ትብዓት ወንጌል ንእርጋን ነፍሲ ንምክልኻል ኣብ እንገብሮ ተጋድሎ ሓጋዚ እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዝካየደሉ ብዛዕባ ጉዳይ ማሕበር ኣብ ርእሲ ምዝታይ ናይ መሪሕነት ለውጢ እውን ስለዝግበር እዚኦም ብማሕበር ክላሪታኒ ዝፍለጡ ልኡካነ ወንጌል ደቂ ንጹሕ ልበ ድንግል ማርያም ኣብ ፍጻሜ ጉባኤኦም ነቲኦም ኣብ ዝሓለፈ ጉባኤ ተመሪጾም እንደገና ዳግም ከም ዋና ሓላፊ ማሕበር ን ኣባ ማቲው ቫታማታም ከምዝመረጹ እንክምልከት እቶም ተሳተፍቲ ምስ ር.ሊ.ጳ ክራኸቡ ናብ ከተማ ቫቲካን ኣብ ዝኸደሉ ዳግም ብዝተመርጹ ሓለቃኦምን ብፁዕ ካርዲናል ኣኲሊኖ ቦኮስ መሪኖ ተሰንዮም ነበሩ፡ ቅዱስነቶም ከኣ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረብዎም ድሕሪ ሰላምታን ምስጋናን ሓቀኛ መሰኻኻርን ኣምለኽትን ሰገድትን ቅዱስ ቊርባን ክኾኑ ሓደራ ኢሎምዎም።
ምስክርነትን ኣምልኾን ስግደትን ቅዱስ ቊርባን! ተመላላእቲ ተግባራት!
መሪሕ ቃል ናይቲ ጉባኤ ‘ድልዱል መሠረትን ጽኑዕ ትብዓትን ምውናን’ ዝብል ብምንባሩ ቅዱስነቶም ነዘን ክልተ ሓይልታት እዚኤን ንምርካብን ብ አአን ንክትራሕን ዘድልያ ክልተ ካብ ሓድሕድ ዘይፈላለያ እኩ ደኣ ነንሕድሕደን ዝመላላኣ መንፈሳውያን ተግባራት ከምዝደድልያ እዚኤን ከኣ ምስክርነትን ኣምልኾን ስግደትን ቅዱስ ቊርባንን ምዃነን ከመይ ጸሎትን ኣስተትኖን ዘይብሉ ምስቲ ምንጪ ተል እኮ ዝኾነ ክርስቶስ ርክብ ምፍጣር ይጽግሞ ብዘይ ክርስቶስ ከኣ ሓንቲ ፍረ ክፈሪ ኣይከኣልን እንክብሉ እንተደኣ ተልእኮኦም ፍርያም ክኸውን ኰይኑ በዚኤን ክልተ ተመላላእቲ መንፈሳውያን ተግባራት ክምርሑ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮሞም።
[ እንተደኣ ተልእኮኹም ብሓቂ ፍርያም ክኸውን ደሊኹም ንተል እኮኹም ካብ መንፈሳዊ ኣስተንትኖን ምስ ክርስቶስ ጥቡቅ ርክብ ምግባርን ክትፈልዩ የብልኩምን፡ እንተደኣ ሓቀኛ መሰኻኽር ክትኮኑ ደሊኹም ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ስግደትን ኣምልኾን ምግባር ክተባትኹ የብልኩምን፤ ምስክርነትን ኣምልኾን ስግደትን ቅዱስ ቊርባንን ኣብ ልቢ ወንጌል ዝርከባ ክልተ ቃላት እየን፤ ‘ምሳኡ ንክኾኑን ንስብከተወንጌል ንክል እኮምን ጸው ዖም’ (ማር 3,13) ይብል፤ እታ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ስለ እትቅልብ ከኣ ካብ ንሓድሕደን ተፈልየን እታ ሓንቲ ብዘይካ እታ ካል አይቲ ክህልዋ ኣይክእላን ኢሎምዎም ]።
ወንጌል መሪሕ መንገዲ ሕይወት እምበር መጋበሪ ሥነ ሓሳብ ኣይኮነን!
ቅዱስነቶም ምኽሮም ብምቅጻል ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሓደራ ዝብሎ ማለት ንቃለ ወንጌል ከም ሳእኒ ክለብስዎ ሓደራ ድሕሪ ቢሎምዎም ነዚ ከም መሰነይታን መሪሕን መንገዲ ሕይወትን እምበር ከም ናይ ሥነ ሓሳብ መምርሒ ከይገብርዎ ኣዘኻኺሮምዎም፡ ኣብ መወዳእታ ስብከተ ወንጌል ቅርበትን ኣብ ጐድኒ ሰማዕቲ ምህላውን ዝሓትት ልቢ ንልቢ እትካፈሎ እምበር ብማዕዶ ብመስኮት ዝስበኽ ስለዘይኮነ ወትሩ ቅርበቶም ብግብሪ ክገልጹን ኣብዛ ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝተፈተነትን ገና እውን ትፍተን ዘላ ዓለምና ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ብምልባው ብሓዋርያዊ ቡራኬ ተሰናበትዎም።