ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቺለ ርእሰ ብሔር ፒኘራ ኤቸኒከ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 መስከረም 2021 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፕባሊካዊት ቺለ ርእሰ ብሔር ሰባስቲያን ፕኘራ ኤቸኒከ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ቺለ ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ኣብቶም ዝተኻየዱ ርክባት ብዛዕባ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ቺለን ህልው ኵነታት ቺለን ርክብ ኣብ መንጐ መንግስትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ብሔራውን ዓለም ለኻውን ብድሆታትን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ምይይጥ ምክያዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ፥ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ዕለት 9 መስከረም ርእሰ ብሔር ረፓብሊክ ቺለ ሰባስትያን ፒኘራ ኤቸኒከን ኣሰነይቶምን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱን ርእሰ ብሔር ቺለ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቀባብላ ከም እተገበረሎምን ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡን፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቺለን ዘሎ ዘዕግብ ክሌኣዊ ርክብ ከምኡ እውን ሰላምን ማሕበራዊ ፍትሕን ዕቝባ ድኻታት እተገለሉን ተኣፋፍያንን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ምይይጥ ምክያዱ የመላኽት።
ርክብ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን
ብተወሳኺ እውን ውሽጣዊ ዅነታት ቺለን “ንማሕበራውን ቍጠባውን ምዕባለ ንመስርሕ ተሓድሶ ቅዋም ከምኡ እውን ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ” ፍሉይ ቆላሕታ ብምግባር ምይይጥ ምክያዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ “ብፍላይ ኣብዚ ወሳኒ እዋን ለብዒ እዚ ንመላእ ሕብረተሰብ ቺለ ረብሓ ኣብ ግብረ ሰናይን ትምህርታውን ማሕበራውን ዓውድታት ዘገልግሉ ሰባት ኣበርክቶ ግምት ብምሃብ ሰላማዊ ምትሕብር ምድንፋዕ ኣገዳሲ“ ምዃኑ ከምእተሰመረሉን ብዛዕባ ኣህጉራውን ዞባውን ጉዳያት ከምኡ እውን ብዛዕባ ምድንፋዕ ሰላምን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዓለም” ኣብ ዝብል ነጥቢ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ምክያዱ ኣፍሊጡ።