ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መእለዪ ድኻታት፥ ኢየሱስ ፈጺሙ ኣብ ፈተነ ኣይጥንጥነናን!

ከምዚ ቢልና ብሓባር ምስ እንእከብ ኣብ መንጐና ጐይታ ኣሎ! እቲ ኣብዚ ዝርአይ ዘሎ ሓጐስ ከኣ ካብቲ ጐይታ ኣብ መንጐና ምዃኑ ዝነቅል እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ቤተ ልሔም እተሰምየ ኣባይቲ ስድራን ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሰባትን ሓንጐፋይ ቢሉ ዝቕበል ብደናግል ማሕበር ቅድስቲ እናቴ ተረዛ ዝመሓደር መእለዪ ድኻታት ምብጻሕ ኣካይዶም፥ “ንኣምላኽ ንርእዮን ወይ ኣይንርእዮን ንኸውን፡ እንተዀነ ግን ኣብ ጒዕዞ ህይወት የሰንየና እዩ” እንክብሉ ቅርበትን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ኣብ ድኻታት ዘማእከለ እዩ ዝብል ቃል ከምዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ብራቲስላቭ ክፍለ ከተማ ፐትሪዛልካ ኣብ ዝርከብ ብማሕበር ደናግል ቅድስቲ እናቴ ተረዛ ዘካልኵታ ዝተመስረተ ግዳም ሓደርን ኣብ ከቢድ ድኽነት ዝርከቡን ብምእንጋድ ኣብ ህይወቶም ናይ ተስፋ በሪ ክርህው ሰብኣውን መፍነሳውን ድጋፍ ዘቕርብ ማእከል፥

ናይ ክብሪ ቦታ

“ከመይ ትውዕሉ? ክበጽሓኩም ኣብ መንጐዅም ክርከብ ብምኽኣለይ ልዑል ሓጐስ ይስምዓኒ፡ ስለ እተቐበልኵምኒ አመስግነኩም” እንክብሉ ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ መደረ ኣበጊሶም፥ ነተን ነቲ ማእከል ዘማሓድራ ደናግል ደቂ ቅድስቲ እናቴ ተረዛ ዘካልኵታ ሰላምታይ አቕርብ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብዚ ንዕስራ ዓመት መግቢ ኣልባሳት ከምኡ ንኽብረቶም ዘድሊ ነገራት ብምቕራብ ንዝነብርኦ ፍቕሪ ኣብነት እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኢየሱስ ወትሩ ቀረባና ኢዩ

“ከምዚ ቢልና ብሓባር ምስ እንእከብ ኣብ መንጐና ጐይታ ኣሎ! እቲ ኣብዚ ዝርአይ ዘሎ ሓጐስ ከኣ ካብቲ ጐይታ ኣብ መንጐና ምዃኑ ዝነቅል እዩ። ኣብ መንጐና ምዃኑ ዝተረጋገጸ እዩ፥ እዚ እውን ኣብ ፈተና ኵሉ ምሳና እዩ፡ ፈጺሙ ኣይሓድገናን፡ ወትሩ ቀረባናን ይቐርበናን፥ ክንርእዮ ንኽእል ኢና ምናልባት እውን ኣይንርእዮን ንኸውን እንተዀነ ግን ወትሩ ኣብ መገዲ ህይወት ይሰንየና እዩ” ቢሎም ነቲ ሕንጻ እናተዘዋወሩ ተመልኪቶምን እቶም ኣብኡ ዝርከቡ መንእሰያት ድሕሪ ዘስምዕዎ መዛሙር ብሓባር ሰላም ለኪ ጸሎት ትደጊሞም ኣብቲ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ደቂ ቅድስቲ እናቴ ተረዛ ዘካልኵታ ናይ ክብሪ መዝገብ ክታትሞምን ሓጺር መልእኽትን ኣንቢሮም ጐይታ ይባርዅም ይባርኽን ቅድስቲ ድንግል ማርያም እውን ትሓልወኩም ትሓልወክን” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተሰናበቱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

16 Sep 2021, 08:20