቲ ሕልሚ ከኣ ኩሉ ኣብ ክርስቶስ ወዱ ዝወሃደሉ ክብሪ ነፍስወከፍ ሰብ ዝተሓለወሉ ንኩሉ ፍጥረት ምስ ክርስቶስ ዚዓርቅን ዘወሃህድን ሕልሚ ኰይኑ በዚ ከኣ ከም ክርስቶስ ንማንም ዘየጓኒ ንኩሉ ክፉት ዝኾነ እንኮ ዓለም ንምፍጣር ስለዝኾነ እዚ ሕልሚ እዚ ክውን ንክኸውን ዝከኣሎም ከበርክቱ ሓርራ ኢሎም።
እዚ ሕልሚ እዚ ነታ ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ከምዘወፍዩ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብ ኣዕሩኽቲ ምንቅሳቃስ ፎኮላሪ ዝፍለጥ ገሊጾም።
ኣብ 44 ሃገራት ዓለምና ልዕሊ 170 ዝኾኑ ኣቡናት ካብ 70 ኣብያተክርስትያናትን ማሕበራትቢቤተክርስትያንን ዝተዋጽኡ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ካብ ሮማ ውጽ እ ኢልካ ዝርከብ ዓለምለኸ ምንቅስቃስ ፎኮላሪ ማእከል ማርያፖሊስ ካብ 24/25 መስከረም 2021 ተጋቢኦም ‘ሓደ ንምኹን ምስራሕ! ትብ ዓት ሓድነት ኣብ ዝተመቃቀለ ዓለምና’ ብዝብል ኣር እስቲ ተዛቲዮም::
እዚ ምንቅስቃስ ፎኮላሪ ብዕሊ ከም ሥራሕ ማርያም ዝፍለጥ ኰይኑ ብሓንቲ መንፈሳዊት ዓለማዊት ክያራ ሉቢክ አትበሃል ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብ1943 ኣብ ትረንቶ ዝበሃል ከተማ ጣልያን ዝተመሥረተ እዩ።
ብ1962 ዓም ብቤተክርስትያን ተቀባልነት ረኺቡ ከም ምንቅስቃስ እውን ጸዲቁስ ናይ መላእ ዓለም መልእኽቲ ሓድነት ኰይኑ ተዘርገሐ። ነታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ መወዳእታ ድራር ‘ኩሎም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ’ (ዮሓ 17,21) ክብል ዝጸለያ ከኣ ከም ቀንዲ መንቀሊኡ ገበረ። ቀንዲ ዕላማኡ ሕውነት ንምድንፋዕን ኩሎም ዝኸብሩሉን ብዙሕነት ተቀባልነት ዝረኽብሉን ዝተወሃሃደ ዓለም ንምፍጣር ስለዝኾነ ቅዱስነቶም ንኣባትላት እቲ ምንቅስቃስ ኣቡናት ኣብ ኣገልግሎት ሓድነት ክወፍሩ ኣለዎም ኢሎምዎም።
አቡናት ኣብ ኣገልግሎት ሓድነት!
ቅዱስነቶም ነታ ‘ፍልልይ ኣብ ዝበዝሖ ዓለም ትብዓት ሓድነት! ሓደ ንኹን’ እትብል ተማ ጉባኤኦም ብቀንዱ ኣብታ መሥራቲቶም ዝኾነት ክያራ ሉቢክ ኣብ መንጎ ኩሎም ኣመንቲ ሓድነት ኣብ መላእ ዓለም ከኣ ውህደት ክህሉ ምስ ጸዓረት እዚ ምንቅስቃስ እውን ነዚ ከደንፍዕ ኣለዎ። ከመይ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንእንታይነት ቤተክርስትያን ንምግላጽ ኣብ ብርሃነ ኣህዛብ ቊ. 1 ቤተክርስትያን ምሥጢር ከም ምሥጢራት ከኣ ምልክት ውህደት ምስ እግዚኣብሔር ከምኡ አውን ናይ መላእ ዘመደ ኣዳም ሓድነት ምልክት እያ ዝበሎ ኣብዚ ምንቅስቃስ እዚ የጋውሕ ኣሎ ኢሎም።
እዚ ምንቅስቃስ ዝተመሥረተሉ ዘመን ዓለምና ብሳዕቤን ካልኣይ ውግእ ዓለም ቈሲላን ዓንያን ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ኰይኑ መንፈስ ቅዱስ በዚ ምንቅስቃስ እዚ ገቢሩ ዘርኢ ሕውነትን ውህደትን ኣብ ልቢ ክያራ ኣብ ትረንቶ ዘሪኡ በቊሉ ዓብዩ ካብ መላእ ዓለም ኩሉ ቋንቋን ሃገራትን ብዘወሃህድ ሓይሊ ፍቅሪ እግዚአብሔር ብዝውሕዙ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሃብቲሙ ውህደትን ሓድነትን ከኣ ፈጢሩ።
ኣብ ውህበት ጸጋ እዚ ምንቅስቃስ እዝን ጸዋዕታ ጵጵስናን ምምስሳል ከምዘሎ ዝገለጹ ቅዱስነቶም በዚ ከኣ ኣቡናት ኣብ መንጎ ሕዝበ እግዚአብሔር ሓድነት እምነትን ተስፋን ፍቅርን ንክድንፍዕ ከገልግሉ እዩ ተልእኮኦም ኢሎም። እታ ምንቅስቃስ ፎኮላሪ ከም መሪሕ ዝጥቀምዋ ‘ኩሎም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ’ እትብል ጸሎት ኢየሱስ ንደጋዊ ሓድነትን ተመሳሳልነትን ዘይኮነ እቲ ንቤተክርስትያን ከም ሕያው ሰውነት ክርስቶስ ብምርኣይ ብመንፈስ ቅዱስ ተዋሃሂዳ እትነብሮ ውህደት ይኹን በዚ ከኣ ከም ቤተክርስትያን ኣብ ታሪኽ ዝጐዓዙን ክንዮ ታሪኽ ዝጐዓዙን ትኾኑ፣ እግዚአብሔር ከኣ ነዚ ውህደት እዚ እዩ ዚሓልም ኢሎምዎም።
እግዚአብሔር ዚሓልሞ ውህደት!
ኣቡናት ከስ ነቲ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ ብተግባር እናመስክሩን ንኩሉ ናብኡ ከብጽሑ እናሰርሑን ነቲ ንኩሉ ኪዓርቅን ከወሃህድን እሞ ንኩሉ ፍጥረትን ንነፍስወከፍ ሰብን ኣብ ክርስቶስ ከወሃሃዱ ሓደራ ኢሎም። ነቲ ኣብ ቅድመና ዝረኤ ጽላሎት ዕጽው ዓለም ሰጊሮም ነቲ ትብዓት ሓድነት ክብሉ ዝገልጽዎ ተማ ብተግባር ክምስክርዎ ሓደራ ብማለት ተሰናበትዎም።
ምንቅስቃስ ፎኮላሪ ኣብ 182 ሃገራት እንክነጥፍ ልዕሊ 2 ሚልዮን ዝኾኑ ይሳተፍዎ። አባላቱ ከኣ ናይ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናት ምንቅስቃሳትን ኣባላት ዓበይቲ እምነታት ዓለምናን እዮም።