ምስጢረ ንስሓ ናይ ሓሴት ምስጢር ምዃኑ ዝገልጽ ሓድሽ ኣረኣእያ!
ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጒዳይ ኣብ ዝከታተል ናይ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 መስከረም በቲ ካብ ዕለት 12 መስከረም ክሳዕ ዕለት 15 መስከረም 2021 ዓ.ም. ብዝነበሮም መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ስሎቫኪያ መሰረት ኣብ ከተማ ኮሺቸ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርቲ ሜዳ ምስ መንእሰያት ብሕቶን መልስን ዝተሰነየ ዓውደ ርክብ ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥ “ሕመርት ይቕረታ ዝርዝር ሓጢኣትናን ውርደትና ዘይኮነ እቲ ዝቕበለና እግዚኣብሔር እዩ” ዝብል ዘስመሩሉ ሓሳብ ብሰፊሕ የብርሁ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኑዛዜ “ናይ ሓጐስ ምስጢር እዩ” ብርግጽ ከኣ ኣብ ሰማይን ምድርን ዝግበር “በዓል” እዩ። ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኮሺች ምስ መንእሰያት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ነቶም ሓድሽ መገዲ ንኽሕበሩን ንኽበርሃሎምን ዝድግፍኦም ቃሎም ክልገሰሎም ንዝመጹ መንእሰያት ኣዒንቲ እናትጠመጡ፥ እቲ ዝብልዎ ዝነበረ ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ መንእሰያት ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ርክብ ብዝተፈላለያ ማዕከናት መራኸቢ ብዙሓን ንዝከታተሉ ንዝነበሩ እውን እዩ፡ ንዅሉ ዘጸናንዕ ቃለ ምዕዳን እውን እዩ። ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ዝርሕቕዎ ዘለዉ ምስጢረ ንስሓ ኣይኮነን ዝቕየር ዘሎ። ናይ ሮማ ጳጳስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ኑዛዜ ካብ ተመክሮ ናይ ብዙሓት ክርስቲያንን ታሪኻውን ውርሻታቱን ፈጺም እተፈላየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም።
ቅድም ቀዳድም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ምስጢረ ንስሓ ነቲ ኣብ ሕይወትና “እተደቆስናሉ” እዋን “ፈውሲ” እዩ እንክብሉ ሓቢሮም እዮም። ሓንቲ ፐትራ እትበሃል መንእሰይ “ናብ ምሕረት ኣምላኽ ኣብ እተኸደሉ መገዲ ንዘጋጥመካ ዕንቅፋታት ብኸመይ ክትሰግሮ ትኽእል? ቢላ ምስ ሓተተቶም፥ ቅዱስነቶም “ክትናዘዙ እንከለዅም እንታይ ይስምዓዅም?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፥ መልሱ “ሓጢኣት ዝብል ምዃኑ ርግጸይና እየ። ሓጢኣት ግን ብሓቂ ማእከል ኑዛዜ ድዩ? . . . ኣምላኽ ብዛዕባኻ ወይ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ወይ ብዛዕባኡ ክትሓስብ ድዩ ዚደለየካ?”
