ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኢትዮጵያ ምሕዝነት ውሑስ ክኸውን ጻውዒት የቕርቡ

ኣቱም ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ቤት ትምህርቲ እትምለሱ ቈልዑን መንእሰያት ተመሃሮ ከምኡ እውን መምህራን ጐይታ እምነትኩም ክትዕቅቡን ስነ ፍልጠት ከተማዕብሉን ናይቲ ደቅሰብ ሰላምን ሕውነትን ህድኣትን ክረኽብሉ ዝኽእሉ ብሉጽ መጻኢ ቀንዲ ተዋሳእቲ ኵኑ!

ዕለት 8 መስከረም 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከብቅዕን ዕለት 8 መስከረም ዓመታዊ በዓል ሓላዊት ሃገረ ኵባ ቅድስተ ማርያም ዘኮብረ ምዃኑን ኣዋጅ ብጽዕና ካርዲናል ውይዝይንስኪን ከምኡ እውን ናይ 2021 – 2022 ዓ.ም. ናይ ትምህርቲ ዘመን ዝኽፈተሉ ተመሃሮ ናብ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝምለስሉ እዋን ምዃኑ ዘኪሮም፥ ተመሃሮ ቀንዲ ተዋሰእቲ ዝበለጸት ዓለም ዅኑ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣሕጽር ኣቢሎም “ብርቱዕ ሰብኣዊ ቅልውላው” ብዝብል ኣገላልጻ ዘመላኸትዎ እኳ እንተኾነ ኣብ ውሽጦም ብርቱዕ ጓሂ ዝፈጥረሎም ዘሎ ገሊኦም ተንተንቲ ህልው ኩነታት ኣፍሪቃ፥ ኣብ ኢትዮጵያ  ዝርአ ዘሎ ሕድሕዳዊ ደም ምፍሳስ ኣብ መንጐ እቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣሚቶም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ህዝባዊ ሓርነት ትግራይን ናይ መንግስቲ ወተሃደራትን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ነታ ሃገር ክበታትን ዝኽእል እንክብሉ ዝገልጽዎ ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፥ ቅዱስነቶም እቲ ብዜና ማዕከናት ዝንገር ምኽንያት ሞትን ዓመጽን ኮይኑ ዘሎ ግጭት ብዙሕ ከምዘጨንቖም ዕለት 8 መስከረም 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ እንክገልጹ፥

ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 11 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ሓድሽ ዓመት ከተብዕል እያ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ነቶም ብሰንኪ እቲ ቐጻሊ ዝዀነ ግጭትን ዘስዕቦን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ምኽንያት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ልባዊ ቅርበተይን ፍቕረይን ክገልጸሎም እፈቱ። እዚ እዋን እዚ ነቲ ሓባራዊ ባህጊ ሰላም እንሰምዕሉ ሕውነትን ምትሕልላይን ዝዓስሎ እዋን ይዅን!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምእንቲ ሕልሚ ኵባውያን እጽሊ

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተሳተፉ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ዝተፈላለዩ ጒጅለታት ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ዕለት 8 መስከረም ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ስማ ለማርያምን ዓመታዊ በዓል ሓላዊት ቅድስቲ ሃገረ ኵባ ቅድስተ ማርያም ዘኮብረን ምዃኑ ከምዘዘኻኸሩን ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ኵባ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ቅዱስ ስፍራ ቅድተ ማርያም ዘኮብረ ዘካየድዎ ንግደት ብዓቢይ ሞሳ ዘኪሮ፡ ኣብታ ኵባውያን ኣዲኦም ሓላዊት ቅድስቲ ሃገረ ኵባ ኣብ ዘብዕሉላ ዕለት “ሕልምታትን ተስፋታትን ሓዘንን ህብዚ ኵባ ኣብ ትሕቲ እግራ ሕድሪ እብል -  ሎሚ ኵባውያን ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ፍቕርን ሓልዮትን ማርያም ከስተማቕሩን ናብቲ መድሓኒ ዝዀነ ክርስቶስ ትምርሓዮም” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ውይስዝይንስኪ ናይ ተስፋ ጀግና

ቅዱስነቶም ንምእመናን ፖላንድ ሰላምታኦም ብምቕራብ ብሰንኪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ድሕሪ ምጽባይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 12 መስከረም 2021 ዓ.ም. ንተወላዲ ፖላንድ ካርዲናል ስተፋን ውይስዝይንስኪ ብጽእና ክትእውጀሎም ምዃና ዘኪሮም፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሓደ እዋን ብዛዕባ ካርዲናል ውይስዝይንስኪ እንክዛረቡ፥

ጽኑዕ እምነትኵም ኣብ ቅድሚ ማእሰርቲ ንመከራን ዘይለመሰ ጅግንነት ዝመልኦ ተስፋዅምን ኣብ ኣደ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ዘሎኩም ትውክልቲ እንተዘይህልው ነይሩ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ እዚ ተወላዲ ፖላንድ ኣይ ምሃለውን!

እንብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም፡ ነዞም ብጽዕና ዝእወጀሎም ተወላዲ ፖላንድ “ናይ ተስፋ ጅግና” ቢሎም ከምዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንመንእሰያት፥ ብሉጽ ዓለም ምእንቲ ክህሉ ትጉሃት ተመሃሮ ኵኑ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ናይ 2021 – 2022 ዓ.ም. ናይ ትምህርቲ ዘመን ዝጅመረሉ እዋን ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ “ፍቑራት መንእሰያት - ኣብ ምጅማር እዚ ናይ ትምህርቲ ዘመን እዚ ንዅላትኩም ባህላዊ ዕቤትን ማእስር ዕርክነት ንኸተዕሙቝ ኣጋጣሚ ይዅነልኩም” ምስ በሉ፥

ኣቱም ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ቤት ትምህርቲ እትምለሱ ቈልዑን መንእሰያት ተመሃሮ ከምኡ እውን መምህራን ጐይታ እምነትኩም ክትዕቅቡን ስነ ፍልጠት ከተማዕብሉን ናይቲ ደቅሰብ ሰላምን ሕውነትን ህድኣትን ክረኽብሉ ዝኽእሉ ብሉጽ መጻኢ ቀንዲ ተዋሳእቲ ኵኑ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

10 Sep 2021, 09:33