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ቡዳፐስት ከምዝበልዎ፡ እቲ ክርስቲያናዊ መገዲ ብድሕሪት ገጹ እዩ ዝጅምር፡ ንኣምላኽ ቦታ ንምርካብ ድማ ካብ ማእከል ህይወት ገዛእ ርእስኻ ምውጻእ እዩ። እዚ ንኑዛዜ ዚምልከት ተመሳሳሊ መለክዒ ኣብ ህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንእሽቶ ሰውራ ኮፐርኒካዊ ንፋስ ኬለዓዕል ይኽእል እዩ። ኣብ ማእከል እቲ ኣምላኽ ሓንጐፋይ ቢሉ ዚቕበሎ ዚሓቝፎ ይቕረ ዚብለሉ ዚትንስኣሉ ኣጋጣሚ እዩ።
“ናብ ኑዛዜ እንኸይድ፥ ከም ቶም ገዝእ ርእሶም ትሕት ከብሉ ዘለዎም እተቐጽዑ ሰባት ኮይና እይኰነን። የግዳስ ከም ሕቝፎ ኣብኡ ንምርካብ ዚጐዩ ቈልዑ ኢና። ኣቦ ድማ ኣብ ኵሉ ዅነታት የተባብዓናን ንዅሉ ሓጢኣትና ይቕረ ይብለልናን እዩ። ኣምላኽ ወትሩ ይቕረ ይብል እዩ! ተረዲኡኩም ዶ? ኣምላኽ ወትሩ ይቕረ ይብል እዩ” ቢሎም “ናብቲ ዜፍቅረንን ዜሕውየንን ኢየሱስ” ደኣ እምበር ናብ ፈራዲ ኣይንኸይድን ኢና።
ፍራንቸስኮ ንካህናት ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ምዃኖም ዝብል “ስምዒት” ክስምዖምን “ኣብ ክንዲ እቲ ወትሩ ይቕረ ዝብለሎምን ዝሓቝፎምን ኣቦ ኣምላኽ ይኾኑ። ንኣምላኽ ኣብ ኑዛዜ ቐዳማይ ቦታ ንሃቦ። ኣምላኽ ቀንዲ ተዋሳኢ እንተ ዀይኑ ኵሉ ነገር ጽቡቕ ይኸውንን ኑዛዜ ድማ ናይ ሓጐስ ምስጢር ይኸውን። እወ ብሓጐስ እምበር ናይ ፍርህን ፍርድን ምስጢር ኣይኮነን።”
ስለዚ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ምስጢረ ንስሓ ሓድሽ ምርዳእ ምስ እነስተውዕል ሓጢኣትና ናይ ዘስዕቦ ሕፍረት እሱራት ኮይንና ከይንቕጽል ዝብል “ጽቡቕ ነገር እዩ። ኣምላኽ ብኣኻትኵም ፈጺሙ ስለ ዘይሓፍር፥ ካብቲ ሕፍረት ክንወጽእ እዩ ዝሓተትና። ምስጢረ ንስሓ ካብ ሕፍረት የላቕቐና። ኣምላኽ ወትሩ የፍቅረና እዩ። ብዙሓት ንገዛእ ርእሶም እውን ይቕረ ምባል ስለ ዝሰኣኖም ከኣ ኣምላኽ እውን ይቕረ ከምዘይብሎም ኮይኑ ይስምዖም። ምኽንያት ናብ ሓጢኣት እናተመላለስና ስለ እንወድቕ። ኣምላኽ መዓስ እዩ ዚቕየም? መዓስ ኢኻ ይቕረታ ክትሓትት እትኸይድ? ኣይፋሉ። ኣምላኽ ይቕረ ኺብለና ከም ዘይክእል ጌርና ኽንሓስብ ከለና ይሳቐ እዩ። ከመይሲ “ኣብ ፍቕሪ ስለ ዝደኸምና እዩ ከምኡ ገርና እንሓስብ። . . . ኣብ ክንዳኡስ ኵሉ ሳዕ ይቕረ ኺብለልና ከሎ ኣምላኽ ይሕጐስ እዩ። ኬተንስኣና እንከሎ ከምንቲ ንመጀመርታ ግዜ ብኣና ዚኣምን ተስፋ እይቈርጽን እዩ። ንሕና ኢና ተስፋ እንቘርጽ ንሱ ኣይኰነን። ከም ዝፍቀሩ ደቁ እምበር ሓጥኣን ሰባት ኣይርኢን፣ ምናልባት ዝቖሰሉ ገይሩ ይርእየና እሞ ዝያዳ ይርሕርሓልናን ለውሃቱ ድማ የቕርበልና። ክንናዘዝ ከለና ‘ኣብ ሰማይ በዓል እዩ ዝኸውን’ ነዚ ፈጺምና ኣይንርስዓዮ፥ ኣብ ምድሪ እውን ከምኡ እዩ ዝኸውን።
ካብ ሕፍረት ናብ በዓል ካብ ውርደት ናብ ሓጐስ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘይኮኑስ ባዕሉ ወንጌል ብዛዕባ እቲ ንሓጢኣተይና ወዲ ብጭንቀት ዝጽበዮን ንኣድማስ ብቐጻሊ ዝምርምረሉን ከምኡ እውን ኵሉ ጒድለታቱ ብጥንቃቐ ብምግላጽ ርእሱ ኣትሒቱ ንኽርኢ ግዜ ቅድሚ ምርካቡ እውን ከይተረፈ የተንስኦን ይሓቝፎን ምስኡ ኰይኑን ንኣኡን ባዓል ዝገብርን የብዕልን ኣቦ ምዃኑ እዩ ዚገልጸልና።
(Andrea Tornielli)